2015-06-22 08:58:00

ናይ ሮአኮ - ንምብራቃውያን አባየተ ክርስትያናት ዝሕግዝ ማሕበር መበል 88 ሐፈሻፊ ጉባኤ


አብ ሮማ ናይቲ ብአኅጽሮተ ቃል ሮአኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንምብራቃውያን  አባየተ ክርስትያናት ዝሕግዝ  ማሕበር መበል 88 ሐፈሻፊ  ጉባኤ የካይድ  ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ንተሳትፍቲ ጉባኤ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ብቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ  አፍሊጡ።

አብዚ ርክብ”ዚ ከም ዘመልከትዎ አብዚ ግዜ”ዚ ክርስትያን ማሕበረ ሰባት ማእከላይ ምብራቅ ይሳቀዩን ይሳደደዱን ከም ዘለዉ ዘኪሮም ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ዓይኑ ከፊቱ ስቃይን ምዝንባልን ክርስትያን ማእከላይ ምብራቅ ክገትእ  ጸዊዖም  ሐደራ ከም ዝበሉ እቲ መግለጺ  አመልኪቱ። 

አተሐሒዞም አብ ማእከላይ ምብራቅ ነዳዲ ዘይትን አጽዋር ውግእን ካስብ ወዲ ሰብ ዝኸብር ኮይኑ ይርኤ ከም ዘሎ ጠቂሶም እዚ አዝዩ ዘሕዝንን ዘተሐሳስብን ከም ዝኾነ አመልኪቶም ክአ እዚ ተርእዮ”ዚ ውጉዝ ከም ዝኾነ ከም ዝገለጹ ተነጊሩ። 

ማእከላይ ምብራቅ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ሰላም ዝተሐረሞ ከባቢ ከም ዝኾነ ምእንቲ ሰላም ክሰፍን ብወገን ቤተ ክርስትያን ዝተገብረ ጻዕሪ ዘይምዕዋቱ ናይቶም ሰላም ክገብሩ ዝተዓደሙ ሰባት ልቢ ደሪቁ ምትራፉ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ጠቂሶም እዚ ዘሕዝን ከም ዝኾነ አገንዚቦም። 

ዝሐለፈ ዓመት አብ ምእከላይ ምብራቅ አብ ኢየሩሳሌም ሐዋርያዊ ዕደት አብ ዘካየድሉ ግዜ 

ምእንቲ አብቲ ከባቢ ሰላም ክሰፍን ዘካየድዎ ጸሎትን ምህለላን ምስቶም ዝምልከቶም አካላት ተራኺቦም ሰላም ክሰፍን ዝክአሎም ኩሉ ክገብሩ ሐደራ ኢሎም ከም ዝነበሩ ዘኪሮም እነሆ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ስኢኑ ህዝበ ክርስትያን ክሳቀዩን ክዘናበሉን ይርኤ ከም ዘሎ ክአ ከም ዝገለጹ ካብቲ ምስ ተሳተፍቲ ጉባኤ ሮአኮ ርክብ ዝተኻየደሉ አዳራሽ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ። 

ብጠንቂ ዝኽተልዎ እምነት አብ ማእከላይ ምብራቅ አብ ዒራቅ ሶርያ አብ ሊብያን ዝስቀዩን ዝከላበቱን ዘለዉ ክርስትያን ክትሐስብ ከለኻ ንርእሱ ዘጨንቅ ከም ዝኾነ እዚ ክግታእ ቤተ ክርስትያን በብግዚኡ ተተሐሳስብ ከም ዘላን ደለዪ ሰላም ኩሎም ምእንቲ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ክጽዕሩ ከም ዝግባእ ክአ አተሐሳሲቦም። 

ሰላም አልቦ ምንባር ስቃይ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቤተ ክርስትያን ነቶም አብዚ ግዜ”ዚ ሰላም ተሐሪምዎም ዘለዉ አህዛብ ማእከላይ ምብራቅ ብፍላይ ነቶም እምነተ ክርስትና ስለ ዝኽተሉ ካብ ቤት ንብረቶም ክወጹ ዝተገደዱ ህዝበ ክርስትያን ክትተሐባበር ባእልኦም ክትገብር ከም ዘለዋ ጠቂሶም ብዓቢኡ ግን ምእንቲ ሰላም ክትሰርሕ ከይተሐለለት ክትሰርሕ ግዴታአ ከም ዝኾነ አመልኪቶም። 

ጥንታዊ ክርስትና ማእከላይ ምብራቅ ከም ዘይነበረ ንምግባር ብጽንፈኛታት ጉጅለታት ዚካየድ እኩይ ተግባር ክግታእ ከም ዘለዎ ብምርዳእ ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ክንቀስቀስ ነቲ አብ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ሰብአዊ ረዲኤት ከቅርብ ክአ ተማሕጺኖም።

አብዚ ናይ ሮአኮ ጉባኤ ዝስተፋ ዘለዋ አብያተ ክርስትያናት ምብራቅ አብ ማእከላይ ምብራቅ ዚካየድ ዘሎ ግህሰት ሰብአዊ ክብሪ ክቃወማ ንህዝቢ ማእከላይ ምብራቅ ሐገዘን ከውፍያ ምእንቲ ሰላም ክሰርሐ ክአ ከም ዝተላበዉ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ሮአኮ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ እዚ መበል 88 ዓመታዊ ጉባኤ”ዚ ኩነታት ካቶሊካውያንአብያተ ክርስትያናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክምልከት መደብ ከም ዘለዎ ዘኪሮም፡ ሮአኾ ነዘብ ጥንታውያን ማሕረ ሰባት ክርስትያን እዚአተን ተወሳእቲ ተልእኾ ቅዱስ ወንጌል እዚአተን ክሕግዘን አተሐሳሲቦም።

ልዕሊ ኹሉ ክአ መንእሰያት ደረት ተስፍኦምን ምዕባለን ክብ ምእንቲ ክብል ዘድሊ ሰብአዊ ሞራላውን ንዋታውን ሐገዝ ከም ዘድሊ አመልኪቶም፡ እዚ ገቢራዊ እንተዘይኮይኑ እዚ ዝርኤ ዘሎ ፍልሰተ መንእሰያት”ዚ ክግታእ ከም ዘይክአል ጠቂሶም ማእካላይ ባሕሪ አቋሪጾም ኤውሮጳ ክአትዉ አብ ዝገብርዎ ዘለዉ ፈተነ ሕይወቶም አብ ፈተና ይወድቅ ከም ዘሎ፡ አጽኒዖም ከም ዘተሕሳሰቡ ካብቲ ርክብ ዝተኻየደሉ ቦታ ዝወጸ ዜና አገንዚቡ።

ናይ መንበረ ሊቀ ጵጵስና አሥመራ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ መንግስትአብ ተስፋማርያምን ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካውያን ኢትዮጵያን ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ፕረሲዳንትን ብጹዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፊኤልን አብዚ ናይ ሮአኮ ጉባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። 

ሮአኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አርመን ዘተኮረ ዘተ ከም ዘካይድ ዘኪሮም ክአ አርመን መጀመርያ ሚስጢረ ጥምቀት ዝተዋህበላ ምንጪ እምነትን ሰማዕትነትን ከም ዝኾነት አዘኻኪሮም።

በዚ ክአ እቲ ምስ ተሳተፍቲ መበል 88 ሐፈሻዊ ጉባኤ ሮአኾ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝተዛዘመ ብቫቲካን ዝተዋህበ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.