2015-06-09 16:07:00

ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ፦ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሰረት ንማሕበራዊ ምትሕቝቛፍ


ሃይማኖታዊ መዳይ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ መሰረት እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ሕበረት ኤውሮጳ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ሓዋርያዊ ተዓዛቢ ዘዳለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ጋላገር ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዛዕባ ነጻነት ሃይማኖትን ተኣምኖን ፍሉይ ቃል ኣቕራቢ  መሰረታዊ ኣስተምህሮ ዘቕርብሉ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣዳራሽ ከምእተጀመረን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝካየድ ዘተ ብናይ ሕበረት ኤውሮጳ ጠቕላሊ ቤት ምኽሪ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ጋብሬላ ባታይኒ ድራጎኒ ዝምራሕ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ እመልኪተን ጋብረላ ባታይኒ ድራጎኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፦ ሃይማኖት ናይ ፍጥረት ሰብ ባህርያዊ ዓቐን እዩ፣ ኣብ ናይ ኤውሮጳ ባህሊ ንጹርን ቅቡልን ሓሳብ እውን እዩ። ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ሃይማኖት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ባህልን ብኑባሬ ዘሎ ባህርይ ዝብል እማኔ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ሃይማኖት ክብርታት ሰነቕ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ባህልን ሰብን ማሕበርሰብን ኣካይዳን ጠባይን ኣስተንፍሶ እዩ። ምእንቲ’ዚ ሃይማኖት ኣብ ማሕጸን ሕብረተሰብ ዘሎ ሸለል ክበሃል ዘይግብኦ ዓቐን እዩ ኢለን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳ ግደ ሃይማኖታት ኣብ ሕብረተሰብ ዓቢይ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝህበሉ እውን እንተዀነ ብዛዕባ ሃይማኖት ዘማእከለ ዓሚዩቕ ዘተን ምይይጥን ዝካይደሎም ዓውደ ጉባኤታት ዳርጋ ንነዊሕ ዓመታት ኣይተራእየን፣ ካብ 2008 ዓ.ም. ንነጀው ብስሩዕ መደብ ኣብ ሃይማኖት ዘማእከሉ ዓውደ ጉባኤታት ከካይድ ዝጀመረ ምዃኑ ሓቢረን፣ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣብ ዓንቀጽ ትሽዓተ ፍቕዲ ሓደ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብዘየማትእ ኣመክንዮ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ፍቕዲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ብዓቢይ ሓላፍነት ዝምራሕ ተዛማዲ ነጻነት ቢሉ ይገልጾ። ኣብ ሳልሳይ ፍቕዲ ድማ ናይ ምውዳብን ምጥርናፍን ነጻነት የመልክት፣ ስለዚህ ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝሰረጸ ኰይኑ ካብ መጋበሪያ ናይ ካልእ ነጻነት ደራቲ ምዃኑ ዝተቖጠበ ብሃይማኖት ድዩ ብእምነትን ኣመለኻኽታ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ውዳቤን ጥርናፈን ነጻነት ከምዘለዎ ይሕብር። እዚ ኹሉ ግና ካብ ኣኽራርነት ዝተቖጠበ ክኸውን ግድንን ግቡእን እዩ ይብል። ሰለዚህ ሓቀይና ነጻነት መጋበርያ ሰላም እዩ ኢለን።

ዕላማ ናይዚ ዅሉ ዝተገልጸ ሓሳብ ድማ ማሕበራዊ ምትሕቝቛፍ እዩ። ንናይ ማሕበራዊ ጥርናፌ ነጻነት መሰረት እዩ። ነጻነት እንተድኣ ዘየሎ፣ ናይ ሓሶት ምትሕቝቛፍን ዘይምትእምማንን ዝዓሰሎ ተምሳል ጥርናፌ እዩ ዝህሉ። ስለዚህ እዚ ኩነት’ዚ ድማ መጋበርያ ፍልልይን ምንጽጻልን እዩ ዝኸውን። ነጻነት ምስ ዝኽበር መጋበርያ ምትሕቝቛፍ ይኸውን። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ብምእማን ድማ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሕልንናን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ብናይ ምውዳብን ምጥርናፍን ነጻነት ምስ ዝስነይ ንናይ ሕድሕዳዊ ምክብባር መሰረት ይኸውን እክብል ኣንጺሩ ይገልጾ ቢለን እቲ ዝካይድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ድማ ነዚ ስፍሕ ብዝበለ መልክዕ ዘረጋግጾ እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.