2015-05-02 15:48:00

ኣየርላንድ፦ ምእንቲ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ማሕበረ ክርስቲያን


ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ንስደትን መከራን ምዝብልናን ዝዳረግ ዘሎ ኩነታት ማሕበረ ክርስቲያን ዓለም ብሱቕታ ዝርእዮ ከምዝመስል ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኣየርላንድ ምእንቲ እቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ንዝተፈላለየ ስቓይ ዝዳረጉ ንዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ዕለት 2 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑን ስብከት ዘስምዑን ኣብ ኣየርላንድ ናይ ቱኣም ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ኒርይ፦ ነቲ ስቓይን መከራን ስደትን ቅትለትን ማሕበረ ክርስቲያን ብሱቕታ ምርኣይ እናተለምደ ይመጽእ ከምዘሎን እዚ ድማ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑን ማሕበረሰብ ዓለም ስሌ’ቶም በቶም ኣኽረርቲ ጅሃዳውያን ዓመጽ ምኽንያት ዝስደዱን ዝቕተሉን ንስቓይን መከራን ዝዳረጉ ዘለዉ ማሕበረ ክርስትያን ክጣበቕን ኣብ ውሕስነትን ጸጥታን ድሕነት ክተግህ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኒርይ ዓለም ብሱቕታ ይርእይ ኣሎ እንክብሉ ዘቕረብዎ ነቲ ሱቕታ ዘውግዝ ሓሳብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሕዝባዊ ባይቶ ናይ እንግልጣር ነበር ዓቢይ ናይ ኣይሁድ እምነት መምህር ጆናታን ሳችስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ቕትለትን ዓመጽን ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝተፈጸመ ጸረ ኣይሁዳውያን ዓመጽ ዝመሳሰል እዩ እንክብሉ ንዝገለጽዎ ሓሳብ ዘዘኻኽር ምዃኑ የመልክት።

ኤውሮጳ ንስደትን መከራን ምእንቲ ዝዳረጉ ማሕበረ ክርስቲያን ክንክንን ሓላዋን ከሕይል

ብፁዕ ኣቡነ ኒርይ ነቶም ቤቶምን ንብረቶምን ዛሕዚሖም ዝስደዱን ዝመዛበሉን ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራኽን ሰሜን ኣፍሪቃን ኤውሮጳ ከተእንግዶምን ብዛዕባኦም ዓለም ሓቆፍ መልሲ ክህበሉን ነቲ ዝወርዶም መዓትን መከራን ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ከተባባዕ መታን መንግስቲ ኣይርላንድ ድምጹ ከስምዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓቃቢ ሰላም ተልእዀ ኣየር ላንድ ዝጸንሔ ቀጻሊ ዝነኣድ ሱታፌ ከምዘለዋ ዘኪሮም፣ ምእንቲ ሕቶ ስደተይናን ዝመዛበልን ማሕበረ ክርስቲያን ማከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳ ክግደስን መልሲ ኣብ ምቕራብ መዳይ ክተግህ መታን መንግስቲ ኣየርላንድ ጐስጓስ ካካይድ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣየርላንድ ነቶም ዝስደዱን ኣደዳ ዓመጽን ዝዀኑ ዘከእንግድ ክፉት ልቢ ይሃልዎ

ዜጋታትን ብፍላይ ድማ ምእመናን ነቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተራእየ ስደትን ምዝብልናን መካራን ዝመዓራረይ ዓመጽን ስደትን ዘጋጥሞ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ግዳሴ ክህልዎምን ሕደራ ቢሎም፣ ባሕሪ መዲትራኒያን ኣብ ቅድሚ እቲ እናረኣየ ከምዘይረኣየ ኰይኑ ዘይምግዳስ ከም ልሙድን ቅቡልን ገይሩ ዝነብር ዓለም እቲ እዚዩ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ ኰይኑ ኣሎ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ስቓይን መከራን ሞትን ልባትና ክንዓጽው ኣይግባእን፣ ኣብ ምእንጋዶም ንትጋህ ሓደራ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.