2015-07-30 16:35:00

በዓለ ዘምህረት ኣሲዚ፦ ምሕረት እግዚኣብሔር ናብ ምሉእ ዓለም ምብጻሕ


ናይ ኣሲዚ ዓመታዊ ዓቢይ በዓለ ምሕረት ንምኽባር ኣብቲ ዝካየድ ናይ ሳልስቲ መንፍሳዊ ምድላዋት ንምስታፍ ካብ ውሽጥን ወጻኣን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ናብ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስስ ይውሕዙ ከምዘለዉ እንክሕበር፣ ብዛዕባ እዚ ብድላይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዝተበገሰ ዘምናት ዘቝጸር ዘሎ ናይ ምሕረት በዓል ታሪኽ ኣመልኪቶም ናይ ፍራንቸስካውን ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ሚካኤል ፐርይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጸጋ ምሕረት ዝሓተተሉ ፍሉይ ዓመት ዝነበሮ ታሪኻውን መፍነሳውን ኩነታት ምዝካሩ የድሊ። እቲ ዝነበረ ኩነት ድማ ናይ ውግእን ውጥረትን ሃብታማት ኣብ ምቅድዳም ስልጣንን ምጭቛን ድኻታትን ሸበድበድ ዝብልሉ ዝነበረን ነውጺ ዝተመልኦን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ መስቀል ውግእ ማለት ኣብ መንጐ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ምስልምናን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ኣብ ዝነበረ እዋንን ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እውን ምስሕሓብ ኣብ ዝተምኣሉ እዋን እዩ ነሩ። እዚ ታሪኻዊ ኩነት’ዚ እቲ ናይ ኣሲዚ በዓለ ምሕረት ብዝበለጸ ትርጉሙ ኣበጋግሳኡን ቀንዲ ናይቲ በዓል ትርጉሙ ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ኣብ 1216 ዓ.ም. ሓደ ለይቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብጸሎትን ተመስጦን ተዋሒጡ እንከሎ ኣብ ልዕሊ መንበረ ታቦት ብየማኑ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን መላእኽትን ዝተቐመጡ ብብርሃን ዝተዀለዔ ግልጸት ክርስቶስ ይጽገው እሞ ክርስቶስ ድማ ነፍሳት ክድሕና መታን እንታይ ትደልይ እንክብል ይሓቶ። ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ግና ኣነ ምስኪንን ሓጢኣተይናን እየ እሞ እቲ ሰፊሕን ለዋህን ምሕረትካ ዓድለኒ እንክብል ይምልሰሉ። ድሕሪ እዚ ግልጸት’ዚ ቅዱስ ፍራንቸስስስ ዕለት 2 ነሓሰ 1216 ዓ.ም. ንተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ኦኖሪዮ ሳልሳይ ኣብ ቅድስቲ ማርያም ንግስተ መላእክት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሕረት በዓል ክበዓል ዝብል ጸጋ ይሓትት ር.ሊ.ጳ. ኦኖሪዮ ሳልሳይ ድማ ልመናኡ ሰምዑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ብፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ማሕበር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዝምራሓ ኣቢያተ ክርስቲያንን ፍራንቸስካውያን ቁምስናታት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳትፍን ዝናዘዝን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፍ ስለ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጽልይን ናይ ምሕረት ጸጋ ክዕደል እዩ ዝብል ውሳኔ ይቐበል፣ እቲ በዓል ናይ ኣሲዚ ምሕረት ድማ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ መልእኽቱን ኣጀማምራኡን እንታይ ከምዝመስል ገሊጾም።

ውሽጣዊ ናጽነትን ነጻነት ኣብ ርክባትን ናይቲ ዝሓለፈን ታሪኽናን ሰብኣዊ ውስንነትና ግዙኣት ካብ ምዃን ድሒንና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣቱው ዘብቅዓና ዳግማይ ደቂ እግዚኣብሔር ንኽንከውን ዘብቅዓና ጸጋ እንዕደለሉ ዓቢዕ ሳልስትን በዓልን እዩ ኢሎም።

ምእመናን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ዝሳተፍሉ ኣዋን እዩ። እዚ ድማ ግላውን ውሽጣዊ ምልዋጥን ዝብልን እዚ ውሽጣዊ ምልዋጥ ድማ ምስ ዝብል ርካባትና ዝሕድስ እዩ። ምሕረት እግዚኣብሔር ዝጽለየሉን እዩ። ናይ ዕርቂ ኣድማስ ዘድምዕ እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣድማስ ዘለዎ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እቲ ግላዊ ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣድማስ ዘለዎ ምዃኑ ብምስትውዓል ካብ ግላዊ ዕርቂ ናብ ማሕበራዊ ዕርቂ ብምስግጋር ናይ ዕርቅን ምስጢረ ንስሓን ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር እንቕበለሉ ቅዱስ እዋን እዩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ እስያን ኣብ ዘካየድዎ ኣብ ናይ ማሕበሮም ገዳማት ሓርያዊ ዑደት ኣብቲ ከባቢ ብዙሒ ማሕበረ ክርስቲያን ክብ ይብል ከምዘሎ ዘረጋግጽ ዝተውሃቦም ሓበሬታ ብፍላይ ድማ ካብ ዓሰርተ ዓመት ንነጀው ዝናዘዙን ጸጋ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝልምኑን ዝዕረቑን ብዝሒ ክርስቲያን ክብ ይብል ኣሎ። ኣዚ ድማ ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ። ካብቲ ዘልማድ ዓይነት ምስታፍ ኣብ ምስጢረ ኑዛዜ ክንርሕቕ ቤተ ክርስቲያን ክትሓንጸና ተልእኾኣ እዩ። ቅዱሳት ምስጢራት ሓቀይና ንጻነት ዘልብሱን እውነተይና ምልዋጥ ዘዕድሉን እውነተይና ዕርቅን ሓጎስን ዘጸግዉ እያቶም። ቤተ ክርስቲያንን ክርስቲያንን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዝኣወጅሉ ሰነድ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ምስጢረ ንስሓ ክሳተፍን ናይቲ ዝቕበሎ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝዕድሎ ጸጋታት ማለት ፍቕርን ፍትሕን ኣብ ዓለም ክዘርእ የተሓሳስቡ። ብቅዱሳት ምስጢራት ኣቢልና እንቕበሎም ጸጋታት ኣብ ዓለም ምዝራእ።

ታሪኽ ክርስትና ናይ ምሕረት ታሪኽ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምሕረት ዓመት ምእዋጆም ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ባህታ እዩ። ከምቲ ዝተቐበልናዮ ምሕረት እግዚኣብሔር ኰይንና ንኽንንበር ዝተጸዋዕና ምዃንና እነስተንትነሉን ቃልን ግብርን ኣጣሚርና ዝተቐብልናዮ ምሕረት እግዚኣብሔር እንምስክረሉ ናይ ጸጋ ዓመት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.