2015-07-25 16:33:00

ኡጋንዳ፦ ዓውደ ጉባኤ ሓቅን ፍትሕን ሰላምን ንጎዳና ዕርቂ መሰረት


ናብ ዕርቂ ዝመርሕ ተመክሮ ምልውዋጥን ናይ መጻኢ ውጥን ምሕንጻጽን ተበግሶታትን ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላም ድርገት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ካምፓላ ከምእተኻየደ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ መርበብ ሓብሬታ እንከመልክት፣ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጐ ዕርቅን ሕውነትን ርክብ ኣብ መንጐ ሓቅን ፍትሕን ሰላምን፣ ቅዱስ ቍርባን ኣብ ከይዲ ዕርቂ ዘለዎ መሰረታዊ ኣድላይነትን፣ ሰላም ኣብ ምንቅቓሕ ግደ ዓለማውያን ምእመናንን ዝብሉ ነጥብታት ከምእተዘተየሎም ገሊጹ፣ ቀዳማይ ናይ ዕርቂ ሸቶ ሕንጸት ተቐባልነት ዘለዎ ሰላምን ናብ ውጥረትን ምስሕሓብን ዳግም ንዘይምውዳቕ ቅድመ ምክልኻል ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት መደብ እግዚኣብሔር ሰላም ምሕላን

ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ግጭትን ውጥረት ብዙሓት ብተፈላለየ ኣገባብ ናይ ዕርቂ መሰኻኽር ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም። ምእንቲ’ዚ ከምቲ እግዚኣብሔር ብቃሉን ነቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ኣብ ኣገልግሎት ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተኻየደ ካልኣይ ፍሉዩ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ እቲ ሲኖዶስ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝለገስዎ ናይ ኣፍሪቃ ምብጽዓ እተሰምየ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብምዝካር ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ናይ እግዚኣብሔር መደብ ሰላም ምስትውዓልን ከምዘድሊ እቲ ዓውደ ጉባኤ የተሓሳስብ።

ሓቅን ፍትሕን ኣብ ዕርቂ ንዝግበር ከይዲ መሰረት እያቶም

ዕርቂ ማለት ግብረ ገብን ሓቅን ፍትሕን ንናይ ሕውየትን ከይዲ መሰረት ምዃኖም ንምርግጋጽ ኣብ መንጐ ሰብን ኣብ መንጐ ናይ ሕብረተሰብ ጉጅለታትን ኣብ መንጐ መንግስትን ዜጋታትን ርክብ ምሕናጽ ማለት ምዃኑ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምዘስመረሉን፣ ኣብ መዕጸዊ እቲ ጉባኤ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ባፕቲስታ ካኡታ ተጋባእያን ብመገዲ ዕርቂ ኣቢሎም ጸጋ እግዚኣብሔር ከናድዩ ምዒዶም፣ ዕርቂ ተበዳሊ ንበዳሊ ይቕረ ዝብለሉ ማለት ብምዃኑ ጸጋ እግዚኣብሔር ዘድልዮ ተግባር እዩ። ስለምታይ ሓድነት ሕያብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዓለም ምልክታ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ እዩ ከምዝበሉ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ጐይታ ዕጡቓት ሓይልን ግጭት ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ግደ ቤተ ክርስቲያን

ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ መንግስትን ናይ ጐይታ ዕጡቓት ሓይልን ኣብ ሰሜናዊ ኡጋንዳ ዝካይድ ንልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዘጋታት ዘመዛበለን በሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገን ውግእ፣ ንምውጋድ ዘካየደቶን እተካይዶ ዘላ ሰላምን ዕርቅን ዘነቓቕሕ ኣስተዋጽኦ፣ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኡጋንዳ ሰላምን ሓድነትን ስምምዕን ንምትብባዕ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፎ መንግስትን ተቓዋሚ ሓይልን ዘካይድዎ ውግእ ደው ነኸብሉ ጻውዒት ዘቐረበሉ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት  ዘመሓላለፎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝምስክሮ ምዃኑ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መርበብ ሓበሬታ ዘውጽኦ ዜና ኣፍሊጡ።

ሰላም ብኹሉ ተደጋፊ ክኸውን

ኣብ 2007 ዓ.ም. ናይ ኡጋንዳ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ናይ መላእ ክርስትያን ጠርናፊ ቤት ምኽሪ ኣብ ሰሜን ኡጋንዳ ናብ ሓቅን ፍታሕን ሰላምን ዘተኰረ ዕርቂ ንምርግጋጽ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ሓባር ሰነድ ኣውጺኡ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፣ ድሕሪ እቲ ናይ 2007 ዓ.ም. ጉባኤ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ኡጋንዳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕርቅን ፍትሕን ደገፍ ሰላምን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኡጋንዳ ዝርከባ ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባርን ዝተፈላለያ ናይ ባህሊ ማሕበራትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ናይ መንግስቲ ወከልትን ዝዓደመ ዘነቓቕሔቶ ዓውደ ጉባኤ ዘኪሩ ሎሚ እውን ኣብ ሕንጸት ሰላም ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ተበርክት ከምዘላ ናይ ኡጋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መርበብ ሓብሬታ ዘውጽኦ ዜና የረጋግጽ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.