2015-06-20 16:56:00

ብፁዕ ኣቡነ ቶዞ፦ ሓደኣዊ እስትንፋስ ይሴባሕን ሰላም ኣብ ምድሪ ዓዋዲ መልእኽታት


“ሰብኣዊ ፍጥረት ሕጂ እውን እቲ ናይ ሓባር ቤት ዝኾነ ናይ ምሕናጽ ብቕዓት ዘለዎ እዩ” ዝብል ቃል ዘቃልሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ እታ ዕለት 18 ሰነ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ዓለም ለኻዊ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ዘሎ ካልኣይ ዓዋዲ መልኽቲ ኣማኪሎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካይዱ ክሳብ ቀረባ እዋን ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኰይኖም ዘገልገሉ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፋኤንዛ ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሰምዩ ብፁዕ ኣቡነ ማርዮ ቶዞ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና በቲ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣቢሎም ኩሉ ኣብ ምህናጽን ምክንኻንን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝተጸውዔ ምዃኑ ዳግም የነቓቕሑን ሰብኣዊ ፍጡር ናይ ምክንኻንን ምሕናጽን ብቕዓት ዘለዎ ምዃኑ የዘኻክሩ እዚ ድማ ልክዕ ከምታ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ እስትንፋስ ዘለዋ ምዃኑ የነጽር።

እቲ ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ስነ ምህዳርን መንቀሊኡን ዝኣምንን ዘይኣምንን ተመራመርትን ሊቃውንትን ሃይማኖታትን ብርክታ ዝጠልብ እዩ። መፍትሒኡ ድማ ነቲ ክውንን ጭቡጥን ነገር ምቕያር ዝብል ካብ ሓደ እንኰ ኣተረጓጉማ ዝምጭው ኣይኰነን። ናይ ኵሉ ተዋሳእነት ዝሓትት እዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ቅዱስ ኣቦና ምህዳር ሓባራዊ ሃብቲ ምዃኑ ዘነጸርዎ ሓሳብን ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንበር ዘሎ ደረት ኣልቦ ኤኮኖሚያዊ ከይድን እቶም ሃብቲ ዓለም ዝቆጻጸሩ ውሑዳ ናይ ቁጠባን ናይ ኤኮኖምን ስልጣን ዘለዎም ሰባት ሕልና የነቓቕሑ። ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ነጻነትን ምእዋጅ ንበይኑ ብቑዕ ኣይኰነን፣ ምእንቲ’ዚ ብቐዳምነት ምልኡ ስነ ምህዳር ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ፣ ኣብ ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ስነ ምህዳር ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘነጽር ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓውዲ መልእኽቲ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቀጻልነትን ፍሉይነትን ዘለዎ እዩ፣ ነቲ ዝሓለፈ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ እዋናውነት ዘልብስን ዝሕድስን እዩ ነዚ ድማ ምስቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ብምንጽጻር ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኤኮኖሚ ብኹሉ መዳይ ዝትንፍክን ምዕባበለ ምስ ምኽባር ሕይወት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዘለዎን ዘነጽር ዓዋዲ  መልእኽቲ እዩ።

ምዕባለ ብቲዮሎግያን ብስነ ሰብእን ኣገናዚቦም ናይ ስነ ምህዳር ስነ ትርጓመ ምስ ውልቃዊ ሰብ ዘለዎ ርክብ ብጭቡጥ ኩነት ብምቕራብ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ የመልክቱ፣ እቲ ዝረአይ ዘሎ ምቅያያር ናይ ኣየር ንብረት ኅያዋን ፍጥረታት (ሰብን እንስሳታትን ሓምላውያንን) ገዓዝያውነት ዘቃልዕን ኣብ ልዕሊ ብዙህነት ሕይወት ከቢድ መጉዳእቲ ዘስዕብን ገለ ገለ ኅልዋን ፍጥረት ዘጥፍእ እቲ ዘሎ ወለዶ መሊሱ ከይርእዮም እቲ ዝመጽእ ወለዶ ድማ ፈጺሙ ናይ ምፍላጦም ዕድል ዝተሓርሞ ክከውን ዝድርኽን ነቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ድማ ዓቢይ ጾር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቶም የመልክቱ፣ ነኽንክን ስነ ምኅዳር ቅዱስነቶም ተቐባልነት ዘለዎ ዓለም ሓቆፋዊ መደብ ልምዓት የነቓቕሑ። እዚ ኹሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፖሊቲካ ዝርእዮ ጉድለት እውን የነጽሩ፣ ፖለቲካ ስነ ምሕደራ ናይ ሓባር ሃብቲ ተፈጥሮ ማለት እዩ። እዚ ድማ ካብ መሰረት ዝነቅል ስርዓት ዴሞክራሲ ክህሉን እዚ ምስ ዝህሉ ድማ ኩሉ ሃብታምን ድኻን ዘዋስእ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምርጋጽ ዝከኣል ምዃኑ ዘብርህ ዓዋዲ መልእኽቲ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.