2015-06-20 16:51:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብዘይ ቃል እግዚኣብሔር ማሕበረ ክርስቲያን ይዳኸም


ቃል ኣምላኽ ንምብሳር ናይ ቃሉ ኣብ ቃልን ሕይወትን ተመክሮ የድልይ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ካቶሊክ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ዓምታዊ ምሉእ ጉባኤ ዝሳትፉ ንዘለዉ ተጋባእያን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ማሕበረ ክስቲያን ቃል ኣምላኽ ከይቦኽሮ ሓደራ ኣነቓቕሑ፣ ብዘይ ቃል እግዚኣብሔር ኩሉ ድኻም እዩ እንክብሉ ነቶም ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ በቶም ናይ ካቶሊካዊ ፈደራላዊ ማሕበር ቅዱስ መጽሓፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብ ዝተነበ መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ንዅሉ ምሕረትን ፍቕርን ተስፋን ንምቕራብ ሕይወትን ተስፋን ንምስፋሕ ቃል ኣምላኽ ምብሳር ሕጹጽ ኣብ ዝብል ቃል ዘተኰረ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ልሙድ ዕለታዊ ናብራ ማሕበረ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ማእከል ክኸውን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ነባሪ ክኸው ቅዱስ ሄሮኒሞስ ከምዝብሎ - “ቃል ኣምላኽ ዘይምፍላጥ ክርስቶስ ዘይምፍላጥ እዩ” እንክብል ብዝገለጾ ሓሳብ መሠረት ምዒዶም ናይ ዕለታዊ ናብራ ማእከል ቃል ኣምላኽ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቃል እግዚኣብሔር እተሰምየ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ቃል ኣምላኽ ማእከል ክኸውን ከምዝግብኦ አዘኻኺሮም፣ ቃል ኣምላኽ ጸግዕን ብርታዔን ዘይምግባር ማሕበረ ክርስቲያን ናብ ድኻም ይመርሕን ካብቲ ጥንታዊ ባህሊ የርሕቕን፣ መንፈሳዊ ዕብየት ይግታእን ናይታ መንእሰይ ቤተ ክርስቲያን ውዕዉዕ ስምዒት ወንጌላዊ ልኡክነት የዳኽም ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሕያው ተመክሮ ኣብ ቃል ኣምላኽ

ቃል ሓቂ ንምብሳር ናይቲ እተበስሮ ቃል ሓቂ ተመክሮ ዘለካ ምዃንን ቃል ኣምላኽ ናይ ምስማዕን ምስትንታንን ኣብ ቃል እምላኽ ነቲ ቃል ብኢድካ ከምዝተንከፍካዮ መንፈሱ ዘሕድረልካ ናይ ቃልን ሕይወትን ተመክሮ ምህላው ወሳኒ ምዃኑ ዘነጽሩ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቃል ኣምላኽ ሊቃውንትን ተመራመርትን እቲ መለኰታዊ ግልጸት ዝዀነ መበል 50 ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ ቃል ኣምላኽ እተሰምየ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ምንጪ ክኸውን ብዕምቆት ክስተውዕሉ ኣተሓሳሲቦም፣ ናይ ወንጌል ሃሴት ክሳብ ጫፍ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ገና ዘይተበሰረሉ ወይ ከኣ ዝተበሰረሉ ክነሱ ከም ቃል ድሕነት ገና ተቐባልነት ኣብ ዘይረኸበሉ ስፍራ ኩሉ ክሰፍሕ ከምዘተባብዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.