2015-06-09 16:22:00

ናይ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት


ናይ ማእከላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ኤዱዋርዶ ሞቢሊ ኣብቲ ናይ ውግእን ሕድ ሕዳዊ ግጭትን ዓመጽን  ከባቢ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ዝቖመ ናይ ሰላምን ዕርቅን መንበረ ጥበብን ንምልላይ ኣሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዘይ ሰላም ህላዌ ይበርስ ምዕባለ ድማ ከምዘይህሉ ሓቢሮም እቲ ብሩንድን ረፓብሊካዊት ደሞክራሲያዊት ኰንጎን ርዋንዳን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝሓቁፍ ናይ ዓበይቲ ቀላያት ሃገራት ብፁዓን ጳጳስት ቤት ምኽርታት ሕብረት ኣብቲ ከባቢ ሰላም ንኽረጋገጽ ሕንጸት ሰላም መሰረት እዩ ቢሉ ዝኣምን ምዃኑ የመልክቱ።

ናይቲ ተቛም መንበር ኣብ ቡካቩ

እቲ ተቛም ኣብቲ ነዘን ሰለስተ ሃገራት ዘዳቡው ከባቢ ኣብ እትርከብ ከተማ ቡካቩ ክኸውን ናይተን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ከምተሰማምዔን እዚ ድማ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን ብዝዓበየ ድማ ሰላም ምትሕብባርን ምቅርራብን ዘተባብዕ ውሳኔ ምዃኑ ኣባ ሞቢሊ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ሓቢሮም፣ እቲ ናይ ሰለምን ዕርቅን ተቛም ካብ ዝህቦ ስነ ፍልጠታዊ ሕንጸት ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እውን ኣሰንዩ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታት ዘቕርቦ መደብ መንፈሳውን ሰብኣዊ ሕንጸት ከምዝኸውንን ክፍሊ ካቶሊካዊ መንበር ጥበብ ቡኩቩን ኣብ ኪንሻሳ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ኣብ ቡካቩ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸት ስነ ምርምርን ባህልን ማሕበር ተቛምን ናይ ሩዋንዳ መንበረ ጥበብን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን መንበረ ጥበብ ሳን ዲየጎ ከምዝኾነን ንመደብ ሕንጸት ዝጥቕመሎም ቋንቋታት ድማ ፈረንሳይናን እንግሊዝይናን ምዃኑ ኣፍሊጦም።  








All the contents on this site are copyrighted ©.