2015-06-06 16:10:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን


ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፦ ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ልባዊ ሰላምታይ የቕርበልኩም፣ ብኣኻትኩም ኣቢለ ድማ ነቶም ብሕማም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ኣብዚ ንኽርከቡ ንዘይከኣሉ ብመንፈስ ምሳና ሓቢሮም ንዝርከቡ ንብጾትኩምን ኣሕዋትኩምን ልባዊ ሰላምታይ የብጽሕ። ብፁዕ ካርዲናል ፑልጂች ነዝስምዕዎ ቃልን እናቴ ሉዱቢቻን ኣባ ዞቪኒሚርን ሓው ጆዞ ነዘስምዕዎ ናይ ሕይወት ቃል ምስክርነትን አመስግን። ንወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን ንእተገልግሉ ኵላትኩም አመስግን። ናብ ሃገርኩም ከም ናይ ሰላምን ዘተን ነጋዲ ኰይነን ኣብ እምነት ኣሕዋትን ኣሓትን ከጽንዕ እየ መጽኤ። ብፍላይ ድማ ንዓኻቱኩም ምሉእ ጊዜዅም ኣብ ናይ ጐይታ ግራት ንኽትዓዩ እተጸዋኩም። ኣነ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኵም እየ (ማቴ. 28.20) ኢሉና እዩ። እዚ ርግጸይናነት’ዚ ድማ  ብፍላይ ኣብ ጽንኵር ኣዋን ኣገልግሎትኵምን ምጽንናዕን ተስፋን ይዕድል። ዝሓለፈን ዘሎን ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ስቓይን ፈተናን እሓስብ። ኣብዚ ኩነት እትነብሩ እውን እንተዀንኩም ከይሰለምኩም ጸኒዕኵም እናተቓለስኩም ውልቃውን ማሕበራውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጸገማት በቲ ዘይሕለል ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ንእትነብርዎ ጽንዓት እግዚኣብሔር ጻማኹም ይሃብኩም እብል።

ኣብ ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ንሓደ ውፉይ ሰብ መጓሰ እግዚኣብእሔር ምግልጋል ማለት እንታይ ማለት እዩ? ነቶም ውሽጢ ዝርከቡ መጓሰን መዓጾኻ ከፊትካ ነቶም ቃል ሓድሽ ብስራት ዝጽበዩ ኣብ ንበይኖም ናብ ኢየሱስ ዝመርሕ መገዲ ገና ዘየለለዩ ከተናድይ ብምውጻእ ብናይ ተስፋ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምግልጋል ማለት እዩ። ንሕዝቢ ኣብቲ ዝነብሮ ኣናኸድካ ምርኻብ። ነቶም ካብ ወጻኢ ሓጹር መጓሰ ዝርከቡን ገና ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘይፈልጡ ርሑቕ ንዘለዉን እውን ምንዳይ። ናይ ካቶሊካውያን ምእመና ሕንጸት ኣብ እምነትን ኣብ እምነት ክርስትናን ምሕብሓብ ማለት እዩ። ዓለማውያን ምእመናን ናይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ቀንደይና ተዋሰእት ንኽዀኑ ምትብባዕን እዩ። ዓለማዊ ምእመን ማዕጾዉ ርህው ዝኾነን ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ናብ ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ከብልን ዘእንግድን ዝራኸብን መስካሪ ወንጌል መታን ክኸውን ምትብባዕ። ኣብ ልዕሌኹም ኣብ ልዕሊ መጓሰ ንቕሑ (ግብረ ሓዋ. 20.18 ረአ) እዚ ቃል’ዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንቕድስና ዝተጸዋዕና ምዃንና ከይዘንጋዕና ካልኦት ኣብ ቅድስና ጐዳና ንኸብሉ ኣብ ምምራሖም ክንነቕሕ ዝተጸዋዕና ምዃንና የተሓሳስበና። ንሕዝበ እግዚኣብሔር ዝተሰዋእኩም ኣብ ዕለታዊ ሕይወትኩም ጽንቡራትን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ድካኻትን ትሑታትን ዝተናቑን ሕይወት ቀረባ ምዃን ኣብ ኣቃዋውማ ክርስቶስ (ክርስቶስ ምምሳል) ንኽንዓቢ ይድርኸና። ግላዊ ናይ ሕይወት ጉዕዞ ምሕብሓብን ንሕዝቢ ናይ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ምቕራብ ተተሓሒዙ ዝኸይድ እዩ። ጠሪሹ ዘይፈላለ ከይዲ መንፈሳውነት እዩ።

ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ናይታ ናይ ውሁዳን ሃይማኖት ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵነት ዝግምቶ እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ 5 ፍቕዲ 5 ተነቢሩ ዘሎ ደቀ መዛሙርቲ ለይቲ ብምልእታ ድኽም ሓዲሮም ሓደ ዓሳ’ኳ ከይገፈፉ ብምትራፍ ዝተሰምዖም ድኻም ክስምዓኵም ዝድርኽ ኩነት ከሕድረልኩ ዝከኣል እዩ። ኣብዚ ጽንኩር እዋን ኣብ ጐይታ ተኣሚንና ክንተርፍ እንከለና ናይቲ ኣባና እምነትን ተስፋን ዘለዓዕል ቓሉን መንፈሱን ዘለዎ ሓይሊ ናይ ሕይወትና ተመኵሮ ንገብር። ናይ ኣገልግሎትና ፍርያማነት ብዘሎና እምነትን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 35 ክሳብ 39 ብዘንበሮ ቃል ኣቢሉ ዘረጋግጸልና ካብቲ ማንም ብሓፈሻኡ ፍተናታት እውን እንተዀነ ክፍለየና ዘይከኣሎ ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ዝውሰን እዩ።

ኣብ መንጐ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማዊ ምእመንን ውፉያትን ኣብ መንጐ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ኣብ መንጐና ኣብቶም ኩሉ ሓዲጎም ጐይታ ንኽስዕብዎ ዝተጸውዑን ዝንበር መንፈስ ሕውነት ይድግፈናን የነቓቕሓናን፣ የጸናንዓናን ኣገልግሎትና ፍርያማን ስሉጥን ይገብሮ። ኣንሕና ናይ ሕውነት መሰካኽር ኢና።

ውፉይ ሕይወት ዝነበር ብኵለ መዳይ ናይ ሕዝቢ ሕይወት ክነብር ዝተጸውዔ እዩ። ናይ ሕዝቢ ተስፋን ስቓይን ኩሉ ተኻፋሊ። እግዚኣብሔር ናይ ዝሳቐይ ሰብ ስቓይ ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ምግባር ብቕዓት ክህልወና ጸጋኡ ንለምኖ። ነቲ ዝሳቐይ ቀረባ ምዃንና መንፈሳውን ግኡዛውን ጸገሙ ፍታሕ ካብ ምቕራብ ዝዓበየ ምስክርነት የሎን፣ ንብዓት ሕዝብን ሓዘን ሕዝብን ኵሉ ተኻፋሊ ምዃን። ነቶም ሓገዝና ዝሓቱን ብዙሓት እውን ብሕሉፍ ጥንቁቕነት ንዘይሓቱና ልባትና ንኽፈትን ኣእዳውና ንዘርግሕ፣ ንናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ድላይ ቀረባ ምዃን።  

ፍቱዋት ውፍያት ፍድርያማነቱ ኣብ እምነትን ጸጋን ዝወሰን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎትኩም ብፍስሃ ክትነብርዎ እተባብዓኵም፣ ናትና ናይ ኣቡናትን ካህናትን ብሓፈሻዩ ውፉያት ዕዮ ቅርበት እግዚኣብሔርን መሓርን ፈዋሲ ኣእዳዉን ንኽስማዕ ምግባር እዩ። ንመንእሰያት ቀረባ ምዃን ካብ ዓለማዊ ሕይወት ቁጥባት ኵኑ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተዓጽወ ጉጅለ ሕሩያት ካብ ምዃን ፈተና ተቖጠቡ። ኣገልግሎትኩም ንዝጽውዑ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ይኹን። ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ወዲ ሃገርኩም ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ፐታር ባርባሪች ዘክሩ ኣብነት ናይ ጸዋዕታኹም ግበርዎ።

ማርያም ኣብነት ጸዋዕታ እያ። ኣብ ጸገምን መከራን ክንረክብ እንከሎና ብእምነት ብውሉድ መንፈስ ናብኣ ንወከፍ። ንሳ ንኢየሱስ ምስማዕን ጽን ምባልን ክትምህረና እያ።

በዚ እማኔ’ዚ ኣብ ኩሉ ስፍራ ንጐይታ ብሓጐስ ከነገልግል ዝከኣለና ምዃኑ ርግጸይና እየ። ብጸሎተይ ወትሩ ከምዝዝክረኩም ከረጋገጸልኩም እፈቱ። ንዅልኻትኩምን መንፈሳዊ ማሕበራትኵምን እባርኽ። ስለይ ምጽላይ ኣይትዘንግዑ።








All the contents on this site are copyrighted ©.