2015-05-04 13:30:00

Expo Milano 20015 ናይ ምትሕብባርን ምትሕልላይን ምፍቅቃድን ጥምረት ዕድል ዝህብ አጋጣሚ ኢዩ።


ትማሊ ንግሆ ቅድሚ ቀትሪ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ Expo  ሚላኖ 20015  ንትዕይንተ ህዝቢ  ብወግዒ ተኸፊቱ ።  ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  መልእክተ ቪደዮ አተሐላሊፎም።አብቲ ዘተሐላለፍዎ  መልእክቲ  ኤክስፖ  ናይ ምትሕብባር ዓለም ለኸ ጥምረት አጋጣሚ ዝህብ ዕድል  ከም ዝኾነ ጠቂሶም  አብ ምሉእ ዓለም  ብጥሜት  ይሳቀ ንዘሎ ህዝቢ  ንምርዳእን ሕጽረት መግቢ ንምግታእን  ናይ አተሐሳስባ ለውጢ  ከም ዘድሊ  አገንዚቦም።

አተሐሒዞም አብ ዙርያ ዓለም ብሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ  ብጥሜት ይሳቀ ከም ዘሎ  ምሕሳብ ከም ዘድሊ አመልኪቶም ገጻት ናይቶም ብጥሜት ዝሳቀዩ ዘለዉ ሰባት ክንጥምት ይግባእ ኢሎም ።ብሚልዮን ዝቁጸሩ አህዛብ ዓለም  ብጥሜት ይሳቀዩ ከም ዘለዉ  ምዝካር ከም ዘድሊን ነዚ ብምግንዛብ  ሰብአዊ  ርሕራሔ  ከነርኢ  ምስ ነዳያት ክንተሐባበር ፍቅርን ርሕራሔን እነርእየሉ ግዜ ኢዩ”ሞ  ኤክስፖ ሚላኖ ናይ ምትሕብባርን ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ልግስናን ኤክስፖ ክኸውን ከም ዝምነዩ ዘምልከቱ ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ፡

ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ብ1992 አብቲ አብ ከተማ ሮማ ዝርከብ  ተቅዋም ሕርሻን መግብን ባይቶ ሕቡራት ሀገራት Fao  አብ ዝበጽሕሉ ግዜ  ብሚልዮን ዝቁጸር ሃቢ ብጥሜት እንተሰቃየ እንከሎ መግቢ ክባኽን ከም ዝርኤን እዚ ባህሊ ብኽነት  መግቢ”ዚ ካብ ሰብአዊ ሞራል ወጻኢ ከም ዝኾነ  ከም ዘተሐሳሰቡ  አዘኻኺሮም ።አተሐሒዞም አብ ርሑቅ ይኹን አብ ቀረባ ብጠንቂ ጥሜት ዝሳቀዩን ዝሞቱን ሕጻናት ከም ዘለዉ አብ ዕለታዊ  ተግባራት  ወዲ ሰብ ክዝከር ክሕሰበሉ ከም ዝግባእን እዚ ሰብአዊ ሐላፍነት ከም ዝኾነን አመልኪቶም ።’

አብ ምድሪ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን መግቢ አይምጠፍኤን ግን  እቲ  ዓቢ ሽግር  ፍትሐዊ ምክፍፋል  ሀብቲ ከም ዝኾነ ጠቂሶም አብ ልዕሊኡ ስስዔ ወዲ ሰብ ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል አጉል አተሐሳስባ  ጥሜት ንኽህሉ   አሉታዊ  አስተዋጽኦ ከም ዘለዎ  አብቲ ንኤክስፖ ሚላኖ ዘሕለፍዎ ቪደዮ መልእኽቲ  አገንዝቢቦም።

መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ንህዝበ ክርስትያን አብ ሰማይ ትነብር አቦና ሎሚ  ዕለታዊ መግቢ ሀበና ኢሉ ከም ዝምሀረናን እዚ ጸሎት”ዚ ክንደግም  ከለና ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዝምልከት ፍጡር ኩሉ ዕለታዊ መግቢ ክረክብ እንጽልዮ  ጸሎት ከም ዝኾነ  አዘኻኺርም።

ስለዚ ንሰማይን ንምድርን ንዝንቀሳቀስን ዘይንቀሳቀስን  ዝፈጠረ  ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር

 ኩሉ ወዲ ሰብ ናይቲ እግዚአብሔር  ዝፈጠሮ አካላዊን መንፈሳውን መግቢ ተሳታፊ ክኸውን ከም ዝድሊ አብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን”ዚ  ወዲ ሰብ ብስእነት ዕለታዊ መግቢ ክሳቀ ምርአይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ   ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  አብቲ ንኤክስፖ ሚላኖ ዘተሐላለፍዎ  መልእክተ ቪድዮ  አተሐሳሲቦም።ባሕቲ ግንቦት ዕለተ ሰራሕተኛታት ከም ዝኾነ ዘኪሮም እቶም  ስራሕ ዘለዎም  ናይ ስርሖም ጻማ ክረኽቡ እቶም ዘይብሎም ክአ ስራሕ ክረኽቡ  ተመንዮም ።ስራሕ  ሰብአዊ መሰል ሰብ  ድአምበር ግንዖ ከም ዘይኮነ ክአ አገንዚቦም።

እዚ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ  በቀዳማይ ሚኒስተር ማተዮ ረንጺ  ብወግዒ ዝተኸፍተ Expoሚላኖ 20015  ክሳዕ ዝመጽእ  ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 31 ከም ዝጸንሕ  ክፍለጥ እንከሎ  ዓለም ለኸ  Expo   ከም ዝኾነ  ይፍለጥ  145 ሀገራት  በቀጥታ  ናይዚ ኤክስፖ ሚላኖ ተሳተፍቲ ከም ዝኾና  ተፈሊጡ አሎ ።  እቲ ኤክስፖ ብወግዒ ምስ ተኸፍተ ድሮ 10 ሚልዮን  ቲኬት ተሸይጡ ከም ዝነበረ ይምልከት ።  ካብ ናይ ሚላኖ Expo ከይወጻእና እንከለና Corriere della Sera ዝተባህለ ዕለታዊ ጋዜጣ 

ንናይ መንግስቲ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ንሰርጂዮ ማታረላ ብዛዕባ Expo ሚላኖ  ዘለዎም ርእይቶ ሐቲትዎም  ክምልሱ  እንከለዉ ፡  ብሐፈሻ  ህዝቢ ዓለም  ዝምገበሉ  ነጥበ መቀይሮ Expo  ክኸውን  ዘለዎም ተስፋ  ጠቂሶም  እዚ  ወሳኒ  ነጥቢ ከም ዝኾነ አገንዚቦም። እዚ Expoዚ መግቢ  ሐይሊ ሕይወት ብዝብል ጭርሖ ይካየድ ከም ዘሎ  ክምልከት እንከሎ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ባህሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ  ሊቀ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ጂያንፍራንኮ  ራቫዚ ኮሚሳር ቫቲካን አብ ኤክስፖ ሚላኖ ተስይሞም አብቲ ቦታ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ አሎ ። ኮሚሳር ቫቲካን አብ ኤክስፖ ሚላኖ  ብጹዕ ካርዲናል ጂይን ፍራንኮ ራቫዚ ከም ዘምልከትዎ ቅድስቲ መንበር  አብ ዓበይቲ ዓለም ለኸ  ኤክስፖታት  ተሪፋ ከም ዘይትፈልጥ  ዘኪሮም ብ1981 ብምሕደራ ፒዮ ታሽዓይ  አብ ዓባይ ብሪጣንያ ርእሰ ከተማ ላንደን ስራሕን ኢንዱስትሪን ዝተኻየደ ዓለም  ሐቆፍExpo ብ1964 አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ  አብ ከተማ ኒውዮርክ  ዝተኻየደ ዓለም ለኸ  ትዕይንተ ኪነ ጥበብ ናይ ህቡብ ሚኬላንጀሎ ቅርጽታት ሒዛ ከም ዝተኻፈለት ነጊሮም።

ናይ ሚኬላንጀሎ  ኪነ ጥበብ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ቫቲካን ዝወጻሉ ግዜ ከም ዝነበረ ክአ አዘኻኺሮም።  አብዚ ትማሊ ዝተጀመረ   ኤክስፖ  ሚላኖ  ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዝኽአለ መደበረ ጥዕይንተ ህዝቢ  ከም ዘለዋ  ክአ  ተፈሊጡ አሎ ።

 

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.