2015-05-26 17:08:00

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃን* ቃለ መሕትት ቅዱስ ኣቦና ብኽፉት ልቢ ገዛእ ርእሶም የዘንትዉ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ La Voz del Pueblo-ድምጺ ሕዝቢ ምስ እተሰምየ ናይ ኣርጀንቲና ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብኽፉት ልቢ ገዛእ ርእሶም ብፍላይ ድማ ትርጉም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዕምቆት ዝገልጽ ሰፊሕ መልሲ ከምዝሃቡ ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ዕለታዊ ጋዜጣ ድምጺ ሕዝቢ ዅዋን በረታ ኣብ ዘካይድዎ ቃል መሕትት፣ ቅዱስነቶም ይብሉ ነዊሕ መገዲ ብእግሪ ምጉዓዝ ዝፈትዉ ከምዝነበሩን ዘኪሮም እዚ መዓልታዊ ዝገብርዎ ዝነበረ ናይ እግሪ ጉዕዞ ሎሚ ከምዝጎድሎም ገሊጾም።

ስለምታይ ኢኹም ወትሩ ስለይ ጸልዩ ዝብል ምሕጽንታ ጸልዩለይ ተቕርቡ? እወ ጸሎት ስለ ዘድልየኒ፣ ደገፍ ጸሎት ሕዝበ እግዚኣብሔር የድልየኒ ስለ ዝኾነ ቢሎም ምስ መለሱ፣ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝተኻየደ ቤተሰብኣዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ቃለ መሕትት፦ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይነ ክሕረይ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ ዘይነበር ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ተልእኾ እዩ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ኣብቲ ዕጹው ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ምስ ተሓርዩ፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኮኑ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ተመረጽቲ ኣብ ዝብል ዝህብኦ ዝነበረ ናይ ግምት ትንተና ካብቶም ተሓረይቲ መበል 46 ገይሮም ከምዝገለጽዎም ብፍሽኽታ ዘኪሮም፣ መደብ ኣምላኽ ምስጢር እዩ። ናይ ሓደ ገዳማዊ ሕይወት ናይ ሓደ ኢየሱሳዊ ካህን ከከም ኣድላይነቱ ዝቀያየር ሕይወት እዩ ዝነበር እዚ ክብል እንከለኹ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ተልእኾ ወንጌል ብዝሓቶ መገዲ እዩ ዝምራሕ። ኣብቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝተኻየደ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ጽምጺ ቆጸራ ከካይዱ እንከለዉ ንሶም ጸሎት መቕጸርያ ይደግሙ ከምዝነበሩ ገሊጾም፣ ኣብ እግዚኣብሔር ዝውከፍ ሕይወት ምንባር እዩ ዘዕግበኒ ኢሎም።

ሕዝቢ ዝረድኣኒ ምዃኑ ስለ ዝስምዓኒ ምስ ሕዝቢ ምዃን ባህታ የሕድረልየ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ሕዝቢ ዘለዎም ምውቕን ልዑልን ርክብ ብፍላይ ድማ መስህቦ ሕዝቢ ኢኹም። እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ክኸውን ዝኽእል ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፦ ኣነ እውን ኣይርድኣንን እዩ። ኰይኑ ግና እቲ ክብሎ ዝደልይ ሕዝቢ ዝርድኦ ብምዃኑ እቲ ኣብ መንጐና ዘሎ ምርድዳእ የቀራርበና። ነዚ ድማ ብዙሓት ተሓባበርተይ ብፁዓን ካርዲናላት መስህብ ሕዝቢ ኢኹም እንክብሉ ይገልጽዎ። ምስ ሕዝቢ ምዃኑ ባህታ የሕድረለይ፣ እዚ እዩ ንዓይ ዝሕሸኒ። ሕይወተይ ኣብ ናይ ሕዝቢ ሕይወት ዝተላግበ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፣ ስለዚህ ብዘይ ሕዝቢ ብዘይ እዚ ርክብ ምስ ሕዝቢ ክነብር ዝኽእል ኰይኑ ኣይስምዓንን ኢሎም።

ርክባት ስነ ስርዓት ዕድመ ኣይፈትውን

ኣብ ኣርጀንቲና ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ ሓደ ሓደ እዋን ውጽእ ቢሎም ኣብ ጎዳናታት ቦኖስ ኣይረስ ብእግሪ ክጓዕዙን ናጻ ኰይኖም ኣብ ቤት መግቢ ብምኻድ ፒዛ ክምገቡን፣ እዚ ኵሉ ሎሚ ዝጐድሎም ምዃኑ ምስ ሓበሩ፣ እቲ ጋዜጠይና ፒዛ ናብ ቫቲካን ከተእዝዙን ትኽእሉ እንዲኹም እንክብሉ ነዘቕረበሎም ርእይቶ፣ እው ዝከኣል እዩ፣ ኰይኑ ግና ሓደ ኣይኰነን። ሎሚ ብእግሪ ክጓዓዝ ብናይ ትሕቲ መሬት ናይ ከተማ ባቡርን ብናይ ሕዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶቡስን ምጉዓዝን ኣብ ከተማን ሕይወት ከተማ ይጐድለኒ ቢሎም፣ ሓደ መዓልቲ ይብሉ ይብሉ ብመኪና ተሳፍረ እናተጓዕዝኩ እንከለኹ መስኮት ምዕጻው ረስኤ ብምንባረይ ሕዝቢ ኣብታ መኪና ር.ሊ.ጳ. ከምዘለዉ ምስ ኣስተውዓለ ዳርጋ ነታ ማኪና ዓጊትውዋ፣ ነቲ ዘዋሪ ናይታ ማኪና ኣብ ጸገም ኣእተዮ ኔረ ቢሎም፣ እወ ርክባት ስነ ስርዓትን ወግዓዊ ስነ ስርዓት ርክባትን ዕድመታትን ዘይፈትው ተባሂልኩም ትግለጹ? እወ ሓቂ እዩ።  ከምዚ ዓይነት ርክባት ዝሑል ርክባት ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፣ ከይኑ ግና መደብ ወግዓዊ ርክባት ክህሉ እንከሎ ንናይ ወግዓዊ ርክባት ስነ ስርዓት ክእዘዝን ከኽብርን ትሑዝ ምዃነይ ስለ ዝርድኣኒ ነዚ ኩነት ክነብሮ ይግደድ ኣሎኹ ኢሎም።

ጽቡቕ ይድቅስ ንጐሆ ሰዓት ኣርባዕተ እትንስእ፣ ድሕሪ ቐትሪ እውን ቁሩብ የዕርፍ

በቲ ዘለኩም ሓላፍነት ምኽንያትን ዋሕዲ እዋን ድቓስ ኣለኩም ዶ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፦ ኣብ ዓራት ክድይብን ክድቅስ ክወስደንን ሓደ እዩ። ምሸት ሰዓት ትሽዓተ ናብ ቤት መደቀሲ ይኣትው፣ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል መጽሓፍ የንብብ፣ ንጎሆ ሰዓት ኣርባዕተ እትንስእ እዚ ስነ ሕይወታዊ ሰዓተይ እዩ። ኣብ ደመይ ዘሎ ሰዓት እዩ። ድሕሪ ቐትሪ ነርብዓ ደቓይቕ ዝኣክል እውን የዕርፍ። እተን ዘዕርፈለን ኣርባዓ ደቓይቕ ዘይረኽበሉ እዋን ኣሎ። ብጠቕላላ ሽዱሽተ ሰዓት ከምዝድቅሱ ገሊጾም፣ ኣተሓሒዞም ድማ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቅዱስ ሲልቫኖ ዘሞንተ ኣቶስ ናይ ሓደ ዓቢይ ኣበ ነፍስ መንፈሳውነት እትዘንትው መጽሓፍ የንብቡ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ንዝሳቐዩን ብከቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑን እሱራትን ብንብዓት ተኻፋሊ ስቓይ ምዃን

ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮታትን ስብከታትን ምንባዕ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እንታይ ማለት እዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ። እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ስቓይን መከራን ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ሮሂንግያን ብከቢድ ሕማም ዝተጠቕዑ ሕጻናትን ክርእን ክራኸብን እንከሎኹ ብሓቂ የዕንተይ ብንብዓት ይሕጸብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ከካይዱ እንከለዉን፣ ገበን ኣይፍጽምን ዝብል ርግጸይናነት ሰብ የሎን፣ እቶም እሱራት ካባና ፍልይ ዘብሎም ንቤተ ማእሰርቲ ዝዳርጎም ገበን ምፍጻሞም እዩ። ነዓና ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ፍልይ ዘብለና ድማ ንቤት ማእሰርት ዘይዳርግ ገበን እንፍጽም ምዃንና እዩ። ነዚኣቶም ክርእይ እንከለኹ ብውሽጠይ እነብዕ፣ ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልቲ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘንበዖም ገሊጾም ንብዓተይ ከይረአይ ገዛእ ርእሰይ እውን እቆጻጻር እዚ ምቁጽጻር’ዚ ግና ንቕድሚት ክብል ከምዘሎኒ ዝሕብር እዩ ኢሎም።

ጸቕጥታት እንተዘይጠፍኤ እውን ጽዑቕ ህርመት ስራሕ አካይድ ኣለኹ

ብሓፈሻኡ ተባዕን ድምብርጽ ዘይብሎም ምፍራሕ እንታይ ምዃኑ ዘይፈልጡ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ኰይኑ ግና ኣካላዊ ስቓይ ከምዘፍርሖምን፣ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምዃንና እኣምን፣ ናይ ኣካል ስቓይ በዚ መልእክዕ’ዚ እየ ዝትንትኖ። ቀጺሎም እቶም ጋዜጠይና ካብቲ ዘቕረቡሎም ሕቶ ተበጊሶም ምስቲ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጸዋዕታኦም ዝተተሓሓዘ ጸቕጢ ኣሎ ዶ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጻዕቒ ዕዩ ኣሎኒ፣ ከምቲ ሓደ ተመሃራይ ኣብ ናይ መዛዘሚ ዓመት ትምህርቲ ዝነበሮ ጽዑቕ ኩነት ልክዕ ከምኡ ዓይነት ኩነት እነብር ኣለኹ ቢሎም፣ እቲ ዘጋጥም ሽግር ክትብሎን ከይትብሎ ዝግብኣካ ይሕብረካ እዩ። መራኸቢ ብዙሃን ይስዕበካ እዩ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ፣ ዝበልካዮ ቃል ካብ ታሪኻውን ኩነታውን ትሕዝቶኡ ቆንጺሎም ብዙሕ ትርጉም ክህብሉ ስለ ዝዀነ ምጥንቃቕ የድሊ። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ፖሊቲካዊ ጉዳይ ኣርጀንቲና ብዙሕ ከምዘይስዕብዎን እዚ ድማ ከምዘሕዝኖም ገሊጾም፣ ኣርጀንቲና ተኽእሎታትን ትዕድልቲታትን ዝመልኣ ሃገር ክነሳ ነዚ ኣብ ግብሪ ዘይተውዕል ሃገር ምዃና ብሓቂ ከምዘሕዝኖም ሓቢሮም።

ናይ ድኻታት ር.ሊ.ጳ? ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም

ብዙሕ ጊዜ መራኸቢ ብዙሃንን ብዙሓት ኣካላትን ሕዝብታት ዓለም ስለምታይ እዩ ናይ ድኻታት ር.ሊ.ጳ. ቢሎም ዝገልጽኹም? ድኽነትን ድኻታትን ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም፣ ኢየሱስ ንድኻታት ሓድሽ ቃል ከበስርን ምስ ድኻታት ከራኽብን እዩ መጺኡ። ካብ ወንጌል ድኽነት እንተድእ ኣሊኻ ወንጌል ክትርድኦ ኣይትኽእልን ትርጉም ዘይብሉ ኰይኑ ይተርፍ። ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋናዊ ዓለም ዓቢይ ጐዳኢ ተግባር ድኽነትን ምግባረ ብልሽውናን ሰብ ከም ግኡዝ ምሕሳብ ዝብል ባህሊ እዩ፣ እቲ ዘሕዝን ድኽነት ምሉእ ብምሉእ ምጥፋእ ጦቢያ (ኣብ ሃዋሁ ዘሎ ክረጋገጽ ዘይከኣል ትምኒት) ኰይኑ ምርኣይ እዩ። እቲ ሓቂ ግና እዚ ጦቢያ’ዚ እዩ ንቕድሚት ክትጓዓዝ ዝድርኸካ፣ እቲ ዓቢይ ሓዘን ሓደ መንእሰይ ጦቢያ ዘይብሉ ኰይኑ ምርኣይ እዩ። ንናይ ሕይወት ሽግራት ንምግጣም ተዘክሮን ብቕዓት ምስትውዓን ንህልዉ ኩነታት ንመጻኢ ዘቕንዕ ጦቢያ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮና ከነንብር ይግባእ ቢሎም፣ ኣብ መወዳእታ ብኸመይ ክትዝክሩ ትደልዩ ዝብል ካብ ጋዜጠይና ዅዋን በረታ ነዘቕረበሎም ሕቶ፦ ከም ሓደ ተራ ሰብ ጽቡቕ ንምግባር ዝፈተነ ኰይነ ክዝከር እደሊ፣ ካልእ ይግብኣኒ ዝብል ምኽንያት የብለይን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.