2015-06-04 16:28:00

ሕንጸት ሎምን ጽባሕን


ኣብ ፓሪስ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ማሕበር ዋና ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታ ማሕበር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ማሕበር ቀዋሚ ተዓዛብን ናይ ካቶሊክዊ ሕንጸት ማሕበር ብሓባር ሕንጸት ሎምን ጽባሕን ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሎሚ ዕለት 4 ሰነ 2015 ዓ.ም. ከምእተጠቓለለ እንክሕበር፣ ዕለት 3 ሰነ 2015 ዓ.ም. ነቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህል ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪት ኢሪና ቦኮቫ ብዘስምዐኦ ዘረባ ተኸፊቱን ቀጺሎም ኣብቲ ናይ ሕቡራት መግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ፎሎን ስዒቦም ድማ ናይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ዘኖነ ግርቦችለውስኪን  ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህል ሓልዮ ማሕበርን ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Gravissimus educationis-መሠረታዊ ስነ መዕበያ ኣብ ዝብል ብዛዕባ ካቶሊካዊ ስነ መዕበያ እንታይነትን ዕላማን ሸቶን ዝዛረብ ውሳኔ ዝጸደቐሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመትን ከምኡ ድማ  ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘጽደቕዎ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝተነብረ ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበብን ተቛማትን መንነትን ዕላማን ሸቶን ዘነጽር Ex corde Ecclesiae-ካብ መዓሙቕ ልቢ ቤተ ክርስቲያን እተሰምየ ሕጊ ዝጸደቐሉ መበል 25 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ብምክያዱ ድማ ዓቢይ ትርጉም ከምዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ግሮቾለውስኪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህል ሓልዮ ማሕበር ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝቖመ ሸቶኡ ድማ ሰላም ዝብል ማሕበር ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፣ ሕንጸት እቲ እውነተይና ሸቶኡ ክረጋገጽ ሰብኣዊ ምሉእነት ዝኣመት ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ከምዝበሉን ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝሕነጸሉ ተግባር ምዃኑ ከምዝተንተኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።

ብፁዕ ኣቡነ ፎሎ ብወገኖም ትርጉም ሕይወት ዘመሓላልፍን ፍልጠት ዘቕስም ኅብረ ባህልታት ዘቃልሕ ክኸውን ክምዝግብኦን፣ እዚ ድማ እቲ እንፈልጦ ብዕምቆት ክነስተውዕሎን እቲ ገና ዘይንፈልጦ ንኽንፈልጦን ዘብቅዕ መገዲ ክፍጠርን እቲ ካብቲ ናትካ ፍልይ ዝበለ ባህሊ ከም ሓደጋ ወይ ድማ ዘይስልጡን ገርካ መታን ንኸይትርእዮን ንኸይትሓስቦን ዝድግፍ ማለት ምዃኑ ከምዝተንተኑ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒበን፣ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብወገኖም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብኣውነት ሊቕ እያ፣ ኣብ ተልእኾኣ ሕንጸት ማእከል ቀደምን ሎምን ዝገበረትን ኣብ እንነብረሉ እዋናዊ ዓለም ብኹለ መዳይ ሕንጸት ማእከል ክኸውን ብቓልን ሕይወትን ከምእተተሓሳስብ እውን ገሊጾም፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቅጽበታዊ ለውጥታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዚዩ ፈጣንን ፍልጠት ባህሊ ዝብል ዘይኰነስ ምስ ኤኮኖሚ ጥራሕ ዘተኣሳሰር ሕንጸት ካብቲ መሰረታዊ ትርጉሙ ዘርሕቕ መኽሰብን ምድላብ ብሃብቲን ዝብል ኣመለኻኽታ ግዙእ ንኽኸውን ዝድርኽ ተቐያያሪ ኩነት ዓለም ናይ ዝኽተሎ ከይዲ ዘንቀሎ ቅልውላው፣ ደጋዊ መንቀሊ ዘለዎ ዘይኰነስ ኣብቲ ከይድን ሜላን ውሽጢ ዘሎ እዩ። ስለዝህ ሕንጸት ንናይ ሓባር ጥቕሚ ዘተኰረ መታን ክኸውን ኣብ ሰብኣዊ ምሉእነት ዕብየት ዝኣምን ነቲ ሰብኣዊ ርክባትን ርክባት ባህልን ስነ ፍልጠትን ዝሃስይ ሰብ ከም ክፍለ ኤኮኖሚ ዝሓስብ ባህሊ ሰብኣዊ ምሉእነት ብዘማእከለ ባህሊ ዘውገድ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ጂቶሲ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.