2015-06-04 16:23:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ጸሎት ብሓደጋ ምግልባጥ ጀልባ ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ቻይናውያን


ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንስቸኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 3 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስሉ ዕለት ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 1 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ደቡባዊ ቻይና ዞባ ከባቢ ጂያንሊ ኣብ ዝርከብ ውሕጂ ያንግትዘ መሳገሪት ኮኾብ ምብራቕ ዝስማ ጀልባ ብዝተኸስተ ብርቱዕ ማዕበላዊ ንፋስ ምኽንያት በዘጋጠማ ሓደጋ ምግልባጥ ካብቶም ተሳፊሮም ዝነበሩ 456 ተጓዓዝቲ 14 ጥራሕ ከምዝደሓኑን ናይ 26 ሰባት ሬሳ እውን ከምእተረኽበ ዝተመሓላለፈ ዘሕዝን ዜና ጠቒሶም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ከምዝጸለዩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ኣርባዕተ ሽሕ ናይ ቻይና ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ናይ ሓደጋ ባርዕ ሓይሊ ምክልኻል ኣባላት ነቶም ገና ዘይተረኽቡ ኣብቲ ውሕጂ ዝጠሓሉ ኣብ ምዳልዮም ተዋፊሮም ከምዘለዉ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ቻይናን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ንዅሎም ነቶም በቲ ዝተኸስተ ሓደጋ ንዝተተንከፉን ነቶም ዝጠሓሉን ገና ዝተሰወሩን ኣብ ምድላዮም ዝተዋፈሩን ቀረባ ምዃኖም ከምዝገለጹ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ናይ ቻይና መራሔ መንግስቲ ሊ ከቂያንግ ዕለት 2 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብቲ ሓደጋ ዝተኸስተሉ ከባቢ ከምዝበጽሑ እንክሕበር ናይታ ጀልባ መራሕን ክፍሊ ግብርኣዊ ሞያ ሓላፍን ከምዝደሓኑን ክንገር እንከሎ ብዛዕባ ኩነታት ምግልባጥ ሓደጋ ናይታ ጀልባን ናይታ ጀልባ ናይ ድሕነት መስርሕ ብዝምለት ንዝቐርበሎም ሕቶ ንኽምልሱ ብዝብል ውሳኔ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ከምእተወሰነ ይንገር።








All the contents on this site are copyrighted ©.