2015-07-14 16:35:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ንህያውነት ቁምስናታት ልቢ ንኽርስቶስ ምኽፋት


ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕለት 11 ሓምለ 2015 ዓ.ም. ካብ 22 ሰበኻታት ዝተዋጽኡ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝዓዩ ልዕሊ ትሽዓተ ሚእቲ ልኡካን ዘሳተፈ ቃል ብሥራት 2015 ዓ.ም. ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ናብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ብሔራዊ ጉባኤ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነበሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መርሃ ግብሪ ዘስተንትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ልቢ ምእመን ምስ ኢየሱስ ምራኻብ ዝጽግው ፍቕርን ሓጎስን ዳግም ዝኹልዕ ክኸውን ከምእተመነዩን እንክምልከት፦

መደብ ንዝለዓለ ሓናጺ ኣስፍሆተ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ከምዝገለጽዎ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ወንጌል ሓጎስ ዘተባብዕ መደብ ወንጌላዊ ልኡክነት ዘተባብዕ ክኸውንን ኩሎም ተጋባእያን መላእ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ቅዱሳት ሥፍራታትን ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ዳግም ንኸተባብዑ ብተራኦም ንኽርስቶስ ዝተኸፈ ልቢ ክህልዎምን ልባቶም ንኽርስቶስ ክኸፍቱ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዊ መልእኽቲ ፍቕዲ 28 ጠቒሶም ከምዘተሓሳሰቡን ንተጋብእያን መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ብምርግጋጽ ንእኖ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዘማዕቖብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣስፍሆተ ወንጌል

ናይ ኢንግልጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስ ክርስቶስ ዘራኽብን ነቶም ቃሉ ዘሰምዑ ክነሶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ንዘለዉ ዳግም ናብ ቤተ ክርስትያን ክምለሱ ዘተባብዕ ምስ ክርስቶስ ዘራኽብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ መላእ ቁምስናታት መታን ክነቓቓሕ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ልኡካነ ወንጌልን ምስ ክርስቶስ ዝተራኸቡን ክፉት ልቢ ዘለዎምን ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘቕርቡ ምዃን ግድን እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ህንጡይ ግዳሴ ንመጋበርያ ኣፍሆተ ወንጌል ባይታ እዩ

ህንጡይ ግዳሴ መንፈስ ቅዱስ ምኽርታቱ ዘንብረሉ ባይታ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ህንጡይነት ወንጌልን እምነትን ኣብ ሕቶ ዘእትው እውን እንተዀነ ከፍርሓና የብሉን፣ እምነት ንምክልኻል ቢልካ ካብ ህንጡይነት ምርሓቅ ዓቢይ ጌጋ እዩ፣ እምነትና ኣብ ሕቶ እውም ንዘእትው ቀረባ ኰይና ናይ እምነት ምኽንያትን ርትዓውነትን ብቓልን ሕይወትን ክንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና። ናይ እምነት ምኽንያት ኣብ ኣምሮናን ልባትናን ዝሓደረ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስሉጥነት ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ጸሎትን ኣብ ጸሎትን እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ኒኮላስ ኣብ ዘስምዎ ዘረባ ቀጺሎም እቲ ኣብ ከባቢናን ኣብ ዓለምን ዝረአይ ኣዋያት ሕዙናትን ድኻታትን ትሑታትን ዝተናዕቁን ዝሰምዕ ሰብኣዊ ልቢ ንኣስፍሆተ ወንጌል መሰረት እዩ። እቲ ስቓይን ኣውያትን ድኽነትን ጸሎት ገርካ ምቕራብ ጥራሕ ዘይኰነ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ዝሓበረ ናብ እግዚኣብሔር ዝዓርግ ጸሎት ምዃኑ ተኣሚንካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጸሎት ገርካ ምዕራግ። እዚ ጸሎት’ዚ ድማ ኣስፍሆተ ወንጌል ስሉጥ ይገብር ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይ ምሕረት ዓመት

ኣብቲ እምነት ኣይፋል ዝብል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ስሉጥ መታን ክኸውን ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ምእመንን ልኡካነ ወንጌልን ወሳኒ እዩ። ሎሚ እውን ምሉእ ምስክርነት ዝህቡ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከምዘለዉ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሓበረን ንስሉጥነት ኣስፍሆተ ወንጌል እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ዝኽፈት ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ብምልኣት ንምንባር ሰበኻታትን ቁምስናታትን ምእመናንን ክሰናደዉን ኣብ ዓመት ምሕረት ዘተኰሩ መደባት ብመራኸቢ ብዙሃን እውን ክቐርብ ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእተሰመረሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.