2015-07-11 19:59:00

ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ፓራጓይ


ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሀገራት ላቲን አመሪካ ይቅጽል አሎ። አብ ኤኳዶርን ቦሊቭያን ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ብተመሳሳሊ አብ ፓራጓይ ሐዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ አለዉ። ትማሊ ካብ ሳንታ ክሩዝ  ቦሊቭያ ነቂሎም  ድሕሪ ቀትሪ ብናይ ፓራጓይ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሰለሰተ ርእሰ ከተማ አሱንስዮን አትዮም። ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ አሱስንስዮን ምስ አተዉ ናይ ፓራጓይ ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ላዕሎዎት ሰበስልጣናት ብምዉቅ አገባብ ተቀቢሎሞም። ናይ ቅድስቲ መንበርን ፓራጓይን ሀገራዊ መዝሙር ምስተሰምዔ  መራሕ መንግስቲ ፓራጓይ ፕረሲዳንት  ሆራስዮ ማኑኤል ካርተስ ጃራ  ናይ እንቃዕ  ድሐን መጻእኩም ቃል አስሚዖም። ሕጻናት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሕቁፊ ዕምባባ አረኪቦም።

ፓፓ ፍራንቸስኮ ንዝተገብረሎም ሕውነታዊ አቀባብላ አምስጊኖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትፍራንቸስኮን ፕረሲደንት ሆራስዮ ማኑኤል ካርተስ ጃራን ንሐጺር ግዜ አብ አዳራሽ ፕሮቶኮል ሐሳብ ነሓስብ ተለዋዊጦም። ካብ መዕረፍ ነፈርቲ አሱንስዮን ንቤተ ሊቀ ጳጳሳት አሱንስዮን ተጋዒዞም ድሕር ሐጺር ዕረፍቲ ንቤተ መንግስቲ ፓራጓይ ብምኻድ ናይ ክብሪ ምብጻሕ ጌሮም። መራሕ መንግስቲ ፓራጓይን ናይ መንግስቲ ላዕሎዎት ሰበ ስልጣናትን ንፓፓ ፍራንቸስኮ ብምዉቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፕረሲደንትን ንሕጺር ግዜ ብብሕቲ ምስተዘራረቡ ፕረሲዳንት ሆራስዮ ካርተስ ጃራ ንሰበ ስልጣናት መንግስትን ስድርኦምን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አውፋሊጦሞም። ንሶም ክአ ምስቶም ዘሰነይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ብጹዕን ካርዲናላትን ጳጳሳትን አፋሊጦሞም።

ገጸ በረከት ምስተ ለዋወጡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎፐጽ ዝተባህለ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ አምሪሖም ምስ ናይ ከቢነት አባላት ሀገራዊ ቤት ምኽሪ ምስ ሐለፍቲ ወኪላት አካላት ቤት ፍርድን ዲፕሎሎማሰኛት ተራኺቦም። መራሕ መንግስቲ ፓራጓይ ፕረሲዳንት ሆራስዮ ካርተስ ጃራ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንዘሰነይዎም ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ብስሞምን ብስም ህዝቢ ፓራጓይን ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም።  ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንዝተግበረሎም ሰናይ አቀባብላ አመስጊኖም ነቶም አብ ሎፕጽ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ዝተረኽቡ ሰበ ስልጣናት አብ ዘስምዕዎ ቃል ፕረሲደንት ሕውነትን ፍቅርን ንዝሐዘለ ዘስማዕክምዎ ቃል የመስግነኩም፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይ ዲፖሎማሲ ሰባት ክቡራትን ክቡራንን፡ በዚ አጋጣም’ዚ ነቶም ነዚ ሐዋርያዊ መገሻ’ዚ ንዘደለዉ ሰባት ከምስግስግኖም ይፈቱ። ፓራጓይ ልቢ አመሪካ ተባሂላ ከም ትሰመ ጠቂሶም ክአ እዚ ግን ብመልክዓ መሬት ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝባ ተቀባሊን መክበርን ጋሻ ምቅሉሉን ስለ ዝኾነ ኢዩ። ፓራጓይ ድሕሪ ነጻነታ ክሳዕ ዝሐለፈ ርሑቅ ዘይኮነ ግዜ ብግጭት ሕድሕድ ብስእነት ሐርነትን ግህሰት ሰብአዊ መሰል ሰብን ተኸስቱ”ሉ ዝነበረ ክፉእ ግዜ ከም ዘሕለፈት ታሪኽ ይነግረና ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ገሊጾም።

ህዝቢ ፓራጓይ ነዚ ኹሉ ጽንክር ግዜ ሐሊፉ ሰላማዊትን ናብ ኩሉ መዳያዊ ዘድሀበት ሀገር ከረጋግጽ ምኽአሉ ዓቢ ጸጋ ኢዩ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሐደ ታሪኹ ባህሉ መበቆሉን ዝርስዕ ህዝቢ ተስፋ ዘይብሉ ህዝቢ ከም ዝኾነ ጠቂሶም ህዝቢ ፓራጓይ ዘርአዮ ንዳግማይ ትንሳኤ ጻዕሪ ዝምጐስ ከም ዝኾነ አገንዚቦም። ግጭት ዝብሀል እንደገና ክኽስት ከም ዘይብሉ አህዛብ ብሐባር ንህንጸተ ሰለም ክሰርሑን ከተሐባበሩን ተማሕጺኖም ክአ ግጭት ጥፍአት ሒወት ሰብን ብርሰት ንብረትን ዘኸትል እኩይ ትግባር ከም ዝኾነ አተሐሳሲቦም። አብዚ ግዜ’ዚ ፓራጓይ አብ መስርሕ ዲሞክራሲ ከም ትርከብ ጠቂሶም ክአ ምስ ኩለን ሀገራት ላቲን አመሪካ ብምትሕብባር ነዚ ዲሞክራስያዊ መስርሕ’ዚ ከተረጋግጽ ህዝባ ብሰላምን ቅሳነትን ክነብር እተካይዶ ጻዕሪ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ይተሐወሶ እግዚአብሔር ንፓራጓይ ይባርክ ቃል ፓፓ ፍራንቸስኮ።

ድሕሪ ፍጻሜ ምብጻሕ ቤተ መንግስቲ አሱንስዮን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሕዳሮም ንቤተ ሊቃነ ጳጳሳት ተመሊሶም እዚ ናይ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10 ሐምለ ውዕልኦም ኢዩ። ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ አብ ፓራጓይ ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብምቅጻል ሎሚ ንግሆ በቲ ናይታ ሀገር ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ንግሆ አብ ሮም ልክዕ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት አሱንስዮን ናብቲ ኒኞስ ደ አኮስታ ኙ ዝተባህለ ዓቢ ሐፈሻዊ ሆስፒታል ቤተ ሕክምና ተጓዒዞም።

ናይ ኚኞስ ደ አኮስታ ኙ ቤተ ሕክምና ዳይረክተር ሐካይምን አለይቲ ሕሙማትን አብቲ ቤት ሕክምና ተዓቂቦም ዘለው ሕሙማትን ብሐጎስን ዕልልታን ተቀቢሎምዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ሐፈሳዊ ቤተ ሕክምና አብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ብሐጎስን ብዕልልታን ስለ ዝተቀበልኩምኒ ብልበይ የመግነኩም እግዚአብሔር ይሀበለይ ምስ በሉ ነቶም አብቲ ቤተ ሕክምና ተዓቂቦም ዘለዉ ዝሐመሙ ዘለዉ ሕጻናት ንወዲ አዳም ካብ ሐጢአቱ አናጊፉ ዘድሐነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሕጻናት ፍሉይ ርክብ ከም ዝነበሮን ሕጻናት አብ ጥቅኡ ከይቀርቡ ብዓበይቲ ክኽልከሉ ክለዉ ይሕዝንን ይቆጣዕን ከም ዝነበሪ ንቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ጠቂሶም አመልኪቶም። ሐካይምን አለይቲ ሕሙማትን ንሕሙማት ሕጻናት ክከናኸኑ ክአ ተላብዮም።

ነቶም አብቲ ቤተ ሕክምና ተዓቂቦም ዘለዉ ዓበይትን ናእሽቱን ምሕረት ከውርደሎም ተመንዮም ምስአቶም ሥርዓተ ጸሎት ደጊሞም ክአ ተፋንዮምዎም። ካብ ቤተ ሕክምና ኒኞስ ደ አኮስታ ኙ ናብቲ ካብቲ ቤተ ሕክምና አርብዓ ኪሎ ሜትር ርሒቁ ዝርከብ ገዳመ ካኩፐ ተጓዒዞም፡ አብቲ ገዳም ክጽበይዎ ዝጸንሑ በሽሐት ዝቁጸሩ ምእመናን ብጠቃዒትን መንፈሳዊ መዝሙርን ተቀቢሎሞም፡ ናይቲ ገዳም ጳጳስ ብጹዕ አቡነ ካታሊኖ ችላውድዮ መዲና ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ቃል አስሚዖም።

ቁስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብቲ ገዳም ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም። አብዚ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “አብ እግሪ ገባሪት ተአማራት እኖና ድንግል ማርያም ምሳኻትኩ አብ ካኩፐ እርከብ አሎኹ፣ አብዚ መካነ ንግደትዚ እንክራኸብ አኅዋት ከምዝኾና ብምርግጋጽ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ንራኸብ፣ እዚ ቦታዚ ናይ በዓልን ምርኻብን ስድራቤትን ቦታ እዩ፣ አብዚ ንክንመጽእ ዘገድዱና ካብቶም ጸጋ ክንረኽበሎም እንሓቶም ግድላት ክሳብ እንመስግነሎም ጸጋታትን ምሕረት ሓቲትና ከምብሓዲሽ ጕዕዞ ንምጅማርን ኢዩ፣ አብዚ እግሪ መንበረ ታቦት እኖና እግዚእትነ ማርያም ክንደይ ሥር ዓተ ምሥጢረ ጥምቀት ክንደይ ጸዋዕታት ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ክንደይ ሕጸን መር ዓን ዘይተገብሩ! ክንደይ ንብ ዓብትከ ዘይፈሰሰ! ወትሩ ምስ ሕይወትናን ኩነታትናን ንመጽ እ ምኽንያቱ እዚ ገዛና እዩ እቲ ዝበለጸ ከአ አብ ገዛኻ ትጽበየካ አደ ከምዘላ ምፍላጥ ክንደይ ጥ ዑም እዩ፣ ከም ወትሩ ሎሚውን አብዚ ዘምጽአና ቀንዲ ምኽንያት ንታሕጓስ ወንጌል ከምዝግባእ ንምባር ሓዲስ ሓይሊ ንምርካብ እዩ፣ እዚ መካነ ንግደትዚ አካል ናይ ሕዝቢ ፓራግዋይ ምዃኑ ከመይ ቢልካ ክዝንጋዕ ይከአል? ስለዝኾነ ኸአ ሕዝቢ ፓራግዋይ “ኦ ንጽሕቲ ድንግል ሕዝቢ ፓራግዋይ ፍቅሩን እምነቱን አብ ገነት ካኩፐ ይገልጽ አሎ” እንክብሉ ይዝምሩ፣ ሎሚ ከአ ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ንእኖና ድንግል ማርያም እምነትናን ፍቅርና ንምግላጽ ኢና አብዚ ተጋቢእና ዘሎና፣ አብ ዝሰማዕናዮ ቃለ ወንጌል “ተሓጐሲ ጸጋ ዝመልአኪ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ” ዝብል ቃል ብሥራት ናይ መልአኽ አሎ፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ግን ክትርድ ኦ አጸገማ፣ ካብ እግዚአብሔር ምዃኑ ምስ ፈለጠት ግን እሺ በለት፣ እሺ ንመደብ አምላኽ እሺ ንፍቃድ አምላኽ! ኮይኑ ግን ነዚ እሺ ምባልዚ ዝ ስ ዕቦ መስቀል ከምዘሎ ቅዱስ ስም ዖን ይገልጾ “ነአኺ ከአ ንልብኺ ዝጨድድ ሰይፊ ክመጸኪ ኢዩ” (ሉቃ 2፡35) ይብላ በዚ ከአ ነፍቅራ፣ ኢየሱስ ክወለድ ከሎ ን አ ኡ ዝኸውን ቦታ አይነበረን፣ ዝተረኸበ እንኮ ቦታ በዓቲ ኢዩ፣ ዝሰዓበ ህድማ ንግብጺ ኢዩ፣ ክንደይ ጸገምን አደራዕን ከምዘለዎ ምግማቱ አየጸግምን፣ ካባኡ ዝገደደ ከአ አብ መስቀል እንኮ ወድኻ ክመውት ምርአይ፤”  ድሕሪ ፍጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ምስ ቤርጌሳዊ ወክሊት ማሕበረ ሰብ ክራኸቡ ንስታድዩም ለኦን ኮንዱ ሳን ኾሰ ዘ አሱንስዮን ተጓዒዞም። 

ናይ ፓራጓይ ተኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበር ብጹዕ አቡነ አዳልበርቶ ማርቲነጽ ፍሎረስ አብኡ ተረኺቦም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር ጌሮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ዘስምዕዎ ዘረባ አብ ሞንጎ ወኪላት ማሕበ ሰብ ክርከብ ጥልቂ ሐጎስ ይስምዓኒ ክብብራትን ክቡራንን እንቋዕ ድሐን ጸናሕኩም ንዝገበርኩምለይ  ምቅሉልን ሕውነታውን አቀባብላ የመስግመኩም  ዝበሉ  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  አብ ፍትውቲ ፓራጓይ ሐዋርያዊ  ምብጻሕ  ክገብር  ሐጎስ ይስምዓኒ፡  ንዝተፈላለየ  ደረጃታት  ዘለዎ  ማሕበረ ሰብ  ዝወከልኩም ግን ክአ ኩሉኹም በሐባር ፓራጓዊ ባህሊ ዘቆምኩም ኢኹም። ብሐባር ክአ ምእንቲ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተ ስብ ክህሉ   ንሰናይነት  ማሕበረ ሰብ  ትሰርሑ ትፅዕቱ ከም ዝኾንኩም ይርድአኒ  አብ ዕለታዊ ስራሕኩም ክአ ኩሉ ጽቡቅ ነገር ከጋጥመኩም  ዘለኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጸልኩም  ይፈቱ ኢሎም ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ገሊጾም። ሀብቲ ፓራጓይ ንዝኾኑ መንእሰያት አድላዪ ክንክን ክውሀቦም ሞራል ዘለዎ ማሕበረ ሰብ ምእንቲ ህሉው ክኸውንን ንውሉ ወለዶ እምነትን ሞራልን ከተሐላልፍ ክኽእል ክአ ዘይሕለልልጻዕሪ ከተካይዱ ይላቦ ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ። ዝንጸሉ ሰባት ዘይብሉ ንኹሉ ማዕረ ዝርኢ ካብ ስስዔን ንዓይ ይጥዓመንን  ዝርሐቀ   ማሕበረ ሰብ  ክህሉ  ንሐባር ሰናይነት ዝሰርሕ ክርስትያናዊ  ተግባር ዘከተተ ማሕበረ ሰብ እንተልዩ ንርእሱ ሰላም  ዝዕድም  ድዩ እግአብሔር  ንፓራጓይ ይባርኽ ብማለት  ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት  አመልኪቶም። ካብ ስታድዩም ለኦን ኮንዱ  ሳን ኾሰ ዘ አሱንስዮን   ናብቲ  አብ ጥቅኡ ዝረከብ ካተድራል እሱንስዮን ተጓዒዞም። አብ ካተድራል  አሱንስዮን  በሽሐት ዝቁጸሩ ውሉደ ክህነትን ምእመናን  ብእልልታን ሐጎስን  ተቀቢሎሞም። ምስ ጳጳሳት መነኵስያትን መንኮሳንን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነትን ምስ  አባላት  ካቶሊካዊ ምንቅስቃስን  ተራኺቦም  ብሐባር ክአ ጸሎተ/ሰርክ  ደጊሞም። ድሕሪ ፍጽማኤ ጸሎት ክንደይ ጽቡቅ ኢዩ ብሓበር ምስ ደቂ እግዚአብሔር ጸሎተ ሰርክ ክትደግም ብማለት ዝተሰምዖም ሐጎስ ብዝርኤ መልክዑ ገሊጾም።

ጸሎት ዕለታዊ መግብና ክኸውን አለዎ ጸሎት ንኢየሱስ ክርስቶስ የዘኻኽረና የንቅሐና ውሽጣዊ ተድላ ይህበና ካቶሊካዊ ብዘይ ጸሎት ክነብር አይግባእን ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራክበና መንፈሳዊ መሳልል ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም። ካብዚ ምሕዳሮም ናብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ዘአሱንስዮን ተመሊሶም በዚ ካአ ናይ ሎሚ ቀዳም ዕለት ዓሰርተ ሐደ ሐምለ ውዕልኦም ተዛዚሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.