2015-07-28 16:17:00

ብፁዕ ካርዲናል ርይልኰ፦ ኣብ ክራኮቪያ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ናይ መንእሰይ ዓመት ኢዮቤል እዩ


ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኰ ብምኽንያት ድሕሪ እቲ ኣብ 1991 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ክዘስቶቾዋ ዝተኻየደ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝዳለዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተመሊሱ  ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፖላንድ ክራኮቪያ ከተማ ክካየድ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ንክኻይድ ሓደ ዓመት ዝተርፎ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክራኮቪያ ምኽንያት ኣብ ዘምሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ናይ ክራኰቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንገዝእ ርእሱ ናይ መንእሰያት ኢዮቤል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ርይሎኰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ኣብ ክራኰቪያ ኣብ ዝካይድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእስያት ዝሳትፉ መንእሰያት ምሕረት ናይ ሕይወት ራእይን ንናይ እምነትና ኣእማንነትን እሙንነትን ተኣማንነትን መምዘኒ ምዃኑ ከስተንትኑ ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ ካብ ክራኰቪያ እቲ ተስፋን ንሰብን ንምድርን ናይ እግዚኣብሔር መሓሪ ፍቕርን ናብ መላእ ዓለም ክሰፍሕ እዩ። ናይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ማእከል መንፍሳውነት ድማ መለኰታዊ ምሕረትን እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ባሪዀም ዝመረቕዎ ናይ መለኰታዊ ምሕረት ሓዋርያት ቅድስቲ ፋውስታ ክዋልስካን ናይ መለኰታዊ ምሕረት ቅዱስ ሥፍራ እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ።

ዕርቅን ምሕረትን

ናይቲ ናይ ክራኰቪያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ማእከል ዕርቅን ምሕረትን እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቲ ዓለም ለኻዊ መደብ ኣብ ዝካይደሉ ስፍራ በሸሓት ዝቑጸረ ምስጢረ ንስሓ ዝሰርዑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ካህናት ከምዝለአዅን፣ ተሳተፊ መንእሰይ ብቛንቁኡ ኣብ ምስጢረ ንስሓ ክሳተፍ ዝድግፍን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኢዮቤላዊ ጎድኒ ዘቃልሕን ተምሳል ቅዱስ በሪ ክትከልን ዕለት 30 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. በቲ በሪ ዝሓልፍ ጸሎት ዋዜማ ክዓርግን ዕለት 31 ሓምሌ 2016 ዓ.ም. ድማ መደብ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኦ ናይ ምሕረት ሓዊ ትእምርቲ ናይ ፋኑስ ብርሃን ካብ ኢድ ቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ክቕበሉን ተሳተፍቲ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ናይ መለኰታዊ ምሕረት ብቓልን ሕይወትን መሰኻኽር ኩኑ ዝብል ተልእኾ ከመሓላልፉ ምዃኖም ብፁዕ ካርዲናል ርይልኰ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.