2015-06-15 12:56:00

፫ ሰንበት ዘጰራቅሊጦስ 2007 ዓ.ም. ሰነ 7 2006 ዓ.ም. (6/14/20115)


ንባባት፡ኤፈ 1፡15-ፍ፥ ፩ዮሓ 4፡7-10፥ ግ.ሓ. 10፡25-48፥ ዮሓ 15፡7-19  ምስባክ፡ “ልበ ንጹሃ ፍጠር ሊተ እግዚኦ፥ ወመንፈስ ርቱዕ አሓድስ ውስተ ከርስየ፥ ከመ እንግር ኵሎ ፈቃደከ”።  

መዝሙር፡በዚ ሰንበት “እግዚአብሔር መለኸት እናተወቕዐ ዓረገ፥ ቀርኒ ዝብጦ እናተወቕዐ ብተሓጓስ አብ የማን አብኡ ዓረገ፥ አብ ሰማያት ዓረገ መላእኽቲ ተአዘዝዎ፥ ኩሎም ሓይልታትን ኩሎም ፍጥረታትን ተገዝእዎ፥ ንኣምላኽና ዘምሩ፥ ንንጉሥና ዘምሩ” ዝብል ንዝምር።

አብ ናይ ሎሚ ምስባክ “ኵሉ ፍቓድካ ክነግር ኦ ጎይታ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፥ ጽኑዕ መንፈስ ከአ አብ ውሽጠይ ሓድሶ” ዝብል ዳዊት መዘምር ብኃጢአቱ እናተነስሐ ምሕረት አምላኽ ክልምን ዝጸለዮ ደጊምና። ሕይወትና ድኹምን ወዳቕን ስለ ዝኾነ ጸጋ አምላኽ ኵሉ ጊዜ የድልየና። ንጹሕ ልብን ሕልናን ክህልወና ነቚሕና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ክንጽዕር አሎና። ንአምላኽ ዕለት ዕለት ክንረኽቦ ክንልምኖ ይግብአና።

ናይ ሎሚ ንባባትና መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ አምላኽ ንቤተ ክርስትያን ዝተዋህባ ብአኡ ምኽንያት ከአ ንዘመናት ከምእትቕጽል ዝገበራ ከምዝኾነ ክነስተንትን ዝሕግዘና እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ዝያዳ ኩሎም ጸሓፍቲ ሓዲስ ኪዳን አብ ወንጌሉን አብ መልእኽትታቱን ፍቕሪ አብ አምላኽ፥ አብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ አብ መንጎ ደቂ ሰብ፥ ከመይ ከምዝኾነ ገሊጹ ይነግረና። ፍቕሪ አምላኽ መወዳእታ ዘይብሉ እዩ፥ ፍቕሪ አምላኽ ንአና ደቂ ሰብ ከም እንቕበልን ከም እንህብን ይገብረና። ሰብአዊ ፍቕሪ ክደክም ክሓቅቕ ከምኡ ክድስክል ክፈላለለ ይክአል እዩ ፍቕሪ አምላኽ ግና ዘይልወጥ ደረት ዘይብሉ ብግብርና ዘይጽሎ ንወትሩ ነባሪ እዩ።

ብዛዕባ ፍቕሪ ክንዛረብ እንከሎና ዘይጭበጥ ካብ ሰብ ክፍለ ዝክአል ትርጉም ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንህላዌ ፍቕሪ እነረጋግጾ በቲ እንርእዮ ተግባራት እዩ፥ ቅ. ጳውሎስ ደጋጊሙ ብዛዕባ ፍቕሪ ክገልጽ እንከሎ “ፍቕሪ ለዋህ እያ፥ ሕያወይቲ፥ ሓዳግ፥ ትአምን፥ ተስፋ ትገብር፥ ዓቃል እያ. . . . ” (1ቆሮ 13) እናበለ አግፊሑ ይገልጸልና። ፍቕሪ አምላኽ እምብአር ሓባራዊት ዶብ ወሰን ዘይብላ ንኹሉ እተጠቓልል እያ። ነቲ ዝፈላሊ አብ መንጎ አረመንን አይሁድን አብ መንጎ ባርያ ጭዋን አብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ንቲ አብ መንጎ ሰበይቲን ሰብአይን አብ መንጎ ጥዑያትን ሕሙማትን አብ መንጎን ንአሽቱን ሽማገልን ዘሎ ትአሊ። ፍቕሪ አምላኽ መወዳእታ ዘይብላ፥ ቅድመ ኩነት ዘይብላ ፍልልይ ዘይብላ ንኹሉ ብማዕረ እትርኢ እያ።

አብ መልእኽቲ ዮሓንስ ዝተነበና መሰረታዊ ትምህርተ መለኮት፥ ክርስቶሳዊ ትምህርቲ፥ ትምህርቲ ድሕነትን፥ ሕብረታዊ መምርሒ እምነት ንርከብ። ሕመረት ትምህርቲ ዮሓንስ አብ ፍቕሪ ዘተኮረ እዩ። ብዝተፈላለየ መገዲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝርኢ ይምርምር፡ ፍቕሪ ናይ አምላኽ እዩ። “ዘፍቅር ዘበለ ካብ አምላኽ ዝተወልደ እዩ፥ ብሞት ወዲ አምላኽ ድሕነትን ፍቕሪ አምላኽን ተገሊጹ። ብዛዕባ ፍቕሪ ክነግር እንከሎ መጀመርያ ዝመጽእ “እግዚአብሔር ፍቕሪ እዩ”። እዚ መለኮታዊ ፍቕሪ አምላኽ መሰረታዊ ትምህርተ መለኮታዊ ሓቂ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ ወላ እኳ ንኢየሱስ ብስሙ አይጥቀሶ እምበር ንሱ “ወዲ አምላኽ” ካብ ዓለም ዘይኮነ ናብ ዓለም ዝመጽአ እዩ ይብል። ንሱ ካሕሳ ዋጋ ኃጢአትና ኮይኑ ንሕና ሓዲስ ሕይወት ምእንቲ ክንረክብ በጃ ኮይኑ ደቂ ድሕነት ገሩና። ኵልና አብ ፍቕሪ አምላኽ ሓድነት አሎና ብአምላኽ ዘይተፈቕረ የብልናን። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበለጸ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ እዩ።

አምላኽ ዘፍቀረና ሰናይ ስለ ዝገበርና አይ ኮነን “ፍቕሪ ማለት አምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢአትና ኼርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ አይኮነን”። አብዚ ፍቕሪ ክብሃል እንከሎ ከምቲ ናይ ሰብአዊ ፍቕሪ አብ ስምዒትን ግብርን ዝምስረት አይኮነን። አብ ፍቕሪ አምላኽ ዝኾነ ሰብአዊ ነገር የብሉን፥ መሰረቱ ካብ አምላኽ እዩ እቶም ካብ አምላኽ ዝውለዱ ጥራሕ ዝሳተፍዎ እዩ።

እግዚአብሔር ንፍቕሩ የስተንትን አብቲ ክርስቶስ ዘርአዮ ንአይ ይጥዓመኒ ዘይብሉ ንርእሱ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዝሰውዐ አብኡ እዩ ተገሊጹ። ክርስትያን አብዚ ንርእስኻ በጃ አብ ምሃብ ዝተሰመረተ ፍቕሪ ክጽውዑ እንከለዉ ልዕሊ ዅሉ ንክርስቶስ ከም አርአያ ዝርእይዎ ክኾኑ አለዎም፥ አብ ውሽጣዊ ሕይወቶም አትዮም ነቲ አምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ብምልኡ ክገብሩ አለዎም። ነዚ ክገብሩ ዘክእሎም ካብ አምላኽ ስለ ዝውለዱ እሞ አብ ባሕሪ አምላኽ ስለ ዝሳተፉ አብ አምላኽ ይነብሩ። ሰማያዊ ፍቕሪ ስለ ዝለበሱ አብኦም እቲ ፍቕሪ አምላኽ ስለ ዝሓደረ ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ክገብሩ አየጸግሞምን።

አፍልጦና ብዛዕባ አምላኽ አብቲ ካብ አምላኽ ምውላድና አይኮነን ዝምስረት፥ ዘይአምኑ እውን ነዚ ፍልጠት ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ክርስትያናዊ ፍቕሪ ካብ ተመክሮ ካብ ምልልምማድ ዝመጽእ እዩ እዚ ማለት ከአ አብ ናይ መለኮታዊ ባህሪ አቲኻ ንአምላኽ ክትንከፍን ክትንከፍን እንከሎኻ ዝውሃብ እዩ። እቶም ፍቕሪ ዘይብሎም ካብ አምላኽ ዝተወልዱ አይኮኑን በዚ ምኽንያት እዚ ፍልጠት እዚ አብኦም አይርከብን እዩ። በዚ ፍልጠት እዚ ዘይሕጎሱ ኩሎም ካብ አምላኽ ዝተወልዱ አይኮኑን ስለዚ አብዚ ዓይነት ፍቕሪ ዝነብሩ አይኮኑን።

ንአምላኽ ከም እነፍቅሮ መለለይኡ ንኸማና ሰብ እንፈቅር እንተ ኾና ጥራሕ እዩ። “ተፍቅሩኒ እንተ ድአ ኮንኩም ነነድሕድኩም ተፋቐሩ ይብለና”። “ነቲ ዝርእዮ ሓዉ ዘየፍቀረስ ነቲ ዘይረአዮ አምላኽ ኬፍቅሮ አይከአሎን እዩእሞ ንኃዉ እናጸልአስ ንአምላኽ አፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ” (1ዮሓ 4፡20)።

ቅዱስ ዮሓንስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እውን ዝበለጸ ትምህርቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ይነግረና። አብዚ እታ ናይ ግሪኽ ቃል ዝጥቀመሉ “ኤሮስ” (ንሰብ ወይ ንሓደ ነገር ምስ ወነንካዮ ዝርከብ ፍቕሪ) አይኮነን “ፊልያ” (አብ ዝምድና ዝተመስረተ ፍቕሪ) ዝብል እውን አይኮነን። “አጋፐ” ዝብል ቃል እዩ እዚ ንፊልያ ዝብል ይመሳሰል ግን ፍሉይ መለኮታዊ ትርጉም አለዎ። አብ አምላኽ ዘሎና ፍቕሪ በዚ ቃል ጥራሕ እዩ ዝግለጽ ከምኡ ንብጻይና እነፍቅረሉ ፍቕሪ። አብዝ ሓጺር ናይ ሎሚ ንባብና ትሽዓተ ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ። እዚ ኸአ አብ መንጎ አምላኽን ኢየሱስን ዘሎ ፍቕሪ፥ ኢየሱስ አብ ልዕሊ አርድእቱ ዘልኦ ፍቕሪ፥ አብ መንጎ ተከተልቲ ኢየሱስ ዘሎ ፍቕሪ ክገልጽ እንከሎ ይጥቀመሉ።

ምንጪ ናይ እዚ ፍቕሪ ካብ አምላኽ እዩ። “ከምቲ አቦ ዘፍቅረኒ አነውን አፍቅረኩም እየ አብ ፍቕረይ ንበሩ” (ኁ 9) “ከምቲ አነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ” (ኅ 12)። ኩልና ስዓብቲ ክርስቶስ እምብአር ክነፍቅር ዝተዓደምና ኢና። አብ ፍቕረይ ንበሩ ክብለና እንከሎ ንኹሉ ጊዜ እዩ። አብ ጥዑም ጊዜ ወይ አብ ሕሱም ጊዜ ዝለዋወጥ አይኮነን። ኢየሱስ ክነፍቅር እንከሎና አብነትናን መንጎኛናን እዩ። ከምቲ ንሱ ንትእዛዛት ዘኽብር ንሕና እውን ትእዛዛቱ ክነኽብር ይግብአና። ትእዛዛቱ ክነኽብር እንከሎና ጥርሕ ኢና ትእዛዛት አምላኽ እነኽብር።

ኢየሱስ ንዅሎም አርድእቱ ዝኾኑ አብ ፍቕሩ እንተ ጸንዑ ንትእዛዛቱ እንተ አኽበሩ አብ ሓጎሱ ክካፈልዩ ምዃኖም ይገልጽ። ወላእኳ አብዚ እንታይ ዓይነት ሓጎስ ከምዝካፈሉ እንተ ዘይነገረ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ምስ አምላኽ ሓድነት ክንገብር ከሎና ዝርከብ እዩ፥ ብመስዋእትነት እውን ዘይጎድል እዩ። “ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕሩዅ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን” (ኁ 13)።

ትርጉም ዓርኪ አብዚ ተገሊጹ ንረኽቦ። ዓርኪ ዝብሃል ብዅሉ ዝቐርበካ ክሳብ ሕይወትካ ምእንትኡ ክትስውእ እተፍቅሮ እዩ። አብ ናይ ፖሎቲካ ዓለም ምእንቲ ፍትሒ ምእንቲ ነጻነት በጃ ዝሓልፉ አለዉ እዚ እቲ “ፊልያ” እንብሎ ፍቕሪ ክኸውን ይክአል እዩ። ኢየሱስ ዝዛረበሉ ዘሎ ፍቕሪ ግን እቲ “አጋፐ” ዝብሃል ፍቕሪ ከምቲ አምላኽ ዘፍቅሮ ፍቕሪ እዩ። ኢየሱስ አዕሩኽተይ ዝብሎም ዘሎ አርድእቱ እዮም፥ ንሳቶም ብዕዉር ተአዝዞ ዝምርሑ ባራዩ አይኮኑን። ንሳቶም ብኢየሱስ ተሓርዮም ካብኡ ድላይ አምላኽ እንታይ ምዃኑ ሰሚዖምን ተቐቢሎምን። ብነጻ ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢሎም ከም አዕሩኽ ከአ መልሲ ክህቡ ይግባእ። ንሱ አዕሩኸትይ ይብሎም ስለ ዘፍቀሮም ከአ ምእንትኦም ነፍሱ በጃ አሕሊፉ። ብወገኖም ንሶም እውን ነነድሕዶም ክፋቐሩ አድላዪ እንተ ኾይኑ እውን አብክንዲ ሓዎም/ሓፍቶም በጃ ክኾኑ ይግባእ።

ክርስቶስ ዝእዝዘና ፍቕሪ ሕያው አብ ኩሉ ዝበጽሕ ክኸውን ይግባእ። ካብ አምላኽ አብ ኢየሱስ ካብ ኢየሱስ ናብ አርድእቱ፥ አርድእቱ አብ ነነድሕዶም ዘርእይዎ እዩ። አብኡ እውን ደው ክብሉ የብሉን። እዚ ክርስቶስ ዝእዝዞ ፍቕሪ አብቶም አብ ከባቢናን እንፈቅሮም ጥራሕ ክድረት የብሉን አብ ኵሉ ክበጽሕ ይግባእ። ኵሎም እቶም ንፍቕሪ ዝተዓደሙ መጠኑ ኸአ ንተልእኮ ዝተዓደሙ እዮም። አብ ኹሉ ክኸዱ ፍቕሮምን ተአዝዝኦምን አብ ሕይወት ካልኦት ከፍሪ አለዎ። እዚ ፍረ እዚ ነባሪ ክከውን አለዎ። ናይ እዚ ኵሉ ምልአት ዝርከብ ብስም ኢየሱስ ክንልምን እንከሎና እዩ እዚ ነቲ ዑደትና ምእሉእ ይገብሮ። 

አብዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር መጀመርያ ፍቕሪ አምላኽ ርኢና ክንክእል ነቲ ንሱ አብ ዕለታዊ ሕይወትናን አብ ዝሓለፈ ዝገበረልና ርኢና ክነመስግን እሞ ካብኡ ዝፈልየና ከይንገብር ክንልምኖ። ፍቕሪ አምላክ ክድስክል ክጠፍእ ይክአል እዩ ምዅስኳስ የድልዮ። አብ ፍቕሩ ክነብር ክንልምኖ ይግባእ። “ለምኑ ክውሃበኩም ኢሉና እዩ” ፍቕሪ ሃበና ክንብሎ እንከሎና ዝበለጸ ልመና እዩ።

ፍቕሪ ሓው ክንርኢ ይግባእ። ሎሚ ዝያዳ ኩሉ አብ መንጎ ደቂ ሰብ ጎዲሉ ዘሎ ፍቕሪ እዩ። አብ ስድራ አብ ጎረባብቲ አብ መንጎ ሃገራት አብ መንጎ ክርስትያን. . . . አብ ኩሉ ጎዲሉ አሎ። ፍቕሪ ስለ ዝጎደለ ኩልና ንሳቐ አሎና እታ ሓንቲ ፈውሲ አብ ፍቕሪ ክንምለስ ንሓውና ንሓፍትና እንታይነቱ ብዘየገድስ ክነፍቅር ድላይ አምላኽ እዩ። ፍቕሪ ክነግስ ክንሓልፎ ዝግብአና አሎ ትዕግስቲ ምምሕሓር ሰባት ጎደሎ ምዃኖም አሚና ክንምሕር ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና። ፍቕሪ ምስጥዓመና ጥራሕ እትርከብ አይኮነትን ባዕልና ክነምጽአ ዘድሊ ትዕግስትን ዓቕልን ክንገብር አሎና።

ኦ መንፈስ ቅዱስ አምላኽና አብ መንጎና ፍቕሪ ክነግስ ዓለምና ብፍላይ ዓድና ዓዲ ፍቕርን ሕውነትን ክኸውን ንልምነካ አሎና ንበሎ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.