2015-07-11 16:46:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ውፉያን ናይ ርእየት ዓለም ዘይኮነስ ናይ ምሕረት እግዚኣብሔር መሰኻኽር እያቶም


ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሕዝቢ ስቓይ ተኻፋሊ ንኽንከውን ዝድርኾ ምሕረት እግዚኣብሔር መስካሪ ደኣ እምበር መሰካሪ ርእየት ዓለም ማለት ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝስዕብ ኣይኰነን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን ኣብ ርእሰ ከተማ ቦሊቪያ ሳንታ ክሩስ ኣባላት ማሕበራት ውፉይ ሕይወትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ተቐቢሎም ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ምስክርነት ውፉያን ሕይወት

ቅዱስ ኣቦና ምስ ውፉያን ነዘካየድዎ ርክብ ናይ ቦሊቪያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ውፉያን ሕይወት ሓልዮ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሮበርቶ ቦርዲ ማሕበር ኣባላት ውፉያን ሕይወት ወንጌል ከበስሩ ዝተጸውዑ ምዃኖምን ገዛእ ርእሶም ብእግዚኣብሔር ክልወጥ ዝፈቅድ ጥራሕ ወንጌላዊ ሕይወት ክነብርን ወንጌል ከስፍሕን ዝኽእል ምዃኑን እቲ እምነት ዝንጽል ባህልን ናይ ስድራ ቤት ቅልውላውን ምግባረ ብልሽውናን ምስፋሕ ኣደንዛዚ እጽዋትን ድኽነትን ፖለቲካውን ፖሊቲካዊ ስነ ሓሳብ ምስሕሓብን ኣብ ቦሊቪያ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ነተካይዶ ወንጌላዊ ተልእኮ ዓቢይ ብድሆ ከምዝኾነ ዘቃልሕ ድሕሪ ዘቕረብዎ ዘረባን ከምኡ እውን ሓደ ተመሃራይ ዘርአ ክህነት ብምስክርነት እምነት ኣዲኡ ብዛዕባ ዝተቐበሎ ጸጋ ጸዋዕታ ዘማእከለ ድሕሪ ዘቕርቦ ዘረባ ምንባሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ገሊጾም፦ 

ኣብ ቅድሚ ስቓይ ድኻታት ሸለልተይናነት ዝነብር ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ዓይነ ስውር በርጠለመዎስ እቲ ብጥቓኡ ዝሓልፍ ዝነበረ ኢየሱስ ዘነበሮ ልባዊ ምስትውዓል ዘማእከለ ኣስተንትኖ ምንባሩ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም፣ ንኢየሱስ ዝስዕቡ ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ስቓይ ሸለልተይናነት ዝነብሩን በቲ ስቓይ ዘይትንከፉን ኢፍትሃውነት ዝተላመደ ሕይወት ዝነብሩን በቲ ናይቲ ድኻ ስቓይን ዘይትንከፍ ናይ ምልዋጥ ተኽልእሎ ዘይብሉ ካልኣይ ድማ ብዙሓት ንኢየሱስ ዝስዕቡ ኰይኑ ግና በቲ ናይ ሓው ስቓይ ዘይትንከፉን ሓንካስ መንፈሳውነት ዝነብሩ፣ ጊዚያውነት ዝነብር ክርስቲያን ኣሎ።

ክርስትና ናይ ልዑል መንነት ሕቶ ዝብሉ

ንኣውያት በርጠለመዎስ ክዓብስ ዝደሊ ክርስትያን፣ ጳጳሳት ካህናት ደናግል እቲ ኣውያት ክዓብስ ዝደልይ፣ ኣፍ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክዓብስ ዝፍትን፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ብቕዓት ገይሮም ዝሓስቡን ንውሑዳትን ቁሩባትን እዩ ቢሎም ዝኣምኑን፣ ንጹል ሕሊና ዝነብሩ፣ መንነት ክርስትና ናይ ልዕልና ሕቶ ገይሮም ዝሓስቡ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር እምነት ዘነኣእሱ ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ ጓሶት ዘይኰኑስ ዓለማዊ ማዕርግ ዝነብሩ እያቶም፣ እዚ ዓይነት ጠባይ’ዚ ካብ ስቓይን እውያትን ሕዝቦም ክርሕቑ ገይርዎም እዩ። እቲ ምዃን ሕዝቢ ኰይንካ ምንባር መሰረት ዘለዎ እውነተይና ሓጐስ ዘይነብሩ እያቶም።

ናይ ሕዝቢ ስቓይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምግባር ዘይምፍራሕ

ኢየሱስ ዝገበሮ ዝገብሩን ኣብ ቅድሚ ስቓይን መከራን ኣውያትን ሰብ ደው ቢሎም ዝሓብሩን ንምድጋፉ ዝጽመዱ ኣለዉ፣ ስቕ በል ዘይኰነስ እንታይ ክገብረልካ ተደልይ ዝብሉን፣ መለኮታዊ ምክፋል ብምንባር ናይ ካልእ ስቓይ ተኻፊሎም ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም፣ እዚ ናይ ፍቕሪ ርትዓውነት እዩ። ኣብ ፍርሒ ዘይኰነስ ካብ ፍቕሪ ኣብ ዝምንጭው ነጻነት ዝቖመን ንኻልእ ሰናይ ምንባር ዘቐድምን ስለ ካልእ ኣብ ዝሓስብ ፍቕሪ ዝምስረት እዩ። ናይ ካልእ ስቓይ ተኻፊልካ ምንባር ጸሎት እዩ።

ናይ ኢየሱስ ምሕረት ድኣ እምበር ናይ ርእየት ዓለም መሰኻኽር ኣይኰናን

ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ምዕዳን እንከጠቓልሉ፦ ጽዉዓት ውፉያን ሕይወትን ክርስትያንን ናይ ሓደ ርእየት ዓለምን ቲዮሎጊያዉ ትእዛዝ ኣቕረብቲ ዘይኰኑስ ናይቲ ዘድሕንን ዝምሕርን ፍቕሪ ኢየሱስ መሰኻኽር እያቶም፣ ፍሉያትን ዝበለጹን ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ናይቲ ዝለወጠና ምሕረት ሕጉሳት መሰኻኽር ስለ ዝዀንና እዩ። መሰኻኽር ንምዃን ዘብቅዓና እቲ ዝለወጠና ምሕረት እዩ ክከዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.