2015-07-14 16:39:00

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ


ናይ ኣንጐላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ብሔራዊ ዕርቂ ንምንቕቓሕ ቤታዊ ዓመጽ ምውጋድ ነቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝኽፈት ፍሉይ ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ምትኳር ኣገዳሲ እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘዳለዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ዝተፈላለዩ ክትግበሩ ዝግብኦም ለበዋታት ብምቕራብ ከምእተዛዘመ ናይ ኣንጐላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣፍልጦን ዕሙቕ ግንዛቤ ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዝምልከቱ ርእሰ ጉዳይ

እቲ ካብ መላእ ሰበኻታት ኣንጐላ ዝተዋጽኡ ልኡኻት ዘሳተፈ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ዝምልከቱ መደባትን ዕላማታትን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም በደል መቆጻጻሪ ብሔራውን ዓለም ለኻውን ናይ መቕጽዒ ሕግታት ኣብ ኣንጐላ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሚዩቕ ኣፍልጦ ክህልዋን ብምትሕሳስብ እዚ ኣፍልጦ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ እግዚኣብሔር በርአያኡን ኣምሳሉን ዝፈጠሮ ሰብ ዝሓደረ ሓላፍነት ምዃኑን ነቲ ናይ ተፈጥሮ ተንክባኻብን ዓቃብን ዝብል ጸዋዕታኡ ዘዘኻኽር እውን እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመረሉ ዝሓበረ ናይ ኣንጐላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣስዒቡ፣ ክንክን ሕይወት ናይ ኩሉ ሓላፍነትን ጸዋዕታን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቤታዊ ዓመጽ ኣይፋል። ናይ ምሕረት ዓመት ንብሔራዊ ዕሪቂ መሰረት

እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ፍጻሜ ሰነዱ ቤታዊ ዓመጽ ክውገድ ጻውዒት ብምቕራብ ቤታዊ ዓመጽ ዝመልከት ናይ መቕጽዒ ሕጊ ብኽሉ ተፈላጥነት ክረክብን ናይ ቤታዊ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ዜጋታት ካብቲ ዘጓነፎን ዓመጽን ዘሕደረሎም ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክናገፈፉን ጉዳዮም መፍትሒ ክረክብን ብቤታዊ ዓመጽ ዝኽሰሱ ዜጋታት ብናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ምኽባር ናይ ሕይወት ባህሊ ክህነጹን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣኽብሮት ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ከስተውዕሉ ዝድግፎም ሕንጸት ክወሃብ ጻውዒት ብምቕራብ ኣብ ኣንጐላ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ሎሚ ከም ቀደም ዓቢይ ኣበርክቶ ከምእተህብ ከምእተመልከተ ናይ ኣንጐላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝጅመር ናይ ምሕረት ዓመት ኢዮቤል ንእሱራትን ዝተነጸሉን ስደተይናታትን ስንኩፍ ክፍሊ ሕብረተሰብን ዘማእከለን ስሌኦም ብዘተኰረ ተግባር መሰረት ብሔራዊ ዕርቂ ክሕደስ ከምዘተሓሳሰብ ሓቢሩ።

ምእንቲ ጉድእን ኣብ ጸገም ዝርከብን ክፍሊ ሕብረተሰብን ምትጋህ

ናይ ዝተፈላለየ ዓመጽ ኣደዳ ክፍሊ ሕብረተሰብ ግብኡ ፍትሒ ክረክብ መታን ጉዳዩ ዝምልከት ቤት ፍርዲ ኣብ ዘካይዶ ገበን ምጽራይ ዝተሓባበርዎምን ሕጋዊ ኣገልግሎት ዘወፍይሎም ጠበቓታት ምንቕቓሕን ኣብዚ መዳይ ደገፍ ክረኽቡ መታን ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጻዕሪ ክመእተክይድ እቲ ጉባኤ ከምዘረጋገጸ ናይ ኣንጐላ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.