2015-06-11 15:40:00

በርጠለመዎስ ቀዳማይ፦ ዛዕባ ምህዳር ዝዝትይ ካልኣይ ጉባኤ ጠሊቦም


ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ  በርጠለመዎስ ቀዳማይ ኣብ ደሴት ሃልቂ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዛዕባ ከባብን ስነ ምህዳርን ዝዝትይ ዝጸውዕዎ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ከምእተኻየ ናይ ቁስጥንጥንይ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ኣብቲ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኩሉ ንተፈጥሮ ጽን ክብል መታን ሱቕታ ክነብርን ፍጠረትን ተፈጥሮን ከስትውዓል ይግብኦ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

ተፈጥሮ ንምክንኻን ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን መንፈሳዊ ጸዋዕታን

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን ክንክን ስነ ምህዳር ኣማእኪላ እተካይዶ ዓውደ ጉባኤታትን መጽናዕትታትን ጥዕና ስነ ምሕዳር ኣብቲ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ቅልውላው ከይወደቐ እንከሎ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ዝተጀመረ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ገና ፖለቲካውን ርእየተ ዓለማዊ ብድሆ ተባሂሉ ከተይሓሰበ እንከሎ ኣቢያተ ክርስቲያን ክንክን ተፈጥሮ ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን መንፈሳዊ ጸዋዕታን እዩ ቢለን ካብ ጥንቲ ጀሚረን ዘቃልሐኦን ክቡር ክብሪ ምዃኑ ገሊጾም፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ድማ ምስ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ሎሚ እውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ምይይጥ ዝገብርሉን ዓለምን ሕዝብን ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ክተግህ ጻውዒት ይቕርቡ ምህላዎም ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 

ንኽንክን ተፈጥሮ ብዙሕ ኣይተጻዕረን

ኣብዚ እዋን’ዚ ንኽንክን ስነ ምህዳር መንግስታት ብዙሕ ጻዕሪ መታን ከካይዱ ብበርገሳዊ ሕብረተሰብ ብዙሕ ጐስጓሳት እዩ ዝግበር ዘሎ፣ ምስ ገዛእ ርእስና ቅንዕና እንተድኣ ኣሎና ክሳብ ሕጂ ስለ ክንክን ከባብን ተፈጥሮን ብዙሕ ከምዘይተግብረ ንእመነሉ ጉዳይ እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ እንስዕቦ ሜላ ኣነባብራን መደብ ልምዓትን ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ ዝበሉ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ነቶም ናይ ስነ ጥበብን ናይ ስነ ጽሑፍን ድርሰትንን ናይ ሙዚቃን ስነ ቅብእን ስእልን ሊቃውንቲ ብጎዳና ባህሊ ኣቢሎም ኣብ ክንክን ተፈጥሮ ዓቢይ ጐስጓስ ከካይዱ ሓደራ ቢሎም፣ ንስኻትኵም ኢኹም እቶም ብዘይ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ስነ ምሕዳር ምክንኻን ባህሊ ከተተባብዑን ከተነቓቕሑን ክትሓንጹን እትኽእሉ ከምዝበሉ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ፊደላዊ ቋንቋ መለኰታዊ ምስጢር ኣብ ተፈጥሮ ብኑባሬ ዝተጻሕፈ እዩ

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ኣብ ተፈጥሮ ብኑባሬ ዘሎ ፊደላዊ ቋንቋ መለኰታዊ ምስጢር ዘዘንትዎ ፍልዩን እንኰን ናብቲ ስሙርን ውሁድን ጥዑም ቅንይትን ምዕሩይን ክዋኔ ዝመርሕ ኵላዊ ታሪኽ ንኸነንብቦን ነኸነስተውዕሎን ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮ እዝነ ልቦናና ኣርኒብና ብሱቕታ ክንቀርብ ይግባእ ከምዝበሉ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ኣደጊፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.