2015-07-23 16:08:00

ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ


ካብ ትሽዓት ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ዝርከብዎም ልዕሊ 1500 ሕጻናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ጅሃዳዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወሃቦም ከምዘሎ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ የመልክት።

ንጸጥታን ድሕነት ሕይወቶምን ምኽንያት ሾሞም ከይጠቐሰ ዜጋታት ረፓብሊካዊት ኰንጐ  ብዙሓት መንእሰያት ኰንጐ ብገንዘብ እናተታልሉ ናብቲ ጅሃዳዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝወሃበሉ ማእከል ከምዝኣትዉ እንክብሉ ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ቃል ምስክርነት ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ጠቒሱ፣ ኣብ ስሜናዊ ከባቢ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ኣብ ዝርከብ ኣብ ጥቓ ጎቦታት ሩወንዞሪ ጥራሕ ናይ መንግስቲ ናይ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ብዝብል ሽፋን ሰለስተ ናይ ጅሃዳዊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ከምዘሎ ኣብቲ ናይ መሰልጠኒ ማእከል ምስቶም ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ጅሃዳውያንን ክምርዓዋን ንሩካቤ ስጋ መጋበርያ ክዀና ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ደቀ ንስትዮ ከምዝርከባ እውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ዝጠቐሰ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ዘውጽኦ ሰነድ የመልክት።

ካብ ድኽነት ክትላቐቑ ዝብል ናይ ሓሶት ጐስጓስ

ብዙሓት ግዳም ሓደር ሕጻናትን ድኻታት ኣባይቲ ስድራን ካብ ድኽነት ክትላቐቑ ብዝብል ናይ ብዝቐርበሎም ናይ ሓሶት ተስፋ ናብ ጅሃዳዊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ከምዝውሰዱን ናይ ብዙሓታ ምስ ወተሃደራዊ ዕጥቆም እንከለዉ ዘርእይ ናይ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ስእሊ ኣብቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ዘውጽኦ ሰነድ ተነቢሩ ከምዘሎን ብዙሓት ዘኽታማት ትሕቲ ሕድመ ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ካናዳን ክለኣኹ ብዝብል ናይ ሓሶት ቃል ነኽረርቲ ሃይማኖት ምስልም ኣባይቲ ስድራ ከምዝወሃቡ ናይቲ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ናይ ዓለም ለኻዊ ጉዳይ ርክባት ምኽትል ሓላፊ ማሪያ ሎዛኖ እቲ ሰነድ ኣደጊፈን ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢረን።

ምስፋሕ ሃይማኖትን መሳጊድን

ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጎ ሃይማኖት ምስልምናን ሕንጸት መስጊድን እዚዩ ይሰፍሕ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ጥራሕ ብዝሒ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብታ ሃገር ካብ 1 ሚእታዊ ናብ 10 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ካብ 2005 ዓ.ም. ክሳብ 2012 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ኣብ ከባቢ መዲና ጥራሕ ብዝሒ መሳጊድ ካብ 28 ና 44 ክብ ከምዝበለ እቲ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ደገፊ ማሕበር ዘውጽኦ ሰነድ የመልክት።

ናይ ኰንጐ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሻቕሎት

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ብዝሒ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ክብ ይብል ከምዘሎ ናይ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኰንጐ ብፁዕ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንርእሰ ብሔር ጆሰፍ ካቢላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መተሓሳሰቢ መልእኽቲ ብዘይ መልሲ ከምዝተረፈ ሎዛኖ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.