2015-07-11 16:55:00

ኣባ ሎምባርዲ፦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዓውሎማዊ ሕዝቢ ጸገማት ይገጥሙ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሳንታ ክሩስ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ሕዝባዊ ምንቅስቓሳት ተረኺቦም፦ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ ኤኮኖሚ ክቕየርን ብዓውሎማዊ ምሕዝነት ክትካእ ዘተሓሳስብ ዝለገስዎ ምዕዳን ኣማእኪሎም ንቕዱስ ኣቦና ኣብ መንገሻኦም ካብ ዘሰንይዎም ዘለዉ ሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፣ ቅዱስ ኣቦና ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓውሎማዊ ዓለም ብድሆታት ዝትንትንን ማሕበራውን ሰብኣውን ምልዋጥ ከምዘድሊ ዘተሓሳብ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሕብርዎ ምልዋጥ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሎና ርክብ እውን ዝምልከትን ነቶም ናይ ድኻታትን ኣብ ዝተፈላለየ ሽግር ኣብ ዝርከቡ ሕዝብታት ዝነብሩ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእሶም ክሕድሱን ናይቲ ዘድሊ ሰብኣውን ማሕበራውን ለውጢ ቀዳሞት ተዋሰእቲ ክኾኑ ዝዕድም ከምዝኾነ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዝኽተሎ ኣብ ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብ ዝተመስረተ ኣገባብ ምኽንያት ኢፍትሓውነት ኢማዕርነትን ጸረ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምዝዀነን ከይዲ ዓለም ካብዚ ዓይነት ንዝተፈላለዩ ሓደጋ ዘቓልዕ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ኣገባብ ክውገድ ዝምዕድ እዩ። ስለዚ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ውድባት ከከም ዝደልይዎ ንናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ርእየተ ዓለም ድጋፍ ገይሮም ዘቕርብዎ ዘለዉ ሓሳብ ምስቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምዕዳን ምንም ዓይነት ርክብ የብሉን፣ ካብቲ ናይ ቅዱስነቶም ምዕዳን ንናይ ገዛእ ርእስካ መጥሓን እምኒ ንምዝሓል ከከም ድላይካ ምይ ምጭንጓዕ ጌጋ እዩ። ናይቲ መልእኽቶም ሓፈሻውን ምልኡን ሓሳብ ምስትውዓል የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። ም ሓፈሻውን ምልኡን ሓሳብ ምስትውዓል የድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.