2015-05-28 17:00:00

ብፁዕ ካዲናል ሽረር፦ ሰነድ ዛዕባ ሲኖዶስን ትምህርተ ክርስቶስን


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤተ ኣማእኪሉ ንኽካየድ ንዝተወሰነ ንናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ናይ ዘተ መካየዲ ዛዕባ ንምርቓቕ ኣሚቱ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መርሕነት መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 25 ግንቦት ክሳብ ዕለት 26 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰነድ ዛዕባ ሲኖዶስን ከምኡ እውን እቲ ብሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘቕርቦ ሰነድ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ቀረባ እዋን ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ኣባል ናይቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብ ብራዚል ናይ ሳን ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሽረር ድሕሪ እቲ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፦ እቲ ዕለት 26 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ናይ ክልተ መዓልቲ መበል 14 ናይ ሲኖዶስ ጠቅላሊ ዋና ጸሓፊ ዘካየዶ ጉባኤ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ንምስራዕ ኣሚቱ ዝተኻየደ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም ክሳብ ኣብ ወርሒ ሓምሌ ዘሎ ጊዜ ድማ ንንባብ ክበቕዕ ምኳኑ ገሊጾም፣ እተሓሒዞም ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ጉባኤ መሪሖም ብምስታፎም እቲ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ሲኖዶስ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን እዋናውን ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

እቲ ናይ ወርሒ ጥቅምት 2015 ዓ.ም. ሲኖዶስ ናይ መካይዲ ዕዮ ሰነድ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዝዘተየሎም ነጥብታት ዝተነብሮ እዩ። ስለዚህ ብሓፈሻኡ ሓድሽ ዝተወሰኸ ነጥቢ የሎን፣ ፍልይ ዘብሎ ግና ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ ዝዝትየሎም ስድራ ቤትን እምነትን ተልእኾን ዝምልከቱ ነጥብታት ግምገማ ንምሃብ ዘይኰነስ፣ መልሲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወሃበሉን እቲ መልሲ ድማ ኣብ ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትርጓም መርሃ ግብሪ ዝቕርብ ምዃኑ እዩ እንክብሉ ኣረዲኦም።

ናይቲ ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤተ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ መበል 14 ፍሉይ ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ኣባላት ጉብኤ ብፁዕነቶም ኣብቲ ዕለት 27 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝተጀመረ ጳጳሳዊ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ይሳተፉ ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም፣ እዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘካይዶ ዘሎ ምሉእ ጉባኤ ኣብ ዝሓጽረ እዋን ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ዘማእከለ ንንባብ ዝበቕዕ መርሃ ሰነድ ትምህርተ ክርስቶስ ንምቕራብ ዝኣመተ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.