2015-07-18 16:13:00

መንእሰይ ጸረ ኣደንዛዚ እጽዋት ክቐውም ክድገፍ


ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ መንእሰይ ኣብ ግብረ ጸረ ኣደንዛዚ እጽዋት ክተግህን ጽግዕተይና ጸረ ኣደንዛዚ እውጽዋት ክዋጋእን ካብ ምጥቃም ኣደንዛዚ እጽዋት ናጻ ክወጽእ ዝምዕድን ምንጪን መገዲ ሓጐስ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝብል ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ ኣብቲ መልእኽቲ ኣደንዛዚ እጽዋት ምጥቓም እቲ ዝኸፍኤን ዘስካሕክሕን ሓደገይና መግዛእቲ ከምዝዀነን እቲ በርአያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ሓጐሱ ኣብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ከይሰልከየት ብምሕናጽ ግዙእ ኣደንዛዚ እጽዋት ባርነት፣ እግዚኣብሔር ድማ ናጽነትን ትርጉም ሕይወትን ምዃኑ ሓናጺ ሓሳብ ዘማእከለለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ብሉጽ ኣማራጺ ሕይወት መስካሪት

መንእሰይ ወልዶ ኣብ ጽምዋን ኣብ ተስፋ ቍርጸትን ኣብቲ ኣዕናዊ ልማድ ምጥቃም ኣደዛዚ እጽዋት ከይወድቕ ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ኰይና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝቖመ ኣብ ጸረ ኣደንዛዚ እጽዋት ተግባር ዝሓንጽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከተቕርብ ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ ኣብ ዝውጽእዎ ሓዋርያዊ መልእክቲ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣደንዛዚ እጽዋት ዝጥቀም መንእሰይ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ካልእ ልዑል ኣማራጺ ከቕርብ ንዘይምኽኣሉ ምልክት እዩ። ናይ ሕብረሰብ ፍሽለት እውን እዩ፣ ስለዚህ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ናይቲ ብልጹ ኣብ እግዚኣብሔር ዘመእከለ ሕይወት መሰኻኽር ኰይኖም ሓቀናይ ትርጉም ሕይወት ብቓልን ሕይወትን ከቃልሑ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ምስ መእንሰይ ምዝታይ

ቤተ ክርስቲያንን ልኡካነ ወንጌልን ንመንእሰይ ቀረባ ክኾኑን ምስኡ ክዝትዩን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ብምልጋስ ኩነታት መንእሰይ ብምልላይ ክመርሑን ኣብዚ መዳይ ድማ ዓለማዊ ምእመን ክሳተፍን ዝተቐበልካዩ ሕጉስ ክርስቲያናዊ ሕይወት ምምስካር እቲ ዝዓበየ ሓጎስ ምዃኑ ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከምዘስመርሉ ዝሓበረ ኤሽያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦

ቃልሲ ንግድ ኣደንዛዚ እጽዋት ሓላፍነት ሕዝብን ሓይሊ ጸጥታን

ኣብ ፊሊፒንስ ብናይ ገበን ጉጅለታት ዝምራሕ ንግድ ኣደንዛዚ እጽዋት ንምጥፋእን ተሓተትቲ ናይ ገበን ጉጅለታት ብምክትታል ግብኡ ፍርዶም ክረኽቡን ኣብ ሰናይ ተግባር ምሕናጽ ሕዝብን ሓይሊ ጸጥታን ሓላፍነት ከምዘለዎም ብፁዓን ጳጳስት ፊሊፒንስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእክቲ ከምዘመልከቱን፦

ሕዝቢ ኣብ ቀዲምካ ምጥንቃቕ ሓላፍነት ክሕነጽ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ኣደንዛዚ እጽዋት ተጠቓሚ መንእሰይ ካብቲ ዝወደቖ ጸያፍ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክወጽእ ጥራሕ ዘይኵነስ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ቀዲምካ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ክትሓንጽን ኣብዚ መዳይ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ክዋስኡ ከምዘተሓሳሰቡ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.