2015-07-18 16:08:00

ፖርቱጋል 2016 ዓ.ም. ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


ኣብ ፖርጉጋል ካብ ዕለት 10 ሰነ ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ከተማ ፋቲማ ነቲ ዕለት 8 ታሕሳስ ዝጅመር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ምኽንያት ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔር ኣማእኪሉን ከምኡ እውን ነቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝበዓል ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ግልጸት ማርያም ዘፋጢማ  ኣማእኪሉ ክካየድ ምዃኑ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብግብረ ሰናይ ዝተሰነየ ብሔራዊ ዓመታዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን

እቲ ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምስ ቅዱስ ስፍራ ዘፋጢማን ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ዝከታተል ድርገት ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ ፖርቱጋል ዝካይድ ብሔራዊ ዓመታዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ልገሳ ደም ዝብል ናይ ግብረ ሰናይ ጎስጓስ ዘነቓቕሕ ከምዝኸውን ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ኣባል ኣባ ማኑኤል ሞሩዣው ዝሃብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ልገሳ ደም ሰብኣውን ክርስቲያናውን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ድሕነትና ዝፈጸሞ ተግባር ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ።

ብፁዕ ኣቡነ ማሪኒን ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ

ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዝካየድ ብሔራዊ ጉባኤ ቁዱስ ቁርባን ጳጳሳዊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ኮሚቴ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፒየሮ ማሪኒ ቅዱስ ቁርባን ምንጪ ክርስቲያናዊ ሕይወት ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመርኵይዞምን ናይ ውፉይን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ድማ ምሕረት ኣብ ተልእኮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ናይ ፖርቱጋል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝተቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.