2015-05-23 16:55:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህይወታዊ ብዙሕነት


ሕቡራት መንግስታት ዓለም ድሕሪ እቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ ናይሮቢ ዛዕባ ህይወታዊ ብዙሕነት ዝብል ናይ ውዕሊ ሰነድ ዝሓንጸጸሉን ቀጺሉ ኣብ ሪዮ ደ ጃይነሮ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ናይ ናይሮቢ ውሳኔ ክታመን ኣንቢረን ተቐባልነቱ ምስ ዘረጋገጻሉ ዕለት ብምትሕሓዝ በቢ ዓመቱ ዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህይወታዊ ብዙሕነት ዕለት 22 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም  ህይወታዊ ብዙሕነት ተቐባልነት ንዘለዎ መደብ ልምዓት ብዝብል መርሕ ቃል ብዝተፈላለዩ ዓውደ ጉባኤታትን ናይ ዕዮ ጉባኤታትን ክንክንን ሓልዮ ህይወታዊ ብዙሕነት ብዘነቓቕሑ መደባት ተሰንዩ ከምእተብዓለ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኤውጀኒዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ህይወታዊ ብዙሕነት ቢልካ ክትዛረብ ቀሊል እዩ፣ ኰይኑ ግና እቲ ቓል ብዙሕ ትርጉም ዘጠቓልል ብምዃኑ እቲ ቀንዲ ትርጉሙ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝብል ምዃኑ ምፍላጡ የድሊ። ዘርኢ እንስሳውን ኣትክልታውን (ሓምላውን) ዝምልከትን ሰብኣዊ ባህልታትን ኣቀማምጣ መልክኣ ምድርታት ሃገራትን መግባውነትን ንገዛእ ርእሱ ህይወታዊ ብዙሕነት ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ምስ ምኅዳራዊ (ንቡር ከባቢ) ብዝተተሓሓዘ መገዲ ኣብ ልዕሊ ህይወታዊ ብዙሕነት ዝፍጸም መጉዳእቲ ኣብ ልዕሊ ግቡእ ኣገልግሎት ተፈጥሮ ዓቢይ ጉድኣት እዩ። ቀረብ ተፍጥሮ ዝሃስን ናይ ንጹህ ከባቢ ኣየርን ማይን ምጥቃስ ይከኣል፣ ባህርያዊ ከይዲ ምህዳርን ማያት ባሕርን ኰታ እቲ ተፈጥሮ ዝተዓደሎ ውድንንነት ወይ ድማ ሚዛናዊ ኣገባብ ምኅዳር (ከባቢ) የመዛበልን ሕይወትን ከባብን ንዓብይ ስግኣት የቃልዕ፣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን እተበርክቶ ኣስተዋጽኦን ኣብዚ መዳይ ኣትህቦ ሕንጸት ዓሚይቕ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮ ስነ ምግባር ምኽባርን ምንባርን ከምእተነቓቕሕን እዚ ድማ ናይ ሕይወት ባህሊ ቲይሎጊያ ቢላ እትገልጾ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ  በርጠለመዎስ ቀዳማይ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 10 ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ደሴት ሃልቂ ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካይድ ዛዕባ ከባብን ስነ ምህዳርን ዝዝትይ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ከምዝጸውዑ ናይ ቁስጥንጥንይ ናይ ውህደት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣዘኻኺሩ፣ እታ ብዙሕ ትጽቢት ተነቢሩላ ዘሎን ኣብ መዳይ ክንክን ጥዕና ምኅዳርን ህይወታዊ ብዙሕነትን ዓቢይ መርሕ ሓሳብ እተቕርብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስነ ምህዳር ኣማእኪሎም ዝደርስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ንንባብ ክበቅዕ ምዃኑ ሓቢሩ፣ ሃይማኖት ኣብ ክንክን ከባብን ህይወታዊ ብዙሕነትን ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ የመልክት።  








All the contents on this site are copyrighted ©.