2015-05-05 16:12:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ፦ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ መግለጺ ቅድስቲ መንበር እያቶም


ዕለት 4 ግንቦት 2015 ዓ.ም. እቶም ኣብ 1527 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ከተማ ሮማ ዘመተ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ቀለመንጦስ ሻምናይ ንሓደጋ ንኸይቃልዑ እንክብሉ ዝተሰውኡ 147 ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ንምዝካር ኣብ ዝተኻይደ ስነ ስርዓት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኣባላትን ስድራ ቤቶምን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ብሕያውነትን ሞያዊ ብቕዓትን እቲ ምስ ክርስቶስ ካብ ዘለኵም ዕርክነት ዝምንጭው ዓቢይ ፍቕሪ እተመሓላልፉ፣ መግለጺ ቅዱስቲ መንበር ኢኻትኩም ቢሎም፦ ምስ ክርስቶስን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምዃን እተስተማቕሩን እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ክርቶስ ዘለኩም ዕርክነት ዝተመስረተ እተቕርብዎ ኣገልግሎት እዩ። ክርስቶስ ኢዩ እቲ እውንተይና ንጉስ፣ ንሱ ንቕድሚት ይጓዓዝ ዕርክነቱ ዝደልዩ ድማ ይስዕብዎ፣ ሓደ ናይ ክርስቶስ ወትሃደር ኣብ ናይ ጐይታ ሕይወት ሱታፌ ዝነብር እዩ። እዚ እዩ ጸዋዕታ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውጢ ጸጥታ ስዊዘርላንድ። ኣድህቦ ክርስቶስ ናትኩም እትገብሩ የዕሩኽ ክርስቶስን ዕለት ብዕለት ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ክርስቶስን እትነብሩ፣ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኢኻትኩም። ሓደ ኣባል ጳጳሳዊ ሓለዊ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስዕብ ቤተ ክርስቲያን ዘፍቅር ሓቀይና ክርስቲያናዊ እምነት ዝነበር፣ ሓቀይና ክርስቲያን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ እተጓዓዝ ወንጌል እምነት ምንባር

ቅዱስ ኣቦና እምነት ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን  ዕለት ብዕለት ወንጌል ብምንባብን ዝንበር እዩ፣ እዚ ዓይነት እምነት ክንበርን ወንጌል ዕለት ብዕለት ክንበብን ሓደራ ቢሎም፣ ወንጌል ኣብ ኢድኩም ኣብ ጅባኹም ሒዝኩም ተጓዓዙ ጊዜ ምስ እትረኽቡ ኣንብብዎ። ቃል ወንጌል መርሕ ሕይወት እዩ። ጸሎት ኣዘውትሩ ጸሎት መቑጸርያ ሓደራ ኣዘውትሩ እዚ ኹሉ ድማ ንድኽታትን ንህሙማንን ነቲ ኣዚዩ ሓድሽ ቃል ብስራት ንዘድልዮ ንኸተገልግሉ ክሕግዘኩም እዩ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣፍሊጡ።

ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ መግለጺ ቅድስቲ መንበር እያቶም

ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ምስ ሕዝቢ ብምርኻብ ብትሕትናን ለውሃትን እቲ ምስ ክርስቶስ ካብ ዘለዎም ዓሚዩቕ ዕርክነት ዝምንጭው ፍቅሪ ዘመሓላልፉ እያቶም፣ ምእንቲ’ዚ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኢኻትኩም ነዚ ድማ የመስግነኩምን የበራትዓኩምን ስሌኹምን ምእንቲ ስድራ ኣባይትኹምን ወትሩ እጽልይ፣ ስለይ ምእንቲ እተቕርብዎ ጸሎት አመስግነኩም፣ ነቲ ናይ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓለውቲ ንዝዀኑ ቅዱሳት ማርቲኖ ሳባስቲያንን ኒኮላ ዘፍልይወ የማዕቁበኩም ልባዊም ምስጋናይ የቕርበልኩም እንክብሉ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.