2015-05-12 16:11:00

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስቲያን ሎሚ እውን ብስም እግዚአብሔር ይቕተል


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ወትሩ ንጎሆ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 11 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ብምቕጻል፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም ሎሚ እውን ክርስቲያን ብስም እግዚኣብሔር ከምዝቕተልን፣ እምነት ብሰማዕትነት ንምምስካር ዘብቕዕ ሓይሊ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሎሚ እውን ንክርስቲያን ብምቕታል ንእግዚኣብሔር ኣምልኾ ምፍጻም እዩ ቢሎም ዝኣምኑ ኣለዉ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 15 ፍቕዲ 26 ምዕ. 16 ፍቕዲ 4  ዝተወስደ ምንባብ ጠቒሶም፣ እቲ ኣነ ካብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንንዒ ካብ ኣቦ ዝመጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ኪምስክረለይ እዩ። ብዙሕ ዝብለኩም ነገር ኔሩ ኰይኑ ግና እቲ ከበዱ ሕጂ ክትጾርዎ ዝከኣለኩም ኣይኰነን፣ ጰራቕሊጦስ እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፣ ናብ ምልኣት ሓቂ ክመርሓኩም እዩ፣ ኢየሱስ ከምዚ እንክብል ብዛዕባ መጻኢ ይዛረብ፣ ብዛዕባ መስቀል፣ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ንምስክርነት ክርስትና የሰናድወና፣ ብዛዕባ ስደትን መከራን መስቀልን ይዛረብ፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት በቲ ኢየሱስ ዝነገረናን ገሊኡ ድማ ስለ ዝኸብደና ከይነገረና ዝተረፈ ኩሉ ብዘዘኻኽርን ብዝነግርን መንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ እዩ። መንፈስ ቅዱስ መጓዕዝቲ እዩ፣ ካብቲ ዕንቅፋታ ዝዀነ መስቀል ይከላኸለልና፣ መስቀል ንኣይሁድ ዕንቅፋት ንግሪካውያን ድማ ዕሽነት፣ ነቶም ሓድሽ ጥበብን ሓደሽ ህልዮን ዝሓቱ ዕሽነት እዩ፣ ክርስትያን ግና እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኢዩ ዝሰብኽ። ደቀ መዛሙርቲ ብመስቀል ከይዕንቀፉ የሰናድዎም፣ ካብ ሙክራብ ክሰጉኹም እያቶም፣ ካብዚ ዝገደደ ድማ ንኣኻትኩም ብምቕታል ኣምልዀ ንእግዚኣብሔር ከምዝፍጽሙ ብዝኣምኑ ክትቕተሉ እውን ኢኻትኩም እንክብል ብዓንተዎ ከምዘሰናደዎም ገሊጾም።

ሎሚ እውም ብስም እግዚኣብሔር ናይ ደም ሰማዕትነት ዝቕበሉ ክርስቲያን ብዙሓት እያቶም፣ እቶም ብስም እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ምእመን መቕተልቲ ዝፍጽሙ ኣምልዀ ንእግዚኣብሔር ዝፍጽሙ ኰይኑ እዩ ዝስምዖም፣ እዚ እዩ ናይ ክርስቶስ መስቀል፣ ኣብን ወልድን ስለ ዘይፈለጡ፣ እዚ ኹሉ ክፍጽሙ እያቶም፣ ኣብ ልዕለይ ዝፈጸምዎ እዩ። ንኣኻትኩም እውን ከምኡ ከጋጥመኩም እዩ። ስደት መከራ ከጋጥመኩም እዩ። ሓደራ ኣይትሰናኸሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ክመርሓኩም ኩሉ ከብርሃልኩም እዩ።

ሓይሊ መንፈስ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ዝተቐትሉ ምእመናን ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያውያን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ብምኽንያት መዓልቲ ምሕዝነት ኦርቶዶክሳዊትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ምኽንያት ምስ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ተዎድሮስ ብስልኪ ከምእተራኸቡ ገሊጾም፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘኪሮም፣ እቶም ሓይሎም ካብ መንፈስ ቅዱስ ብምንባሩ ብመስቀል ኣይተሰናኸሉን፣ ኣብ ከንፈሮም ስም ኢየሱስ እናጸውዑ ዝተሰውኡ እያቶም። እዚ ኢዩ ሰማዕትነት፣ ልዑል ሰማዕትነት እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት ብዕለት ምስክርነት

እቲ ናብ ምልኣት ሓቂ ዝመርሓና ኢየሱስ ክሰደልኩም እየ ዝበለናን ክብለና ዝደለየ ኩሉ ዘዘኻኽረና መንፈስ ቅዱስ ዝዕድለና ናይ ትንሳኤ ፍርያማነት ዕለት ብዕለት ህልው ዝገበር ምስክርነት እውን ኣሎ። እቲ ናይ ሰማዕትነት ኣድማስ ክርስትና ዘየስተውዕል ክርስትያን መገዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይተረድኤ እዩ። እቲ ኢየሱስ ዘስተምሃረና መገዲ፣ መገዲ ሰማዕትነት እዩ። ዕለት ብዕለት ዝንበር ሰማዕትነት፣ ኣቦን ኣደን ኣብ ቤቶም ብዙሓት እውን በቲ ዘጋጥሞም ስቓይን መከራን ፍቕሪ ኢየሱስ ዝነብሩን ዕለት ብዕለት ዝነብርዎ ሰማዕትነት እዩ። እዚ ናይ ፋሲካ ጸጋ ዕለት ብዕለት ብመስቀል ከይተዓንቀፍና እንምስክሮ እዩ። መስከርቲ ጸጋ ፋሲካ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝለገስዎ ስብከት ኢየሱስ ዝበሎ ኩሉ ዘዘኻኽረናን ናብ ምልኣት ሓቂ ዝመርሓና ዕለት ብዕለት ንምስክርነት ዘሰናድወና ዕለት ብዕለት ሰማዕትነት ኣብ ምንባር ጸግዒ ዝዀነና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና ክንቕበል ዘብቅዕ ጸጋ ንጐይታ ንለምኖ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.