2015-07-14 16:43:00

ኰሎምቢያ፦ ታሪኻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ


ዕለት 12 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኩባ ብናይ ኵባ መንግስቲ ጻዕሪ ሽምግልና ኣብ መንጐ ናይ ኰሎምቢያ መንግስትን ናይ ኰሎምቢያ ማእከላዊ መንግስቲ ዝቃወም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ፋርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓይሊ ታሪኻዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ዘጠቓልል ናይ ሰላም ስምምዕ ከምእተፈረመ ተሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስነ ዓለም ሓቆፍ መጽናዕቲ ተቛም ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ኣንድረያ ማርገለቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ እቲ ኣብ ሓምሳታት ዓመተ ምሕረት ዝተባርዔ ብ80 ሚእታዊ ንጹሓን ዜጋታት ዝሽፈን ብጠቕላላ ንልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ሞት ምኽንያታን ንሸውዓተ ሚሊዮን ዝግመቱ ድማ ንዝተፈላለዩ ሓደጋ ዘቃልዔ ኣብ ኰሎምቢያ ዝካይድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ደው ንምባል ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ታሪኻዊ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድማ ብሓቂ መንግስቲ ብፍላይ ድማ ዕጡቓት ሓይሊ ዓቢይ ጻዕሪ ከካይዱን ውግእ ዝወልዶ ስልጣን ነቲ ሰላም ደላይ ይጐድእ። ደላይ ሰላም ግና ስለ ዅሉ ደው ይብል። ስለዚ እዚ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ብናይ ሰላም መንፈስ ክምራሕ ይግባእ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.