2015-05-07 16:24:00

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሰለስተ ሓደስቲ ቅዱሳን ሰለስተ ሓደስቲ ብፁዓን ክትጽገው እያ


ዕለት 6 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ  ኣማቶ ንዘቕረብሎም ናይ ቅድስናን ብፅዕናን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔርን ሓታቲ ሰነደ ኣዋጅ ተቐቢሎም ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ሰለስተ ቅድስና ዝእወጀሎም ሓዋርያ ካሊፎርንያ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ኣብ መክሲኮን ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካን ልኡከ ወንጌል ኰይኑ ኣስፍሆተ ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ዝመስከረ ዕለት 23 መስከረም ቅዱስነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅድስና ዝእውጅሉ ሓው ኹኒፐሮ ሰራን ከምኡ እውን ኣባ ቪቸንዞ ግሮሲን (ዕለት 23 መጋቢት 1845-ዕለት 7 ጥቅምቲ 1917 ዓ.ም.) መስራቲ ማሕበር ደናግል ደቂ ቤተ ጸሎት ፈታው ድኽነትን ወንጌል ብሃሴት ዝነበረን ኩሉ ወንጌል ብዘይ ትካዘ ብሃሴት ክነብርን ከበስርን ብዝነብሮ ዝነበረ ወንጌላዊ ሃሴት ዘስተምሃረን ማሪያ ዘንጽሕት ድንግል ማርያም ጠቕላሊት ሓላቓ ማሕበር ደናግል ደቂ መስቀል (ዕለት 20 ለካቲት 1926-ዕለት 31 ጥቅምቲ 1998 ዓ.ም.) ኣገልጋሊት ትሑንንን ትሕትን ተባሂለን ዝግለጻ ዘጠቓልል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ ብፅዕና ዝእወጀሎም ድማ ኣብ ላኦስ ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ክዀኑ እንከለዉ፣ ንሳእቶም ድማ ኣብ 1960 ዓ.ም. እምነት ብደሞም ዝመስከሩ ኣባላት ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ገዳማውያን ውኩፋነ ለማርያም ኢጣሊያዊ ኣባ ማሪዮ ቦርዛጋ ኣብ መበል 27 ዓመት ዕድሜኦም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ዓለማዊ ምእመን ተወላዲ ላኦስ ፓውሎ ዚጅ ሻዮጅን ኢጣሊያዊ ቆሞስ ኣባ ጃኮሞ ኣቦንዶ (ዕለት 27 ነሓሰ 1720- ዕለት 9 ለካቲት  1788 ዓ.ም.) ምእመናን ናይ ኣግዚኣብሔር ጽባቔን ለውሃትን ከለልዩ ብቓልን ሕይወትን ወንጌል ዝሰበኹ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ተወለድቲ ኢጣሊያ ሰብ ሓዳር ሹድሽተ ጸዋዕታ ገዳማውያን ዝተዓደሉን ክልተ ድማ ንኡሳን ኣሃው ማሕበር ካፑቺን ኽኮኑ ካብዞም ክልተ እቶም ሓደ ናይ ስሚርነ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ጀርማኖ በርናርዲኒ ዝርከብኦም ከምኡ እውን ዘዕበይዎ ኣልቦ ስድራ ኣብ ናይጀሪያ ጳጳስ ንኽዀኑ ዝተሰምዩን ብጠቕላላ ወለዲ 10 ሰርጆ በርናርዲኒን (ዕለት 20 ግንቦት 1882 ዓ.ም.-ዕለት 12 ጥቅምቲ 1966 ዓ.ም.) በዓልቲ ቤቶም ዶመኒካ በዶኒ (ዕለት 12 ሚያዝያ 1889 ዓ.ም.- ዕለት 9 ለካቲት 1971 ዓ.ም.) ንደቃቶም ቅዱሳት ኩኑ ስቓይ ብሓይሊ ስቓይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓገሱን ንበሩን ዝብል ዓሚዩቕ ትምህርተ ክርስቶስ ዘመሓላለፉ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ክስየሙ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ካልኦት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ዝስየሙ ድማ ተወላዲ ክሮኣዚያ ብፁዕ ኣቡነ ጃቺንቶ ቨራ (ዕለት 3 ሓምሌ 1813 ዓ.ም.-ዕለት 6 ግንቦት 1881 ዓ.ም.)፣ ኣንቶኒዮ ኣንተስ (16 ሚያዝያ 1893 ዓ.ም.-ዕለት 3 መጋቢት 1965 ዓ.ም.)፣ ፈረንሳዊት መስራቲት ማሕበር ደናግል ደቂ ሕያዋይ ጓሳ ጁሊያ ኮልበርቲ ኣብ ፋለቲ ዘባሮሎ (ዕለት 26 ሰነ 1786 ዓ.ም.-ዕለት 19 ጥሪ 1864 ዓ.ም.)፣ መስራቲት ማሕበር ደናግል ደቂ ንጽሕት ድንግል ማርያም ብሪጂዳ ማሪያ ፖስቶሪኖ (ዕለት 30 መጋቢት 1960 ዓ.ም.-ዕለት 19 ሕዳር 1960 ዓ.ም.)፣ ራፋኤላ ማሪያ ዘኢየሱስ ቅዱስ ቁርባን ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ካፑቺን ደቂ ቅድስቲ ኪያራ (ዕለት 31 መጋቢት 1915 ዓ.ም.-ዕለት 29 ግንቦት 1991 ዓ.ም.) ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.