2015-07-04 19:03:00

ሰንበት ዘዘርእ 2007 ዓ.ም. ሰነ 28 2007 ዓ.ም (ሓምለ 5 2015)


 

 ንባባት፡ 2ቆሮ 8፡7-15፥ ያዕ. 5፡12-ፍ፥ ግ.ሓ. 27፡6-15፥ ማር 5፡21-43      ምስባክ፡ዘይገለብቦ ለሰማይ በደመና ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር፥ ዘያበቍል ሣዕረ ውስተ   አድባር። “ ንሰማይ ብደመና የጎልብቦ፥ ንምድሪ ዝናም የሰናድወላ፥ አብ ጎቦታት ሣዕሪ የብቁል”። ናይ ኩሉ ምንጪ አምላኽ እዩ ስለዚ ንኹሉ ክህበና ክንልምኖ ይግብአና።   መዝሙር፡ “ዝናም የድምጽ እሞ እንክዘንም ጥሙያት ይጸግቡ፥ ድኻታት ይሕጎሱ. . . ንሰንበት ብሰላም ቀደሳ አብ ዓዓመት ክረምቲ ይኸፍተላ”።

ዝናም ብባህሪኡ አብ ተስፋ እዩ ዝወስድ። ዝናም ንኹሉ ሕይወት ዘልኦ ፍጡር ብሕይወት ከም ዝቕጽል ስለ ዝገብር ዓቢ ተራ አልኦ በዚ ምኽንያት ከአ አብ ዓለምና ቀንዲ ምንጪ ሕይወትና ማይ እዩ። አብ እዋን ዝናም አብ ሰብን እንስሳን አዝርእትን አእዋምን ርኡይ ለውጢ ይርአ። ናይ ሎሚ መዝሙር ነዚ ምስ ሕይወትና አተሓሒዙ አብ መንጎናን አምላኽን ከምኡ አብ ሓልዮትን ፍቕርን ዝተመስረተ ሕይወት ሒዝና ክንነብር የዘኻኽረና   

አብ ስርዓት ሉጡርግያና ካብ ሰነ 25- ሓምለ 15 ድርሰ በዐተ ክረምት “ምእትው ክረምቲ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጊዚኡ ከም ዝሕብሮ እግዚአብሔር ምሕረቱን ሓይሉን ብናይ ባህሪ ተፈጥሮ ከምዘርኢ ከመልክት ኢሉ ብዛዕባ ደመና፥ መብረቕ፥ ዘርኢ እናጠቐሰ ይነግር። ኩሉ ፍጡር በብመልክዑ ጥበብ እግዚአብሔር ብዝተፈላለየ መገዲ ይገልጽ። ወቕትታት ብዝያዳ ሓልዮት አምላኽ ይገልጹልና። እዋናት ክረምቲ ናይ አምላኽ ህያብን ጸጋን ብዝውሃበና ምልክት ብቐሊል ክንርእዮ ንኽእል። ሓረስታይ ዝናም እንተ ረኸበ ተመስገን ኢሉ ንአምላኽ የመስግን፥ ከምኡ ዝናም እንተ ደንጎየ አብ ኢድ አምላኽ ምዃኑ አሚኑ ንአምላኽ ክተዓረቖ ብዝተፈላለየ መገዲ ይምህለል ይልምን። አብ ኩሉ አምላኽ ቀንዲ ገርና ንርእዮ። እዋን ክረምቲ ግብሪ አምላኽ ክነስተንትን ይሕግዘና።

ናይ ሎሚ ንባባትና ብዛዕባ ኢየሱስ ወሃብ ሕይወት ከምዝኾነ ዝገልጹ እዮም። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ክልተ ዝመሳሰል ታሪኽ ሓደ አብ ውሽጢ ሓደ ተሰኺዑ ብፍሉይ ማርቆስ ዝኽተሎ አገባብ ገሩ የቕርበልና። ኢየሱስ አብ ጥቓ ባሕሪ እንከሎ ሓደ ኢያኢሮስ ዝተባህለ ካብ መራሕቲ ቤተ ጸሎት አብኡ ቀሪቡ “ጓለይ ክትመውት ቀሪባ አላ እሞ ምእንቲ ሓውያ ሕይወት ክትረክብሲ መጺእካ ኢድካ አንብረላ” እናበለ ከም ዝለመኖ ኢየሱስ ከአ ምስኡ አብ ገዝኡ ከምዝኸደን ከም ዘሕወያን ወንጌል ይነግረና።

አብ መገዲ እናኸደ እንከሎ ሓንቲ ንዓሰርተ ኽልተ ዓመት ብምፍሳስ ደም ዝተሳቐየት አብ መንጎ ህዝቢ እንከላ አብ ኢየሱስ ቀሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንኪፋ ከም እትሓዊ ዝአመነት ከም ዝቐረበቶ ማርቆስ የዘንቱ። እዛ ሰበይቲ አብ ዝተፈላለየ ሕክምናን ከሕውያ ይኽእል እዩ ኢላ ዝአመነቶ ፈቲና ግን ሓንቲ አይጠቐማን። (ሉቃስ ነዚ ዝርዝር አይነግርን ምኽንያቱ ሓኪም ስለ ዝነበረ ይመስል)። ንሳ ከም ኵሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ሰሚዓ ብእምነት ከአ ቀሪባቶ፥ ክትሓዊ ዘፍር ክዳኑ እንተ ተንከፍኩ ይአክል ኢላ ብምሉእ እምነት አብኡ ቀሪባ። ብሓቂ ዘፈር ክዳኑ ትንክፍ ምስ አበለት እቲ ዝፈሳ ዝነበረ ደም ብቕጽበት ደው ኢሉ ሽዑ ከም ዝሓወየት ተረዲእዋ ኢየሱስ ከአ መን እዩ ክዳነይ ዝተንከፈኒ እናበለ ሓቲቱ ምኽንያቱ ካብኡ ሓይሊ ከም ዝወጸ ስለ ዝፈለጠ። ሓዋርያት አብ መንጎ እዚ ኹሉ ጽቕጥቅጥ ከመይ ኢልካ መን ተንኪፉኒ ትብል እናበሉ ብምግራም ሓቲቶም ንሱ ግን ነቲ ዝኾነ ነገር ስለ ዝፈልጠ እዩ ከምኡ ዝበለ። ሓደ ስብ ካብቶም ብካልኦት ብፍሉይ ከምዝተንከፎ ስለ ዝፈለጠ እዩ ከምኡ ዝበለ። ንኢየሱስ ብምሉእ እምነት ክንቀርቦ እንተ ኸኣልና ድላይና ይህበና እዩ።

ስለምንታይ ፈሪሓ?

እታ ሰበይቲ ብፍርሒ እና ረዓደትን አብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ወጺአ። ንሳ ካብ ኢየሱስ አይኮነትን ዝፈርሐት፥ ዘፍርሓ በቲ ዝነበራ ጸገም ብጭራሽ አብኡ ክትህሉ አይነበራን በዚ ምኽንያት እያ ብግሉጽ አብኡ ክትቀርብ ዘይክአለት። በቲ ዝፈሳ ዝነበረ ደም ዘይንጽሕቲ ተሓሲባ እቶም አብ ከባቢአ ዝነበሩ ይፈልጡ ነሮም እንተ ዝኾኑ ዓቢ ጸገም ምረኸበት ነራ። ከምዚ ኤይድስ ዝሓመሙ አብዚ እዋና ክሕብኡ ዝፍትኑ ንሳ እውን መተሓብአት ነራ። ፍርሒ ንዅሉ አምኪኑ ዘይንቀሳቐስ ይገብረና እዛ ሰበይቲ ካብ ፍርሒ ወጺአ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ተምበርኪኻ ኵሉ ብግሉጽ ነጊራ። ብወገን ኢየሱስ ሕርቃን ወይ ዝኾነ ዘይምሕጓስ አይተራእየን “ጓለይ እምነትኪ እያ ዘድኃነትኪ ብሰላም ኪዲ ካብ ሕማምኪ እውን ሕወዪ” እናበለ ተዛሪብዋ። ኢየሱስ እቲ ትንሣኤን ሕይወትን ዝኾነ ሕይወታ ሓዲስላ ምሉእ ጥዕና ሂብዋ። ንሳ ብአካላዊ ነገር ጥራሕ አይ ኮነትን ሓውያ ብምሉእ አብ ሕብረተሰብ ተሓዊሳ ብኹሉ ምልእቲ ኮይና። ነዚ ኹሉ ከምእትረክብ ዝገበራ እታ አብ ኢየሱስ ዘርአየታ ዓባይ እምነት እያ።

“አይትፍርሒ”

ኢየሱስ ምስታ ሰበይቲ ዘርብኡ ምስ ወድአ ካብ ገዛ ኢያኢሮስ ዝመጽኡ ንመምህር አይተጥዕቦ ጓልካ መይታ ኢያ ዝብል መርድእ ሰሚዑ። በቲ እዋን ኢየሱስ ከም ዘሕዊ እምበር ካብ ሞት ከም ዘተንሥእ አይፍለጥን ነሩ ይኸውን እዩ። ኢየሱስ ጉዕዝኡ እና ቀጸለ እንከሎ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ኩሉ ጊዜ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት እናበለ ይኸይድ ነሩ። “አይትፍራህ እምነት ትራሕ ይሃሉኻ” (እዚ አይትፍራህ ዝብል አብ ቅዱስ መጽሓፍ 366 ጊዜ ተደጊሙ ንረኽቦ)። ኢየሱስ አብ ገዛ ክአቱ እንከሎ ነቶም ሰለስተ ካብ አርድእቱ “ጴጥሮስ ያዕቆብን ዮሓንስ” ጥራሕ ምስኡ ክአትዉ አፍቂዱ ካልኦት ግን ደገ ክጸንሑ አዚዙ። ነዞም ናይ ቀረባ አርድእቱ እንታይ ከምዝገብር ክርእዩ ደልዩ ነቲ ብስምዒት ዝኸይድ ህዝቢ ግን ምስኡ ክአትዉ አይደልዮምን። ኢየሱስ ክአቱ እንከሎ ንብዙሓት ቤተ ሰብን ፈተውትን ይበኽዩን ይሓዝኑን ምስ ረአየ “ስለምንታይ ትበኽዩን ጫውጫው ትብሉንእዛ ቆልዓ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር አይሞተትን” በሎም ንሳቶም ግን ስሓቕዎ ምኽንያቱ ከምዝሞተት አጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ። እታ ቆልዓ ብሓቅዶ መይታ ነራ ወይእ ከምቲ ሓደ ዘይሞተ ግን አብ “coma” አትያ ነራ? እዚ ብዙሕ ዘገድስ አይ ኮነን ከም ርድኢትን አፍልጦን ናይቶም ህዝቢ መይታ እያ ነራ። ኢየሱስ አብኡ እንተ ዘይመጽእ ነሩ ድሕሪ ሓጺር እዋን ምቐበርዋ ነሮም። ኢየሱስ ነቦ ቆልዓ አይትፍራህ እምነት ግበር እናበለ ክብም ዘጸናንዖ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ብፍርኃት ተዋሒጥና ተስፋ ከይቆረጽና አብኡ ክንአምን ይደልየና። ፍርሒ ንእምነት የዝሕሎ እዩ ስለዚ ጸጋ አምላኽ የድልየና ፍርሒ ከይወርሰና።

ዓዳል ሕይወት!

ኢየሱስ ምስ ስድራ እታ ቆልዓን እቶም ሰለስተ አርድእቱን አብ ውሽጢ ቤት አትዩ። ነታ ጓል ብኢዳ ሒዙ “ታሊታ ቁሚ” በላ ትርጉሙ ክአ “አቲ ጓል ተንእሥኢ እብለኪ አሎኹ ማለት እዩ” እታ ንእሽቶይ 12 ክልተ ዓመት ቆልዓ ከምዚ ደቂሳ ዝነበረት ከምዚ ሓንቲ ጸገም ዘይነበራ ብድድ ኢላ ተንሢኣ። እቲ “ተንሥኢ” ዝብል ቃል ከምቲ ኢየሱስ ካብ መቓብር ዝተንሥኦ እዩ ዘስምዕ። ነቲ አብ ወንጌል ዮሓንስ እንረኽቦ “አነ ትንሣኤን ሕይወትን እየ” ዝብል ብኸምዚ አገላልጻ አብ ማርቆስ ንረኽቦ። እታ ቆልዓ መይታ ወይ አብ ኮማ ትንበር አብ ሓዲስ ሕይወት ተመሊሳ ኢየሱስ ከአ ጎይታ ሕይወት ከምዝኾነ ተገሊጹ። እቶም ነዚ ዝዕዘቡ ዝነበሩ “አዝዮም ተገረሙ” ክሳብ ነታ ሕፃን መግቢ ክህብዋ ዝነግሮም ኮይኖም። አብዚ ብንእሽቶይ ንኢየሱስ ብምትንካፍ እዩ ኮይኑ ብዝያዳ እንርእዮ ግን ኢየሱስ ክሳብ ክንደይ ብአና ከምዝግደስን ፈቃርን ከምዝኾነ ኵሉ ጊዜ እንተ ቐረብናዮን እንተ ተንከፈናን ዓበይቲ ነገራት ክገብረልና ይክአል እዩ ሓንትስ ንቕረቦን ንተንክፎን።

ተፈጥሮና ምሉአት ክንከውን እዩ።

ክልቲኡ ታሪኻ ሓደ አብ ውሽጢ ሓደ ዝንገር ኢየሱስ ምንጪ ሕይወትን ምሕዋንይ ከምዝኾነ ዝገልጽ እዩ። አብ ጥበበ ሰሎሞን አብ 1፡13-15፥ 2፡23-24 ዘሎ እንተ አንበብና “ ንሞት አምላኽ አይፈጠሮን ብሞት ሕያዋን ከአ ባህ አይብሎን እዩ” ይብል ብምቕጻል ከአ “እግዚአብሔርሲ ፍጥረት ዘበለ ዅሉ ሕያው ኾይኑ ክነብር እዩ ዝፈጠሮ ዅሉ ድማ ጥዕና ዝመልኦን ሠናይን እዩ አብአቶም ሞት ዘስዕብ መርዚ የብሎምን፥ አይፋልን ነዛ ዓለም እዚአ ሞት አይኮነን ዝገዝአ”። ጥበበ ሰሎሞን ከምዝብሎ ንሕና ዝተፈጠርና ብአምሳል ባህሪ አምላኽ ኢና። “እግዚአብሔር ንሰብ ዘይመውት ገሩ እዩ ፈጢርዎ እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገሩ ፈጢርዎ” (ጥበበ ሰሎሞን 2፡23)። እዚ እዩ ዓለምናን መወዳእታን ተፈጥሮና ማለት ክንፈልጥን ክነፍቅርን አብቲ ቀንዲ ሕይወቱ ሱታፌ ንዘለዓለም ክህልወናን።  እዚ እንከሎ ቀንዲ ምኽንያት ተፈጥሮና እንተኾነ በዚ ወይ በቲ ኵልና ብቐጻሊ ምሕረት አምላኽ የድልየና። ምሕዋይ ጥዕና ምልአትን ቅድስናን የድልየና። ምሕረት ክንረክብ ንጽሊ ጥዕና ክንረክብ እሞ ምሉአት አብ ኵሉ ሕይወትና እምበር አብ ሥጋና ጥራሕ ዘይኮነ። ምሉእ ጥዕና ከምዘሎና እንፈልጥ ብምሉእ መንፈሳውን ሥጋውን ሕይወትና ምሉአት ክንከውን እንከሎና እዩ፥ ነፍስወከፍ ክፍሊ ሕይወተይ መንፈሳዊ አእምሮይ ማሕበራውን ስነአእምራውን ቅርጸይን ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ብሉእ ብስምረት ክዓዪ አለዎ።

ምልአት ዝርከብ አብ ምክፋል እዩ።

አብ መልእኽቲ ጳውሎስ ከም ዝሰማዕናዮ ምልአት ዝርከብ ከምቲ ኢየሱስ ሃብታም እንከሎ ምእንታና ኢሉ ድኻ ዝኾነ እዩ። “ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ ሃብታም እንከሎ ምእንታኻትኩም ደኸየ” አብ መስቀል ጥርሑ ኮይኑ ፍቕሩ ገሊጹልና። ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ ምእንታና በጃ ሓሊፉ። መዓቀኒ ብዘይብሉ ሃብቲምና ኢና። ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ካብቲ ዘልኦም ብምሉእ ምስ ካልኦት አሕዋቶም ክማቐሉ አትሪሩ ይነግሮም። ምስ ካልኦት ክንማቐል እንከሎና ካብቲ ዘሎና እምበር ልዕሊ ዘሎና አይ ኮናን እንሕተት። ሎሚ እንተ ሓገዝና ጽባሕ አብቲ ዘድልየና እዋን ክሕግዙና እዮም።

ንአይ ዝብል ሓዲግና አብ ጸገም አሕዋትናን አብ ሓገዝና አብ ዘድልዮ እዋን ክንሕግዝ ፍቓደኛታት ክንከውን ይግብአና። ሰብ ልብና ክንከፍተሉ ከሎና ዝዓበየ ተስፋ እዩ እሞ ሎሚ አብ ቅድሚ አምላኽ ቀሪብና ብምሉእ ክንሓዊ ክንቅይር ሕይወትና ንለምኖ። ነፍስወከፍና ክንሓወይሉ ዘድልየና ሕማም አሎና አብ ኢየሱስ ንቕረብ ንተንክፎ ሽዑ ኵሉ ክቕየር እዩ።

አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንካፈል እንከሎና ዝዓበየ ተሳትፎ ኢና እንገብር። አምላኽ ብርእሱ አብ ሕይወትና ይሓድር ስለዚ ምስኡ ምሉእ ውኅደት ክህልወና ይግባእ። አብ ሥጋኡን ደሙን ክንካፈል እንከሎና ልብና ክነጽሕ ክሕጸብ የድሊ አብ ዝረስሐ ልብና አይንቀበሎ።

አብ ልብና ንእቶ ንኹሉ ርኢና ንኽአል እታ ደም ዝፈሳ ዝነበረት ሰበይቲ ኵሉ ፈቲና አብ መወዳእታ አብ ኢየሱስ መጺአ ሓውያ ነጺሓ መጀመርያ ግን ምሉእ እምነት ገራ እያ አብኡ ቀሪባ፥ ኢየሱስ ከምዘሕውያ አሚና ስለ ዝቐረበት ልባ ርእዩ ምሒርዋ ንሕና ውን ነቲ አብ ልብና ጠቢቑ ለጊቡ ዘሎ ክፍአትና ኃጢአትና ብምልኡ ሓግሒግና ንግደፎ እሞ ሽዑ ክንሓዊ ኢና።

ከም ኢየሱስ ንኻልኦት አሕዋትናን አሓትናን ክንትንክፍ ዝተጸዋዕና ኢና። ሕይወት ክንመርጽ ዝተጸዋዕና ኢና። ከምቲ ቅዱስ አቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ይ ዝብልዎ “ሕይወት ምምራጽ ክብሃል እንከሎ ንዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ምንጻግ፥ ነቲ ንብዙሓት ደቂ ሰባት ዝጭቁን ዓመጽ ድኽነትን ጥመትን፥ ነቲ ዓመጽ ብውግእን ሽበራን ንብዙሓት ዝበታትንን ምቅዋም እዩ። አብ ምአዲ ቅዱስ ቍርባን ናይ ሞትን ሕይወትን ድራማ ንፍጽም። ንሞትን ትንሣኤን ክርንስቶስ ብዳግም ንዝክሮ ከምኡ ብሓዲስ ብምልኡ አብ ሕይወት አምላኽ ንአቱ እሞ ንሓጎስ ወንጌል ክንሰብኽ ፍሉይ ጸጋ ንዕደል። 

እሞ ሎሚ እውን አብ ኢየሱስ ቀሪብና ክንሓዊ ምሉአት ክንከውን ንለምኖ። መሓሪ አምላኽ ብምሕረቱ አይፈለየና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.