2015-07-10 14:20:00

ር.ሊ.ጳ ፍርንቸስኮስ አብ ኤኳዶር ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም ናብ ቦሊቭያ አትዮም


 ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሰለሰተ ሀገራት ላቲን አመሪካ አብ ኤኳዶር ቦሊቭያን  ፓራጓይን   ሐዋርያዊ  ምብጻሕ  ክገብሩ  ዝሐለፈ  ሰንበት ካብ መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ  ከም ዝነቀሉ ክዝከር ከሎ፡ አብ ኤኳዶር ዘካይድዎ ዝነበሩ ሐዋርያዊ ምብጻሕ  ፈጺሞም ናብ ቦሊቭያ አትዮም፣ ናይ ኤኳዶር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ውሉደ ክህነትን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣናትን ፓፓ ፍራንቸስኮስ ብዘካየድዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዝተሰምዖም ሐጎስ ገሊጾም ተፋንዮምዎም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብተመሳሳሊ አብ ቦሊቭያ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ካብ ኲቶ ኤኳዶር ብናይ ቦሊቭያ ሰዓት አቁጻጻራ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት አርባዕተን ርብዒን El Alto ሀገራት ሐቆፍ መረፍ ነፈርቲ ቦሊቭያ አትዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ El Alto ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ናይ ቦሊቭያ ብጹዓን ጳጳሳት ናይታ ሀገር መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኹዋን ኤቮ ሞራለስ አይማን ናይ መንግስቲ ላዕላዎት ሰበ ስልጣናትን በምዉቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም። 

ናይ ቫቲካንን ቦሊቭያን ሀገራውያን መዝሙር ምስ ተሰምዔ ፕረሲዳንት ኹዋን ኤቮ ማራለስ ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናብ ገረ ሰላምን ፍትሒ ትደሊን ቦሊቭያ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ብስመይን ብስም ህዝቢ ቦሊቭያን ክአ የመስግመኩም። ንቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘ አሲሲ ዝተኸተልኩም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድኻታት ኢኹም ንድኻ ዝኽሕድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝክሐደ ኢዩ። እዚ ግዜዚ ግዜ ምትሕብባር ግዜ ሐቢርካ ብሰላም ንምንባር ዝጽዓረሉ ግዜ ኢዩ አብ ሀገራት ላቲን አመሪካ ሐዋርያዊ ዑደት ምክያድኹም ንአህዛብ ሀገራት ላቲን አመሪካ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ኢዩ። አብ ቦሊቪያ አብ ትጸንሕሉ ግዜ ሰናይ ግዜ ክኾነልኩም እምነየልኩም ብማለት ፕረሲዳንት ኹዋን ኤቮ ማራለስ አገንዚቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳት ፍራንቸስኮስ ንዝተገብረሎም ሰናይ አቀባብላ ንውሉደ ክህነትን ሰበ ስልጣናት መንግስትን አመስጊኖም፡ አብ ዘስምዕዎ ቃል ክቡር ፕረሲደንት ክቡራትን ክቡራንን ንዝገበርኩምለይ ምዉቅ አቀባብላ የመስነኩም፡ እግዚአብሔር ይሀበለይ። ፕረሲደንት ኹዋን ኤቮ ሞራለስ ንዝገበሩለየይ ሕውነታዊ አቀባብላን ናይ እንቃዕ ድሐን መጻእኩም ዘስምዕዎ ቃልን ከምኡ ክአ ንኹሎም ውሉደ ክህነትን ሰበ ስልጣናት መንግስትን የመስግን።

አብ ቦሊቪያ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ክገብር አብ ዝጅምረሉ ዘለኹ ግዜ ብሐፈሻ ንህዝቢ ቦሊቭያ ሕውነታዊ ሰላምታ ከገልጽ ይደሊ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቦሊቭያ ክበጽሕን ምስ ሕያዋይን ትጉህን ህዝቢ ቦሊቭያ ክራኸብ ዝስምዓኒ ሐጎስ ወሰን የብሉን። እግዚአብሔር ንቦሊቭያ ይባርኽ ዝተመስገነ ክአ ይኹን። ከም ጋሻን ንንግደት ዝመጸ ሰብን አብቲ ምእንቲ ድሕነት ፍጥረት ብሞይቱ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና እምነት ንምርግጋጽ ንቦሊቭያ መጺኤ አለኹ።

ናይ”ዚ ምድራዊ ሕይውት’ዚ ነጋድድያንን ናይ ፍቅሩ መሰኻኽርን ከም ዝኾና ንምርግጋጽ ፍቅሩ ጥዕና ዘለዎ ሕብረተ ሰብን ዝተሐባበርን ምእንቲ ክኸውን ክንጽዕር ይግብአና። ቦሊቭያ ንማሕበራውን ኤኮኖምያውን ምዕባሌ ትጽዕት ከም ዘላ ዘመልከቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሰብአዊ ምዕባሌ ዘይብሉ ንዋታዊ ምዕባሌ ጥራሕ ምፍልላይን ምቅሕሐርን ስለ ዘኸትል ጥንቃቀ ከም ዘድሊ አተሐሳሲቦም።

ነፍስ ወከፍ ሰብ ሐውኻ ምካኑ እንተዘይአሚንካ ምእንቲ’ቶም ኢየሱስ ክርስቶስ ሕይወቱ ዘሕለፈሎም ክብርታት ሕይወትካ አሕሊፍካ እን ተዘይይሂብካ አብ እግዚአብሔር ዘለካ እመነት ከመይ ዝአመሰለ እምነት ከም ዘለካ ክትምርምር ይግባእ ብማለት ክአ አተሐሒዞም ገሊጾም።

ክቡራትን ክቡራንን አብዚ ቅንያት’ዚ ብሐባር ሥርዓተ አምልኾ እንፍጽመሉ እንመያየጠሉን ግዜ ሀገረ ሰላም ተባሂላ እትጽዋዕ ባህሊ ሰላምን መሰል ሰላምን ቀስቃሲት ቦሊቭያ ክርከብ ሐጎስ ይስምዓኒ ሐለዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮፓካባና አይፈለየና። እግዚአብሔር ይባርኹም ብማለት ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ንቤተ ሊቀ ጳጳሳት ላ ፓዝ ተጓዒዞም ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ንቤተ መንግስቲ ላ ፓዝ ተጓዒዞም ንፕረሲዳንት ኹዋን ኤቮ ሞራለስ ናይ አኽብሮት ምብጻሕ አካይዶም። ፕረሲዳንት ኤቮ ሞራለስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስ አባላት ከቢነ ሰበ ስልጣናት መንግስትንን ስድርኦምን አፋሊጦሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ዘሰንይዎም ዘለዉ ልዑካን ቅድስት መንበር አፋሊጦምም ብድሕሪኡ ገጸ በረከት ተለዋዊጦም እቲ ሥርዓት ምብጻሕ በኤተ መንግስቲ ላ ፓዝ ተፈጺሙ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምብጻሕ ቤተ መንግስቲ ላ ፓዝ ምስ አባላት ቤርጌሳዊ ማሕበረ ሰብን ናይ ዲፖሎማሲ ሰባትን ክራኸቡ ንካተድራል ላ ፓዝ ተጓዒዞም ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ኤሙንዶ ሉዊስ ፋላቭዮ ሞንተሮ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል አስሚዖም። ፓፓ ፍራንቸስኮ ዝንዝተገብረሎም አቀባብላ አመስጊኖም፡ አብ ዘስምዕዎ ቃል ክቡራትን ክቡራንን አብ ካተድራል ላ ፓዝ መጺኤ ምስኻትኩም ክራኸብ ሐጎስ ይስምዓኒ ኩላትና አብዚ ዘለና ነፍስ ወከፍና ንናይ ሐባር ሰናይ ስራሕ ክንሰርሕ እንሰማማዓሉ ቁም ነገር ኢዩ።

ቅድሚ ሐምሳ ዓመታት ጉባኤ ቫቲካን ካልአይ ናይ ሐባር ሰናይነት ንማሕበራዊ ሕይወት አድላዪ ከም ዝኾነ ከም ዘስመረሉ ይዝከር። ነፍስ ወከፍና እንድሕሪ ንብሕቲ ዘይኮነስ ናይ ሐባር ሰናይ ስራሕ ሰሪሕና ንስብእና ቀዳምነት ዝህብ መሰረታውያን መሰል ሰባት ዝዕቅብ ስለ ዝኸውን ንሰላማዊ ናብራ ዝሕግዝ ክርስትያናዊ ተግባር ከም ዝኾነ ክገልጽ ይፈቱ። ንካተደራል ላ ፓዝ ክመጽእ ከለኹ ግርም ዝኾነ ሥነ ሕንጻን ህንጻታትን አባይትን ተዓዚበ ብሐቂ ደስ ዘብል ነግር ኢዩ፡ ተፈጥሮአዊ ከባብን ፖሊቲካን ኤኮንምን ዝተአሳሰሩ ስለ ዝኾኑ ዚካየድ ጻዕሪ ንሐለዋን ዕቀባን ከባቢ ማእከል ዝገበረ ክኸውን እንከሎ ውጽኢቱ ንኹሉ ዘሐጉስን ዝማርኽን ክኸውን ይክአል።

አብ ሐላፍነትን ምትሕብባርን ዝተመርኮሰ ዝውሃብ ሞራላዊ ትምህርቲ አህዛብ ተሐባቢሮም ክሰርሑን ከተሐላለዩን ክፈቃቀዱን ክደናገጹን ስለ ዝሐትት ወትሩ አብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝግባእ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አመልኪቶም። መማህራን ማሕበራውነት ንህንጸተ ሰብአውነትን ንሐድነትን ንምዕባሌ ሕብረተ ሰብን አስተዋጽኦ ዝገብሩ ትምህርቲ ክህቡ አድላይን ንጽባሕ ዘይባሃልን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ኣአብ ክንክን ስድራ ቤታት ከተኩሩ ክአ ኣአተሕሳሲቦም። እግዚአብሔር ንጽብቅትን ሰላማዊትን ቦሊቭያ ይባርክ ጽን ኢልኩም ስለ ዝሰማዕኩምኒ የመስግን የቀንየለይ ምእንታይ ክትጽልዩ ብትሕትና ይሐትት ብማለት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሐሳቦም ዛዚሞም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ካተድራል ላ ፓዝ ንመዕረፍ ነፈርቲ el alto 13 ኪሎ ሜትር  ተጓዒዞም ናብታ 568 ኪሎ ሜትር ርሒቃ ትርከብ  ከተማ Santa Cruz  de la Siera  ተጓዒዞም። ካብ መዕረፍ ነፈርቲ ክአ ናብቲ ናይ ሳንታ ክሩዝ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ኹልዮ ተራዛስ  ሳንዶቫል  ዝነብርሉ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት አምሪሖም።  ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቲ ናብቲ  ቅርዓት  መድኅን ኢየሱስ ክርስቶስ  ዝጽዋዕ  ሰፊሕ ቅርዓት  ተጓዒዞም  ብብጹዓን ካርዲናላት  ጳሳትን ካህናትን  ተሰንዮም መክፈቲ ሀገራዊ ጉብኤ ቅዱስ ቁርባን ሥርዓተ ቅዳሴ  መሪሖም ። አብቲ ቅርዓት ልዕሊ ሐደ ሚልዮን ምእመናን  ተረኺቦም ከም ዝነበሩ  ክምልከት ከሎ ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዞባታትን ሃገራትን ናይ እግዚአብሔር አብ ማእከልና ምህላው ክነብዕል መጺ እና አሎና፣ ከም ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔር ብኃባር ንክንጽሊ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ካብ ገዛውትናን ማኅበራትናን ወጺእና፣ መስቀል ኢየሱስን ምልክት ተልእኾኡን ንሕና ኵልና ወረስቲ ናይ ዝኾናዮ ብኢየሱስ ዳግም ናይ ዝተወልዱ ናይዚ ዓዲ ማኅበራት የዘኻኽሩና፣ አብዚ ዝሰማዕናዮ ቃል ወንጌል ከምዚ ሕጂ ዘሎናዮ ብዙኃት ሕዝቢ ተአኪቡ ምስ ረአየ ኢየሱስ ንልዕሊ አርባዕተ ሺሕ ሕዝቢ ዘጽገበ ንሕናውን ቃል ኢየሱስ ንምስማዕን ሕይወቱ ንምክፋልን ተጋቢእና አሎና፣ ንሳቶም ትማሊ ምስቲ ናይ ሕይወት እንጌራ ዝኾነ መምህሮም ንሕና ከአ ሎሚ አብ ዝኽሩ ንርከብ፣ ከም ልማድ እዚ ከባቢ እዚ አብዚ ዕለታት እዚ  ብዙኃት አደታት ሕጻናቶም ሓዚለን ተዓዚበ፣ ሕይወት ሓዚለን መጻኢ ናይ ሕዝቢ ሒዘን ይጐዓዛ አለዋ፣ ናይ ታሕጓሰን ምኽንያትን ተስፋኤንን ሓዚለን ይጐዓዛ፣ በረኸት ምድሪ አብ ፍረ ሒዘን ይጐዓዛ፣ ከማኡ እውን ፍረ ሥረሔን ዝኾነ ናይ ሎምን መጻእን ዝኾነ ሃረርታኤን ሒዘን ይጐዓዛ፣ እዚ እቲ ዝረኤ ኮይኑ ዘይረኤ መዓት አደራዕ አብ ዝባነን ማለት ተስፋዘቍርጽ ኩነታትን ዘሕዝንን መሪር ነገራትን ብፍትሒ ምጕዳል መዘና ዘይብሉ ውሽጣዊ አቍሳልን ተሸኪመን አለዋ፣ ናይዛ ዝፈትውዋ መሬቶም ሓጐስን ሥቃይን ተሸኪመን ይጐዓዛ፣ ዝኽሪ ሕዝብኹም ሒዝኩም ትጐዓዙ አሎኹም ከመይ ሕዝብታት ዝኽሪ አለዎም እዚ ዝኽሪ እዚ ካብ ውሉድ ናብ ውሉድ እናተመሓላለፈ ዝነብር አብ ጕዕዞ ዘሎ ዝኽሪ እዩ፣ ኮይኑ ግን ናይዚ ጕዕዞ ድኻም ዝሰመዓሉ እውን ውሑድ አይኮነን፣ ንተስፋ ሒዝካ ክትጐዓዝ ኃይሊ ትስእነሉ ጊዜ እውን አሎ፣ ንዝኽርና ዘደንዝዙ ግዝያት መሊኦም እዮም እዚኦም ከአ ተስፋና አዳኺሞም ምኽንያት ሓጐስና የጥፍ ኡልና፣ በዚ ከአ ሓዘን ክስመዓና ብሕትውና ክወረና ይጅምር እሞ ምሩጽ ሕዝቢ ምዃና ንዝንግዕ፣ እዚ ምዝንጋዕ እዚ ፋሕ ብትን የብለና አብ ጐጕዳይና ተዓጺና ንካል ኦት ከይንሰምዕ ከይርኢ ይኽልክለና ምናዳ ከአ ንድኻታት ከየነስተብህለሎና ይጋርደና፣

ከምቲ ሓዋርያት አብ በረኻ መዓት ሕዝቢ ምስ ረአዩ ብጭንቀት ንመምህሮም አፋንዎም ግዳ ነዚኦም ኩሎም ዝኸውን ዝብላዕ ነገር የሎን ዝበልዎ አባናውን ብዙሕ ግዜ ይድገም፣ አብ ቅድመና ተሰጢሑ ንዘሎ ጥሜት ናይ ብዙኃት እንክንዕዘብ ነዚ ኩነትዚ ክንቅበሎ የጸግመና ተስፋ ቍርጸት ከአ ንልብና ይመልኦ፣ ተስፋ አብ ዝቆረጸ ልቢ ከአ እዚ ሎሚ ንር እዮ ዘሎና ናብራ ክወርስ ቀሊል እዩ፣ እዚ ከአ ሕኸኸኒ ከሓከካ መኽሰብ እንተዘየለ ሓገዝ የለን፣ ዘይኽስቡ ይተአለዩ ብዝብል ሽማግለታትን ሕሙማትን ክትአሊ ትጽዕር፤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሎሚ እውን እንተኾነ ከምቲ ንሓዋርያት ዝበሎም “ክኸዱ ግድን አይኮነን ዝብላዕ ንስኹም ሃብዎም” ይብለና አሎ እንተደአ እምነት አልዩና፣

እዚ ጻውዒትዚ ሎሚ እውን አብ እዝንና ይኩሕኩሕ አሎ፣ አብዚ ቅርዓት እዚ ሎሚ ንዓይን ንዓኹምን ይብሎ አሎ፣ ይአክል ንሰብ ብ ዓይኒ ሰብ ምጥማት ይአክል ንሰብ ምውጋን ይአክል ርኢኻ ከምዘይረአኻ ኰንካ ምሕላፍ ዝብላዕ ንስኹም ሃብዎም ይብለና አሎ፣ አብነት ባዕሉ ይህበና ንሱ ቁሩብ እንጌራን ዓሣን ወሲዱ ብሰለስተ ቃላት እንታይ ከም እንገብር ይሕብረና፣ ወሰደ ባረኸ ንክ ዕድልዎ ንሓዋርያት ሃበ፣ ዝብላ ሠለስተ ቃላት፣ እዚ ተአምር ኢዩ፣ በዚ ከአ ኢየሱስ ነቲ ናይ ፍርህን ምጥርጣርን ተስፋ ቍርጸትን ዝነበረ ናብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ማኅበርን ይልውጦ፣ ነዘን ቃላት እዚ አን በብሓደ እንተረአናየን፤ እታ ቀዳመይቲ ወሲዱ (እንጌራን ዓሣን)  መንቀሊ ባይታ ሕይወት ናይቶም ምሳኡ ዘለው ብቍምነገር ምሓዝ እንክኸውን ዓይኒ ዓይኖም እናተመልከተ ሕይወቶም ስምዒቶም ይርዳእ! ነታ ዘላቶም ዝክርን ኩነትን ምንም ከየስተናዓቀን ከየነአአሰን አብ ኢዱ ተቀቢሉ ከም ሰባት ክንዮ ዝኾነ ባህላዊ አተሓሳስብን ንብረትን ንሰባት ዝለዓለ ግምትን ዋጋን ይህብ፣ ምንም ክህብ ዘይክእል ብዝብል ጉልባብ ክብሪ ናይ ማንም አይሰገረን፣ እኳ ደአ ነታ ዘላ ወሲዱ አብታ ካል አይቲ ደረጃ ይሓልፍ፤ ቡራኬ፣ ኢየሱስ ንኩሉ ይቅበል እሞ ነቲ አብ ሰማይ ዘሎ አቦኡ ይባርኽ የመስግን! እዚ ውህበት እዚ ውህበት እግዚአብሔር ምዃኑ አጸቢቁ ስለዝፈልጥ ከአ እዩ! ስለዝኾነ ከአ ከም ማንም ነገር ገሩ አይምልከቶምን ምኽንያቱ ናይ መለኮታዊ ምሕረት ፍቅሪ ፍረ ኢዮም፣ ክንዮ እቲ ዝረኤ ኩነት ሰጊሩ የመስግን ይባርኽ ነቦኡ ከአ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ይልምን፣ ቡራኬ ኸስ ክልተ ነገር የመልክት በቲ ሓደ ንእግዚአብሔር እንክተመስግን በቲ ሓደ ወገን ንለውጢ ናይቲ ዝባረኽ ዘሎ፣ በዚ ከአ ሕይወት ወትሩ ናይ እግዚአብሔር ውህበት ስለዝኾነ አብ ኢድ እግዚአብሔር ብእምነት እንተንቢርናዮ ኃይሊ ናይ ምብዛሕ ይረክብ፣ አቦና ምንም አየጕድልን እኳ ደአ ንኩሉ የብዝሓልና፣ ተአምር ምብዛሕ ዓሣን እንጌራንከስ ምሥጢሩ እዚ እዩ፣ ስዒቡ ዝመጽእ ን ክ ዕድልዎ ንሓዋርያት ሃቦም ዝብል ኮይኑ ናይዚ ምውፋይዚ ትርጉም ከአ፤ ቡራኬ ኩሉ ጊዜ ሱታፌ ስለዘስዕብ ነዚ ዝተቀበልካዮ ብልግስን ለውሃትን ኃልዮትን ክትከፋፈሎ ከሎኻ ምንጪ ሓጐስ ይኸውን እዚ ከአ መቀረት ድሕነት ይህበና፣ እተን ንሰማይ በጥ ቢለን ንቡራኬ ዝለመና አእዳው ኢየሱስ ነቲ ጠምዪ ዝነበረ ሕዝቢ እንጌራ እንደገና ይዕድላ፤ እቲ እንጌራ ካብ ሓደ ናብ ሓደ ክሳብ እቲ መጨረሻ ዘሎ ክመሓላለፍ ከሎ እሞ ሕሰብዎ፣ ነታ ቍሩብ ዝነበረቶም ናብ ኩሎም ከምዝባጻሕ ብምግባር አኺሉ ተሪፉስ ሸውዓተ መሶብ ተላዒሉ፣ ዝኽሪ ናይ አብ ኢድካ ወሲድካ ባሪኽካ ምዕዳል ወትሩ ንኩሉ ሕዝቢ የጽግብ፣

ከምቲ አብ ታሪጃ ንክካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሓሙሻይ ኮንግረስ ቅዱስ ቍርባን ዝብሎ እቲ ንሕይወት ዓለም ዝተቈርሰ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን እውን ከማኡ ኢዩ፣ ምሥጢረ ቍርባን ምሥጢረ ሓድነት ስለዝኾነ ካብ ነናይ ግልና ዓለም አውጺኡ ነቲ ዘሎና እንተደአ አብ ኢዱ ተቀቢሉ ባሪኹ ሂቡና በቲ ኃይሊ ፍቅሪ ዝኾነ ክ እለት አምላኽ ንካል ኦት ናይ ሕይወት እንጌራ ይኸውን፣ ቤተ ክርስትያን እውን ከም ማኅበር ዝኽሪ እያ ትገብር፣ ስለዚ ከአ በቲ ዝተዋህበ ሕድሪ ወትሩ ነቲ ጐይታ ዝበሎ “ነዙይ ንዝኽረይ ግበርዎ” (ሉቃ 22፡19) ትብል፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከአ አብ ዝተፈላለየ ኵርነዓት ዓለም ንምሥጢረ ናይ ሕይወት እንጌራ ክውን ትገብር፣ ንኩሉ ከአ ተወፍዮ፣ ኢየሱስ ናይ ሕይወቱ ተኻፈልቲ ክንከውን ይደልየና ብ አና አቢሉ ከአ አብ ማኅበረሰብ ናይ ኩሉ ዓለም እዚ ናይ ሕይወት እንጌር ክባዛሕ ይደሊ፣ ንሕና በይንና ዝተፈለና አይኮናን እንታይ ደአ ናይዛ ወትሩ ክውንቲ እትኸውንን ንዓለም እትውፈን ዝኽሪ ሕዝቢ ኢና፣ ዝኽሪ እትገብር ሕይወት ካል ኦት የድልይዋ ኢዮም ክትራኸብ ትደሊ ክትዋሳእ ክትተሓባበር ትደሊ በዚ ከአ ንካል ኦት ንምቅባል አ እዳዋ ብምዝርጋሕ ተቀቢላ ባሪኻ ብፍቅሪ ንኩሉ ትማቀል፣ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከም ኩልኩም ነዚ ዝኽሪ ናይ ሕዝባ ብሕይወት ወዳ ገቢራ ምስአ ሒዛቶ ተጐዒዛ አስተማቂራቶ አብቲ ጸሎታ ከምዝገለጸቶ ከአ “ወአጽገቦሙ እምበረከቱ ለርሁባን - ካብ በረኸቱ ንጥሙያት አጽገቦም” (ሉቃ 1፤53) ክትብል ጸሎየት፤ እዚ ናታ ሕይወት አብነት ይኹነና እሞ አብቲ ብትሑታት መገልገልቱ ገሩ ዓበይቲ ነገራት ዝገብር ርኅራኄን ኃልዮትን አምላኽ ንማዕቆብ፣” እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

ድሕሪ ፋጻሜ ሥርዓተ ቅዳሴ ናይ Santa Cruz de la ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣአቡነ ሰርጂዮ አልፍረዶ ካላንድሪና ቃለ ምስግና አስሚዖም። ብድሕሪኡ ናብ ቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተመሊሶም ንምሳሕ መአዲ ቀሪቦም ድሕሪ ሐጺር ዕረፍቱ ናብቲ ኮሊሰኦ ዶን ቦስኮ ዲ ሳንታ ክሩዝ ዝተባህለ መካን ተጓዒዞም ምስ መነኲስያት መነኮሳንን ካህናትን ተመርቲ ዘርአ ክህነትን ተራኺቦም ድሕሪ’ዚ ርክብ’ዚ ምሕዳሮም ንቤተ ሊቀ ጳጳሳት ተመሊሶም። ሐዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቦሊቭያ በቲ ናይቲ ሀገር ሰዓት አቁጻጽራ ክሳዕ ሰዓት ሐደ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝቅጽልን ብተመሳሳሊ አብ ፓራጓይ ሐዋርያዊ ምብጻሕ  ከካይዱ ንአሱንስዮን ፓራጓይ ከም ዝሳገሩን ሐዋርያዊ መርሀ ዑደቶም የረድእ።








All the contents on this site are copyrighted ©.