2015-06-08 16:37:00

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቦዝኒያን ሄርዞጎቪና ሐዋርያዊ ምብጻሕ እንከካይዱ


 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ቦዝኒያን ሄርዞጎቪና ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ሎሚ ንግሆ ካብ ቫቲካን ነቂሎም ሰዓት ትሻዓተ ቅድሚ ቀትሪ ርእሰ ከተማ ሳራየቮ አትዮም። ካብ ለኦናርዶ ዳቪንቺ አብ ዝነቀልሉ ግዜ ናይ ቫቲካንን ሲቪልን ሰበ ስልጣናት አፋንዮምዎ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ ሳራየቮ ምስ በጽሑ ናይ ቦዝኒያን ሄርዞጎቪናን ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን አብ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብጹዕ አቡነ ፐጹቶ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ቦዝኒያ ሄርጾጎቪና አምባሳደር ስላቪካ ካራቺች ናይ መንግስቲ ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎምዎም።

አብታ ኢየሩሳሌም ኤውሮጳ ተባሂላ ትጽዋዕ ርእሰ ከተማ ሳራየቮ ዝተፈላለየ እምነታት ዝኽተሉን ዝተፈላለዩ ብሔር ብሔረ ሰባት ዝርከብዋ 891.ሺሕን 422 ህዝቢ ዝነብራ ከም ዝኾነት ክፍለጥ ። ብጠንቂ”ቲ አብ ሀገራት ባልካን ካብ 1991 ክሳዕ 1996 ሀገራት ዝተኻየደ ኲናት ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ከቢድ ሰብአውን ማሕበራውን ቅልውላው አጋጢምዋ ከም ዝነበረ ይዝከር። አብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ ዘመን ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተሰብከ ብግዜ ዖትማን ንግስነት ብ1463 አብዚ ከባባ”ዚ ምስልምና ከም ዝአተወ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ሳራየቮ ናብ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ከም ዝተጓዕዙን አብ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ ናይ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ሰበስልጣናት ብድሙቅ አገባብ ትገቀቢሎሞም።

ናይቅድስቲ መንበርን ናይ ቦዝንያን ሄርጾጎቪናን ሀገራዊ መዝሙር ከም ዝተዘመረ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ዘንጸባርቅ ሰላም ምስካትኩም ይኹን ዝብል ጭርሖ ዘመልክት ረጋቢት ከም ዝነፍራ ተገይሩ።

ብድሕሪኡ መራሕቲ ቦዝንያን ሄር ዞጎቪና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ከም ዘፋለጥዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስቶም ዘሰነይዎም ብጹዕን ካርዲናላትን ጳጳሳት አላልዮሞም።

ቦዝንያ ሄርጾጎቪና ብናይ ሰለስተ ብሔራት ወኪላት ብሔረ ክሮአጽያ እስላም ብሔር ሰርብያን ብሔረ ቦዝንያኮ ዝቆመ ኮንፈደረሽን አብ ሸሞን ወርሒ ዝቅየር ወኪል ሐደ ብሔር ሊቀመንበር ዝማሐዳር ከም ዝኾነ ክምልከት እንከሎ ናይዚ ግዜዚ ሊቀ መንበር ኮንፈደረሽን ምላደን ኢቫኒች ሰርብያዊ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ መንግስትን ናይ ሃይማኖታትን ወኪላት አብ ዝተረኽብሉ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ሊቀ መንበር ኮንፈደረሽን ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም ዲስኩር አስሚዖም።

ሊቀ መንበር ምላደን ኢቫኒች አብ ዘስምዕዎ ቃል ብስመይን ብስም ህዝቢ ቦዝኒያ ሄርጾጎቪናን እንቋዕ ድሐን መጻእኩም አብ ሀገርና ሐዋርያዊ ምብጻሕ ምክያድኩም ጥልቂ ሐጎስ ከም ዝስምዓና ክገልጸልኩም ይደሊ።

 ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሰርብያ ማሕበረሰባት አስላምን አይሁድን መሰረታዊ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋ ከም ዝኾነት ጠቂሶም ኩሎም ብሔር ብሔረ ሰባት ቦዝንያ ሄርጾጎቪና ብሰብአውን ሃይማኖታውን ዝተመጠነ ሕብረተ ሰብ አብ ምህናጽ እንርከበሉ ግዜ ኢዩ፡ እዚ ክአ ንናይ ፖሊቲካ ሰባት ንመራሕቲ ሃይማኖት ንዜጋታት ብድሆ ከም ዝኾነ ንርዳእ ክብሉ ሊቀ መንበር ምላደን ኢቫኒች።

እዚ ብድሆ”ዚ ካብቶም አብ መጀመርያ ተስዓታት ግዳያት ግጭት ዝኾኑን ካብዚ እናከይዶ ዘለና ጽዕርን ዝተቀበልናዮ ብድሆ ኮይኑ ብሐባር ሰላማዊ ነፃን ክብሪ ዘለዎን ሕብተረተ ሰብ ክንምስርት እነካይዶ ዘለና ስራሕ  ኢዩ።

ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ምልክት ፍቅሪ ዝተፈላለዩ ብሔር ብሔረ ሰባትን ከምኡ ክአ ምልክት ግጭት ሕድሕድን ስቃይን ኢያ ኮይኑ ግን እዚ ዳሕራዋይ ታሪክ ኮይኑ ማእከል ፍቅርን ምጽውዋርን ስኒትን ክትከውን አብ ንጓዘሉ ዘለና ግዜ ምምጻእኩ ሐጎስ ይስምዓና መልእክተይና ሰላም ስለ ዝኾንኩም ክአ ዝበለጸ ተድላ ይስምዓና ስለዚ ኣንደገና ከመስግነኩም ይደሊ ብማለት ሊቀ መንበር ምልዳን ኢቫኒች ዝግበርዎ ዲስኩር ዛዚሞም።

ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ምስተዛዘመ  ካብ ቤተ መንግስቲ ናብ ስታድዮም ኮሰቮ ብመኪና ክልተ ሜትር  ተጓዒዞም ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም  አብዚ  ዘዕረግዎ መስዋዕትየ ቅዳሴ  አብ ዘስምዕዎ ስብከት “ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 32 ካብ ፍቕዲ 15 ክሳብ 20 ሰላም ናይ ፍትሒ ተግባርን ፍጻሜን ምዃኑ ዝገልጽን ካልኣይ ምንባብ መልኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 12 ክሳብ 15 ሰላመ ክርስቶስ ኣብ ልባትኩም ይንገስ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለን ከምኡ ድማ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 12 ገበርቲ ሰላም ውሉደ ኣምላኽ ክበሃሉ እያቶም እሞ ብጹዓን እያቶም ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ ኣብቶም ዝተነቡ ናይ ዕለቱ ምንባባት ሰላም ዝብል ቃል ይቃላሕ፣ ሰላም ድላይ እግዚኣብሔርን መደብ እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብን ንታሪኽ ምስ ኩሉ ፍጥረት ዝዀነ ልዑል ነቢያዊ ቃል እዩ። እዚ መደብ እግዚኣብሔር’ዚ ድማ ካብ ሰብ ኰነ ካብቲ ናይ ክፍኣት መንፈስ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እዩ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እውን እንተዀነ እቲ ድላይ ሰላምን ሰላም ንምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ዝተፈላለዪ ኵርናዓት ዓለም ብዝካየዱ ማእለያ ዘይብሎም ብኵነታት ዓውሎማዊ መራኽቢ ብዙሃን ውግእ ከምዘሎ እተስተውዕሎን እናተዀላለፈ ዝካይድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ቢልካ ክትገልጾ ዝከኣል ብረታዊ ግጭት መሰናኽል የጋጥሞ ኣሎ።

እዚ ውጥረት ዝተመልኦ ሃዋሁ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ስልጣነታትን ግጭት ክህሉ ብዝደልዩን፣ ከምኡ እውን ንግድ ኣጽዋር ከሳልጡ ኣብ ውግእ ምጽንጻን ብዘካይዱ ድላይ ዝፍጠርን ኰነ ተባሂሉ ዝጐሃሃርን እዩ። ውግእ ሞት ሕፃናትን ኣንስትን ኣረጋውያንን ምዝብልናን ስደትን ዕንወት ኣባይትን መገድታትን ዕንወት ክፍሊ ኤኮኖምን ሕይውት ዝዀልፍን እዩ። እዚ ድማ ናይ ቀረባ ታሪኽ ተመክሮኹም እዩ። ፍቱዋተይ ሎሚ እውን ኣብዛ ከተማ ከቶ ውግእ ከይህሉ ዝብል ኣውያት ድምጺ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ ሰማይ የእውይ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሃዋሁ ውግእ፣  ከም ጩራ ጸሓይ ደመና ዝፍንጽግ እቲ ናይ ኢየሱስ ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም (ማቴ.5.9) ዝብል ቃል የቃልሕ ኣሎ። እዚ ጻውዒት’ዚ ንዅሉ ወለዶ ዝምልከት ወትሩ እዋናዊ እዩ። ኢየሱስ ሰላም ዝሰብኵ ብፁዓን እያቶም ዘይኰነስ ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እያቶም እዩ ዝበለ። ምግባረ ሰላም ተምሳጥ ትዕግስቲ ተመኵሮን ጽንዓትን ዝሓትት ልክዕ ከም ናይ እደ ጥበብ ስራሕ እዩ። ብግብሮምን ብኣግባቦምን ብዘቕርብዎ ግብረ ኣገልግሎትን ሕውነትን ዘተን ምሕረትን ዕለት ብዕለት ሰላም ዝዘርኡ ብጹዓን እያቶም፣ እወ እዚኣቶም እያቶም ውሉደ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ዝጽውዑ። ስለምታይ ወትሩን ኣብ ኵሉን ልክዕ ከምቲ ምስ ጊዜ እናላዘበ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክህልው ዝዘርኦ ሰላም ዘራእቲ ሰላም ስለ ዝዀኑ እያቶም። ሰላም ዕለት ብዕለት ብዘይምስልካይን ብዘይምድካምን ደረጃ ብደረጃ ንቕድሚት ዝስጉም መስርሕ እዩ።

እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ዝኸውን ሰላም ከመይ ገርካ ኢኻ እትሓንጻ? ነዚ ሕቶ ድማ ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ. 32 ፍቕዲ 17 ፍትሒ ኣብ ግብሪ ምውዓል ሰላም የጸግው እንክብል ይምልሶ። እቲ ብላቲን ቋንቋ ትርጕም ቅዱስ መጽሓፍ Opus iustitiae pax-ሰላም ናይ ፍትሒ ጻማ እዩ፣ ብዝብል ቃል ይትርጉም እዚ ትርጉም ላቲን’ዚ ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ብትንቢት ከም ጭርሖ ዝተጠቐምሉ ታሪኻዊ ቃል ኵይኑ እዩ። ኣብዚ እውን ሰላም ናይ ፍትሒ ውጽኢት እዩ ክብል እንከሎ ናይ ስምዒት መደረ ወይ ድማ ኣብ ጥረጴዛ ዝኽወን ህልዮን ሕንጻጸን ማለት ኣይኰነን። ፍትሒ ተግባራውን ተመክሮኣውን እዩ። ሓድሽ ኪዳን ምሉእ ፍጻሜ ፍትሒ ማለት ድማ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቃር ማለት ምዃኑ ይሕብረና (ማቴ. 22.39፣ ሮሜ. 13.9 ረአ)።

ንሕና ብጸጋ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ክንስዕብን ክንፍጽምን እንከለና ኵሉ ነገር ይልወጥን ይሕደስን። ስለምታይ ንሕና ስለ እንልወጥን እንሕደስን እዩ። እቲ ከም ጸላኢ ዝርእዮን ዝሓስቦን ዝነበረ ሰብን ሕዝብን ብሓቂ ምስቲ ናተይ ዝጋጠም ገጽ ከምዘለዎ አስተውዕል። ነቲ ናተይ ዝመስል ልብን መንፈስን ከምዘለዎን ሓደ ሰማያዊ ኣቦ ከምዘሎና አስተውዕል። ስለዚህ እቲ እውነተይና ፍትሒ ማለት ድማ እቲ ንኣይ ክኽወን ዝደልዮ ንኻልእ ሰብን ሕዝብን ክኽወን ምድላይ ዝብልን ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓልን እዩ (ማቴ. ምዕ. 7፣ ፍቕዲ 12 ረአ)።

ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ምንባብ፣ ቅዱስ ጳውሎስ ሰላም ንምግባር ክህልወና ዝግብኣና ጠባይ ምሕረት ልቢ፣ ለውሃት፣ ትሕትና፣ ዓቕሊ፣ ትዕግስቲ ልበሱ፣ ንሓድሕድኵም እናተጻዋወርኵም እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ክሲ እንተለዎ ይቕረ ተበሃሃሉ፣ ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለኵም ንስኻታኵም እውን ከምኡ ይቕረ በሉ (ቆላስያስ ምዕ. 3 ካብ ፍቕዲ 12-13 ረአ) እንክብል ይሕብረና።

እምበኣርከስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ስራሕቲ ሰላም ንምዃን ክህልወና ዝግብኦ ጠባይ ተገሊጹ እዩ። ኩሉ ኣባና ዝውሰን እዩ ቢልና ገዛእ ርእስና ከይነታልል ንጠንቐቕ፣ ስለምንታይ ኣብ መሓልሞ ግብረ ገባውነት ስለ ዘጥሕለና እዩ። ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እምበር ሽሕራዊ ኣይኰነን፣ ንሱ እቲ ሰላም ንምግባር ክህልወና ዝግብኦ ጠባይ እግዚኣብሔር ብቕዱስ መንፍሱ ኣቢሉ ኣብ ልባትናን ኣካላትናን ሓቲሙ ንኣና እውነተይና ናይ ሰላም መጋበሪያ ይግበረና። ሓዋርያ ጳውሎስ ብዑምቀት ሰላም ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ስለምታይ ናይቲ ናቱ ምሳና ምትዕራቕ ፍረ ምዃኑ ይነጽረልና። ምስ እግዚኣብሔር ክዕረቕ ገዛእ ርእሱ ዝፈቕድ ሰብ ጥራሕ እዩ ሰራሕ ሰላም ዝኸውን።

ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ሎሚ ሓቢርና ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ገርሄይና ልቢ ክህልወናን ጸጋ ትዕግስትን ምእንቲ ፍትሒ ንኽንዓይን ክንቃለስን መሓርቲ ክንከውንን ናይ ሰላም መጋበርያ ንኽንከውን ሰላም እምበር ውግእን ዘይምስምማዕን ዝዘርኡ ከይንኸውን ዘብቅዓና ጸጋኡ ንለምን። እዚ እዩ እቲ ሕጉሳትን ብፁዓንን ዘብለና ጉዕዞ” እንክብሉ ዝልገገስዎ ስብከት ኣጠቓሊሎም።

ድሕሪ ሥርዓተ ቅዳሴ ናብ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ተጓዒዞም ምስቶም ዘሰነይዎም ውሉደ ክህነትን  ብጹዓን ጳጳሳት ቦንያን ሄርዞጎቪናን መአዲ ቀሪቦም። 

ድሕሪ ምሳሕን ሐጺር ዕረፍትን ክአ ናብቲ አብ ርእሰ ከተማ ሳራየቮ ዝርከብ ካተድራል ቅዱስ ልቢ ተጓዒዞም ምስ ካናትን ደናግልን መነኲስያትን መንኮሳንን ተራኺቦም ሐጺር ሐሳብ ንሐሳብ ምስተለዋወጡ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም አብ ዘስምዕዎ ስብከት  3

ድሕሪ ቅዳሴ አብ ካተድራል ቅዱስ ልቢ ናብ ሀገራት ሐቆፍ ምእከል ተመሀርቲ ፍራንቸስካውያን ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ወኪላት ተራኺቦም አብ ዘስምዕዎ ቃል “ብፁዕ ካርዲናል ጥቀ ክቡራን መራሕቲ ሃይማኖት ዝኸበርኩም አዕሩኽተይ፤ አብ ቦስንያን ሄርዞጎቪናን ናይ ዝርከቡ ሃይማኖታት ተወከልቲ ዝሓዘ ጉባኤ ብምስታፈይ ሓጐስ ይስመዓኒ፣ ንነፍሲወከፍኩምን ናይ ዝወከልክሙወን ሃማኖታት ማኅበርን ልባዊ ሰላምታይ እንከቅርብ ንዘቅረብኩምለይ ሠናይ ቃላትን ምንዮትን አመስግን፣

ናይ ሎሚ ርክብና ናይቲ ሓባራዊ ሃረርታ ሕውነትን ሰላምን ምልክት ኮይኑ ናይቲ አብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሓነጽክምዎ ምሕዝነትን ዕለት ዕለት እናተደጋገፍኩም ሓቢርኩም ናይ እትነብሩሉን ምስክርነት ኢዩ፣ አብዚ ምርካበይ ነቲ ኩልና እንደልዮን እንጽዕረሉን ዘሎና ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ጭቡጥ መልእኽቲ ኢዩ፣

ናይዚ ካብ ንክንጋባእን ክንዕረቅን ዝነበረና ብርቱዕ ሃረርታዚ ዝፈረየ ብ1997 ዝቆመ ናይ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ማለት አብ በቦታኡ አስላምን ክርስትያንን ዕብራውያንን ዝጋብኡሉ ዘተ ብፍሉይ መንፈስ እዝክሮ፣ እዚ ቤት ምኽሪ እዚ ዘበርከቶ ዓቢ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ዘተ ምድንፋዕን ብኅብረት ምስ ሰበሥልጣን መንግሥታት ዝግበር ርክብን ውህደትን ብጣዕሚ ዚነአድ ኢዩ፣ አብ ኩሉ እኳ ዘድሊ እንተኾነ ምናዳ አብዚ ዞናዚ አብ ሳራየቮ ናይዚ ሥራሕዚ አበርክቶ ዓቢይ ኢዩ ከመይ ሳራየቮ ናብ ብዙኃት አህዛብን ባህልን ዝተፈላለየ ማኅበራዊ ምት እኽኻባትን ዝሓዘ ስለዝኾነ፤ በቲ ሓደ ወገን ንማኅበራውን ባህላውን መንፈሳውን ም ዕባሌ እዚ ዞባዚ ብዝተረኽበ ዓቢ አበርክቶ እንክት ዓግብ በቲ ሓደ ወገን ከአ ነቲ ዝሓለፈ ደማዊ ውግ እን ዝገደፎ በሰላን እንክትሓስብ ከቢድ ኢዩ፣

እቲ ከቢድ ውግእ ምስ ሓለፈ ብኡ ንብኡ ናይዚ ውስጠ ሃያማኖታዊ ዘተ ቤት ምኽርን ካልእ ናይ ሓድነት እምነት ምንቅስቃሳትን ብሃሰሰ ለባም ዝተገብረ አይኮነን፤ እንታይ ደአ አብቲ ግዜቲ አድላዩ ዝነበረ ናይ ዕርቅን ዳግመ ሕንጸት ሃገርን ማኅበረሰብን ነቲ ብግጭት ፋሕፋሕ ዝበለ ማኅበረሰብ ቀንዲ ጉዳይ ስለዝነበረ ኢዩ፣ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ አብዚ ዞባዚ ይኹን አብ መላእ ዓለም ሰላም ንክትምስርት ዘይስገር ውዑል ኢዩ፤ ስለዝኾነ ከአ ከምቲ አብ ናይ ታሕጓስ ወንጌል እትብል ሐዋርያዊ ምዕዳን ቍ.250 ተመልኪቱ ዘሎ እዚ ዘተ እዚ ናይ ኩሎም አመንቲ ግዴታ ኢዩ፣

እዚ ዘተ እዚ ቅድሚ ብዛዕባ ዓበይቲ ጉዳያት እምነት ምዝታይ ዕላል ብዛዕባ ሕይወት ወዲሰብ ክኸውን አለዎ፣ ከምዚ ብምግባር ናይ ዕለታዊ ናብራ ኩነታት ብጭቡጥ ይዝተየሎም ዘሐጉሱ ይኹኑ ዘሳቅዩ ዘድክሙ ይኹኑ ተስፋ ዝሕቡ ኩነታትና ሓባራዊ ሓላፍነት የልብሱና፣ ንኩልና ዝኸውን ብሩህ መጻኢ ንምሕንጻጽ ከአ የኽእሉና፣ ሓቢርካ ንምንባር ትመሃር ነሕድሕድካ ትፋለጥን ንዘሎ ፍልልያት ብነጻ ትቅበሎ፣ አብ ዘተ ሓባራዊ መንፈስ ይምዕብል እዚ ከአ ንጸጋታት ሞራልን ፍትሕን ነጻነትን ሰላምን እናሓገዘ የማዕብሎን የወሃህዶን፣ ዘተ ምህሮ ሰብአውነትን ናይ ሓድነት አምርን ኮይኑ አብ ምጽውዋርን ምክብባርን ዝተመሥረተ ማኅበረሰብ ንምቋም ይሕግዝ፣

በዚ ምኽንያትዚኸስ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ አብ ቍሩባት ጥራይ ተሓጺሩ ንመራሕቲ ሃይማኖታዊ ማሕረሰባት ጥራይ ዘይኮነ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ኩሎም ምእመናን ብምልሓም ዝተፈላለየ ሲቪላውን ማኅበራውን ጉዳያት ክድህሥስ አለዎ፣ አብዚ ፍሉይ አተኵሮ ክግበረሎም ዘለዎም ናይዛ ሃገር መጻኢ ክሃንጹ ዝተጸውዑ መንእሰያት ኢዮም፣ ብዝኾነ ዘተ አድማዕን ሓቀኛን ንክኸውን ንጹር መንነት ክህልዎ አለዎ፣ ብዘይ ንጹር መንነት ጉዳኢ ወረ ዘይጠቅም ክኸውን ይኽ እል፣ እዚ ንመን እሰያት ኢየ ዝብሎ ዘሎኹ ግን ንኩሉ ዝኸውን ኢዩ፣

ክሳብ ሕጂ ንዘበርከትክምዎ ብልቢ እንከመስግን ከም መራሕቲ ሃይማኖት ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ንሰላም ክትሕልው ብዘሎኩም ሓላፍነት ጸኒ ዕኩም ክትሰርሑ አጆኹም ክብለኩም እደሊ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምሉእ ደገፋ ከምእትህብን ንዝኾነ እትሓትዎ ድልውቲ ምዃናን ከረጋግጸልኩም እፈቱ፣

ገና ነዊሕ ጕዕዞ ይጽበየና ከምዘሎ ኵልና ንርድኦ ጉዳይ ኮይኑ ብጸገማት ክንብዳህ ከምዝይብልና ተረዲእና ብጽንዓት ብመንገዲ ምሕረትን ዕርቅን ንመርሽ፣ ናይ ዝሓለፈ ነገራት እንክዝክር ካብ ታርኽ ንክንመሃርን እዩ ኮይኑ ግን ነቲ ቂምን በቀልን ቍስልን እግዚአብሔር ከንጽሖ ብምፍቃድ ንሱ ንዘሎናዮን መጻ እን ስለዝልግሠልና መጻኢና ንሱ ኢዩ ናይ መጨረሽታ ሰላም ምንጪ እውን ንሱ ኢዩ፣

እዛ ከተማዚአ አብ ዝሓለፈ ግዝያት ብዘሕዝን አገባብ ናይ ውግእን ዕንወትን ምልክት ነራ ሎሚ ግን ዝተፈላለየ ብሔረሰባት ምስ ባህሎምን ሃይማኖትን ብሓዲሽ ምልክት ሓድነት ኮይኖም ፍልልይ ዝፍራህ ዘይኮነስ ዝመላላእ ሃብትን ብኃባር ንምምዕባል ዝሕግዝ ዕድል ምዃኑን ንግንዘብ፣ አብዚ ዓለምና ብግጭትን ውግእን ትሕመሰሉ ዘላ ዘመንና እዛ መሬት እዚአ ምስ ፍልልያትካ ሓደ ኰንካ ከምሰብ ክንበርን ናይ ሰላምን ሕውነትን መጻኢ ክትሃንጽን ብሰላም ኃቢርካ ክትነብር ከምዝከአል ንጹር መል እኽቲ ክትከውን ትኽእል እያ፣

አብዚ ብምርካብኩምን ንአገልግሎተይ ብልግሲ ንእተበርክትዎ ጸሎትን ንኩልኹም እንከመስግን ብወገነይ ም እንታኹም ከምዝጽሊ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፤ እግዚአብሔር ንኵልና ይባርኽ፣” 

ድሕሪ ርክብ ወኪላት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ማለት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ምስልምና አይሁዳውን ሰላምታ ተለዋዊጦም ምስ መንእሰያት ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ክራኸቡ ናብ ሰበካዊ ማእከል ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ተጓዒዞም:: አብቲ ማእከል ክጽበይዎም ዝጸንሑ መንእሰያት ክአ ብድሙቅ አገባብ ተቀቢሎሞም ናይ ባንያ ሉካ ጳጳስ ብጹዕ አቡነ  ማርኮ ሰምረን  ናይ እንቋዕ ድሐን መጻእኩም  ቃል አስሚዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመእሰያት ቦዚኒ ሄርዞጎቪና አብ ዘስምዕዎ ቃል ሎሚ አብ ምንጎኹም ክርከብ ዝስምዓኒ ሐጎስ ወሰን የብሉን ብዙሕ ግዜ ሀረር ዝብሎ ዝነበርኩ ጉዳይ ብፍቅድ እግዚአብሔር ገቢራዊ ብምኻኑ ዝተምስገነ ይኹን።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራቅንቸስኮስ መንእሰያት ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና ዕለታዊ ሕይወቶም አብ ሞራል ዝተመስረተ ክኸውን ሰብ ተስፋ ክኾኑ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ክሰርሑ ተማሕጺኖም ተፋንዮምዎም። 

ድሕሪ ፋጻሜ ርክብ ምስ መንእሰያት ብቀጥታ ንሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ሳረየቮ ተጓዒዞም ንመንበረ ሐዋያርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ይምለሱ አለዉ ሰዓት 9.30 ናይ ምሸት ዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ ክአትዉት ትጽቢት ይግበረሎም::








All the contents on this site are copyrighted ©.