2015-05-05 16:16:00

ቅዱስ ኣቦና፦ ዳንተ ኣሊጊየሪ ካብ ድቕድቕ ጸላም ምሕራር ሰብኣውነት ቅኒት ዘማሪ እዩ


ዳንተ ኣሊጊየሪ ናይ ተስፋ ነቢይን ኣብሳሪ ነጻነት ሰብኣዊ ፍጥረትን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢጣሊያ መበል 750 ልደት ናይቲ ዓቢይ ዓበይቲ ደራስን ገጣምን ዳንተ ኣሊጊየሪ ብእተብዕለሉ ዕለት ምኽንያት ብናይ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ኣቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ ዳንተ ኣሊጊየሪ ዓቢይ ዓበይቲ ገጣሚ፣ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ተኽእሎ ሓርነት ገጣምን ናይ ዓቢይን ዓሚይቕን ለውጢ ገጣሚ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰብኣዊ ዘይፍጹምነት ጎዶሎነት ድኻምነት ኰታ በቲ ሰብእዊ ውሱንነት ዘይዕገት ብቕዓት ምንዳይ ምሉእነት ለበስ ከምዝኾነን፣ እቲ ሰብኣዊ ውሱንነት ፍጥረት ሰብ ነታ እትበርቕ ጸሓይን ወርሕን ከየስተውዕል ዝዓግቶ ከምዘይኰነ ዘበስር እዩ።

ዳንተ ኣብ ናይ ግጥምታቱ ፍቕድታት ኣብ ዝትንትኖ ሓሳብ ኢመዋትነት እቲ ብርቱዕ ናይ ሕዳሴ መዓሙቕ ልቢ መዳይ ዝዀነ ልቢ ናብቲ ዓቢይ ደረት ሰገር ክፉት ካብ ምዃኑ ዝረጋገጽ ዓሚይቕ ምስትውዓል መረጋገጺ ከምዝኾነ ይገልጾ ቢሎም፣ ዳንተ ኣብቲ ብምልኣት ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ደሚቑ ናብ ዝረአየሉ ኵርናዕ ከነብል መታን ነቲ ሰብ ኣብ ናይ ሕይወት ጉዕዞኡ ዘጥፈኦን ዘደበኖንን ምስ ትርጉም ሕይወት ዳግም ክራኸብ ይዕድመና። ዳንተ ኣብ ናይ ድረስቱ ፍጻሜታት ከም ውልቅን ማሕበረ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ማሕበራውን ታሪኽን ነጋድን ተጓዓዝን ኰይኑ ይልለ፣ ናይቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ክፍጽሞ ዝተጸውዖ ሓቀይና ጉዕዞ ትርጉም ድማ ዳንተ ኣብቲ ናይ ንስሓ ቦታ እተሰምየ ድረሰቱ ከምዝገልጾ ካብቲ ኣዚዩ ኣረመን ዝገብረና መንበር ምልቓቕ እንክብል ይገልጾ።

ንባቤ ዳንተ ብሜላ ምንእኣስ ዘይምፍጻም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዙሓት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ድማ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድርሰታት ዳንተ ኣሊጊየሪ ብምልኣት ድኣ እምበር ብምንእኣስ ክንበብ ከምዘይግብኦ እንከመልክቱ ናይ ዳንተ ኣስተንፍሶ ካብቲ ኣብ መለኰት ዝነበሮ እምነት ዝፍልፍል እዩ፣ እንክብል ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣብ መናብርተ ጥበብን ኣቢያተ ትምህርትን ዝቐርብ ናይ ስነ ዳንተ መጽናዕቲ ምሉእነት ድኣ እምበር ብቑንጽልና ዝምራሕ ከይከውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ጳውሎስ ሻድሻይ ዳንተ ናይ ቤተ ክርስቲያን እዩ

ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣንክዓጽዉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ልዑል ማህሌት ኣብ እተሰምየ ሓዋርይዊ መልእኽቶም፦ ዳንተ ናትና እዩ፣ ብግልጺ እውን ካቶሊክ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኰነን፣ እወ ዳንተ ግብረኣውን ቀያርን እዩ፣ ዳንተ ብድርሰታት ኣቢሉ ናይ ግጥምታቱ ግሩምነትን ምልኩዕነትን ግብረ ገባዊ ሰናይነትን ዝገልጽ ዘይኰነስ ሰብ ካብ መሰረቱ ንኽልወጥን ካብቲ ዕግርግርን ስርዓተ ኣልቦነት ናብ ጥበብ ካብ ሓጢኣት ናብ ቅድስትና ካብ ክርፋሐን ሕሰምን ናብ ሓጐስ ካብቲ ዘስካሕክሕ ኣስተንትኖ ገሃነም እሳት ናብቲ ብጹእ ዝገብር ኣስተንትኖ መንግስተ ሰማይ ዝመርሕ እዩ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ብሓቂ ዳንተ ናትና ዘብል መረጋገጺ ምዃኑ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ካብ ሰፍሐ ባርዕ ናብ ህላዌ

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ጽሑፋቶም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዳንተ ኣሊጊየሪ ዝተወከሰ ሓሳብ የቕርቡ ከምዝበነበሩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ዕለት 29 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዓመተ እምነት Lumen fidei-ብርሃነ እምነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝስደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ከምዝገለጽዎን፣ ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓቢይን ዓሚይቕን ትርጉም ዘለዎ ዳንታዊ ቃላትን ምልክታን ከምእተወከሱን፣ ናይ እምነት ብርሃን ንምግላጽ መላእ ህልውና መታን ክኹላዕ ናይ እምነት ብርሃን ምርካብን ዳግም ምዕታርን የደሊ ዝበልዎ ሓሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝጠቐስዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብርሃን ኣብቲ ድቕድቕ ጸላም

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንክድምድሙ ዳንተ ምዝካርን ምኽባርን ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዎ ብናይ ዳንተ ተመክሮ ካብቲ ኣብ ምድራዊ ጉዕዞና ዘጋጥመና ድቕድቕ ጸላም ናብ ብርሃን ከነብል ዝተጸዋዕና ብምዃንና እቲ ናይ ታሪኽ ጉዕዞና ሸቶ ድማ እቲ ብኹሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ብርሑቕ ዝተጠመተን ዝተደለየን ጸሓይን ወርሕታትን ምስ ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ ምርኻብ ዝብል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.