2015-05-14 16:29:00

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ


ዕለት 13 ግንቦት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ከምዘብዓለት ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ እቲ ሓደ መግለጺ ኣኽብሮትን ውዳሴን ንኣኖ እግዚኣብሔር ከምዝዀነን፣ ኣኽብሮትን ውዳሴን ንማርያም ነቲ ናታ መፍንፈሳውነት ምምሳል ዝብል ክርስቲያናዊ ድላይን ቁርጺ ፍቓድን መግለጺ ምዃኑ ክምዘመልከቱን በዓለ ማርያም መጋበርያ ምሕረትን ለውሃትን እግዚኣብሔር እዩ። እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ስድራ ዝዕድሎ ምሕረቱን ሓልዮትን ዝምስክር በዓል እዩ። ብፍላይ ድማ ማዕልታዊ ብዝቐርብ ጸሎት መቍጸሪያ ዝንበርን ኣብ እዋን መስቀልን ስቓይን ህላዌ ማርያም ዘረጋገጽን ኣብ ስድራ ቤት ፍቕርን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ሓደራ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ምስ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ተተሓሒዙ ቅድሚ 34 ዓመት በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ልዕሊ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ዝዝከረሉ ኽኸውን እንከሎ፣ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማርያም ዓለም ሓቆፍ ተቛም ዘዳለዎ መልእኽታት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ናይ 1917 ግልጸት ማርያም ኣብ ፈጢማ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደን እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ጥልቂ ቲዮሎጊያ ግልጸተ ማርያምን ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ኣብ ስነ ማርያምን ምስቲ ናይ 1917 ዓ.ም. ግልጸተ ማርያም ኣብ ፋጢማ ኣተሓሒዙ ከምዝተንተነ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.