2015-07-23 15:56:00

ቅድስቲ መንበር፦ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድህረ መደብ ልምዓት 2015 ዓ.ም. ሓለዋ ክብሪ ፍጥረት ሰብ


ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ነቲ ናይ ድህረ መደብ ልምዓት 2015 ዓ.ም. ሸቶ ኣነጺሩ ንምሕንጻጽ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘካየደሉ ዕለት 22 ሐምሌ 2015 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ካብ መላእ ዓለም ድኽነት ካብ ሱሩ ንኽመሓው ብፍሉይ ውልቃዊ ረብሓ ትእዛዝ ካብ ዝምራሕ ከይዲ መደብ ልምዓት ዝተፈልየ ራእይ ኣገዳሲ ከምዝኾነንን እቲ ሓድሽ ራእይ ኵላውነት መልክዕ ዘለዎ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብሪ ሓለዋ ዝቖመ ሰብኣውነት ዘማእከለ ክኸውን ከምዘተሓሳሰበት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ መቕድም 21 ክፍለ ዘመን እቲ ድኽነት ንምውጋድ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም እቲ ዝዓበየ ብድሆ መላእ ዘርኢ ሰብ እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ ብቕድስቲ መንበር ተቐባልነት ዘለዎ ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን ዘረባ ዘስምዑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ገሊጾም፣ ዝኾነ ኾይኑ ካብ ምልኪ ሕሱም ድኽነት ንምልቓቕን ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ክሳብ ሓደ’ኳ ተነጺሉ ዘይተርፈሉ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዘጠቓልል ንናይ ብሔራውን ሰብን ብፍላይ ድማ ናይ ድኻታትን ሰንኮፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጠለባት መልሲ ብዘናድይ ራእይ ክምራሕ ኣለዎ ቢሎም፣ በመለኻኽታ ቅድስቲ መንበር እዚ ጻዕሪ’ዚ ብስነ ምግባር ክምራሕ ኣለዎ፣ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፈ ብብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ ዝተመርሔ ጉጅለ ቅድስት መንበር ኣተኵሮኡ ኣብቲ ናይ ድህረ መደብ ልምዓ 2015 ዓ.ም. ውሳኔን ኣብቲ ናይቲ ድህረ መደብ ልምዓት መእተዊ ተነቢሩ ዘሎ መረጋገጺ ገይሩ፣ ኣብቲ ውሳኔ ኰነ ኣብቲ መእተዊ ተነቢሩ ዘሎ መረጋገጺ እቶም ሰለስተ ንተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዓንዲ ዝኾኑ ኤኮኖምን ማሕበራውን ምኅዳርን ብቐጥታ ዘለዎም ምሉእነትን ዘይተነጻጻልነትን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገልጽ ሓሳብ ዝተነብሮ ክኸውን ይግብኦ ከምዝበለ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቶም ሰለስተ ዓንድታት ፈላሊኻን ገማሚዕኻን ምግጣም ጌጋ እዩ፣ ንኣብነት ብዘይ ክንክን ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ወይ ድማ መደብ ልምዓትን ክብሪ ሰብን ናይ ማሕበራዊ ጥቅሚ ግምት ዘይምሃብን ነቲ ሸቶ ድህረ መደብ ልምዓት ዛዕባ ባህርይ ዝጻረር እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ጉጅለ ቅድስት መንበር ነታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሱ ድኽነት ንምውጋድን ነቶም ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ክፍሊ ሕብረተሰብ ግብኡ ክብሮም ዳግም ንምርግጋጽን ተፈጥሮ ንምክንኻን ምሉኣዊ ኣቀራርባ ዝኽተል ውጥን የድሊ ከምዝበለ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ጉጅለ ቅድስቲ መንበር ስነ ምርምርን እደ ጥበብን ክንክንን ህዳሴን ብፍላይ ንድኻታትን ናይ ባሕር በሪ ዘይብለን ሃገራትን ኣብ ምዕባለ ጐዳና ዝርከባ ነኣሽቱ ደሴታትን ኣብ ውጥረትን ድህረ ውጥረትን ንዝርከባ ሃገራትን ዝድግፍ ክኸውን ሓደራ ከምዝበለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.