2015-06-11 15:38:00

ብፁዕ ኣቡነ ጋላንቲኖ፦ ስድራ ቤት ንምክልኻል ሕብረት


ሕብረት ኤውሮጳ ዕለት 9 ሰነ 2015 ዓ.ም. ማዕርነት ኵሉ ጾታ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ዘጽደቖ ክሳብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ኣብ መላእ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብብሔራዊ ቅዋም ሃገር ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝእዝዝ ሰነድ ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ሰነድ ዘንበሮ ስድራ ቤት ዝብል ቃል ነቲ ዝጸንሔን ንቡርን ባህርያውን ትርጉም ስድራ ቤት ዘደናግር ምዃኑ ሓቢሮም፣ ንኣብነት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ብሓደ ዝነበሩ ከም ሰብ ሓዳር ኣፍልጦ ምሃብን ወለዲ ኣልቦ ዝዀኑ ሕጻናት እውን ከም ውላዱ ገይሩ ከዕቢ መሰል ኣለዎ ዝብልን ነቶም ሓደኣዊ ጸታዊ ስምዒት ዘለዎም ብሓደ ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ቢሉ ቤተሰብ እንክብል ዝገልጽ ሓሳብ ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብኣዊ ባህርይ ዝጻረር እዩ ኢሎም።

ሎሚ ተባዕት ዝነበረ ጽባሕ ብናይ ሕክምና ምዕባለ ጥበብ ብምጥቓም ኣንስት ጾታ ምግባርን ካብ ኣንስት ናብ ተባዕት ካብ ተባዕት ናብ ኣንስት ጾታ ንምቕያርን፣ ተባዕት ምስ ተባዕት፣ ኣንስት ምስ ኣንስት ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ተመርዕዮም ብሓደ ክንበሩ ዝብል ሓድሽ ኣመለኻኽታ ምስ ጾታዊ ማዕርነት ዝብል መሰረተ ሓሳብ ምንም ዘራኽብ ዘይብሉ ክነሱ ሕብረት ኤውሮጳ ማዕርነት ቢሉ ይገልጾ፣ ንቡር ባህሊ ዘደናግር ኣመለኻኽታ ከም መምርሒ ገርካ ኣብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ቅቡል ክኸውን ዝእዝዝ ነቲ ባህርያዊ ትርጉም ስድራ ቤት ዝጻረር ሰብኣውነት ምዃን ዘገራጭው ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ባህርይ ጾታዊ ሕንፍሽፍሽ ዘእትው ዘይባህሊ ባህሊ ቢልካን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቢልካ ምቕራቡ ዓቢይ ጌጋን ጸረ ሰብኣዊ ምዃን እዩ። ጾታዊ ስምዒት ከከም ዝደለኻዮ ዝንበር ዘይኰነስ ከከም ኰይንካ ዝተፈጠርካዮ ዝንበር ብድላይካ ዘይቅየር ጉዳይ ባህርያዊ እዩ። እቲ ብወግዒ ዝፈለጥ ኣብ ሰብኣዊ ፍጡር ብኑባሬ ዘሎ ጾታዊ ስምዒት መለለዪ ተባዕትን ኣንስትን ቢሉ ዝገልጽ ክልተ ጾታዊ ስምዒት ከምዘሎ ዝሕብር ሎሚ ኅብረ-ጾታዊ ስምዒት ቢልካ ከተራብሖ ብዙህነት ጾታ ብዝብል ኣገላልጻ ከተቕርቦ ኣብ ኩለን ኣባይቲ ትምህርቲ ንናይ ጾታዊ ስምዒት ሥነ ትምህርቲ መሰረት ገርካ ከተቕርቦ ብሓቂ ዓለም ናብ ባህላዊ ሕንፍሽፍሽ የዘንብል ከምዘሎ እዩ ዘረድእ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.