2015-04-30 16:31:00

ብሩንዲ፦ ብፁዕ ኣቡነ ንጎያጎየ ዓመጽ ደው ንኽብል ጻውዒት ኣቕሪቦም


ኣብ ብሩንዲ ናይ ቡጁምብራ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኤቫሪስተ ንጐያጐየ ኣብ ብሩንዲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ዘብቅዕ ዘሎ ርእሰ ብሔር ፒየረ ንኩሩንዚዛ ንሳልሳይ ጊዜ ሕጹይ ኰይኖም ክቐርቡ ምዃኖም ምስ ተገልጸ ዝተበገሰ ሕዝባዊ ተቓውሞ ኣዚዩ እናሰፍሔ ነታ ሃገር ናብ ዓመጽን ሕድ ሕዳዊ ግጭት ክመርሓ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቦም ዝኾነ ይዅን ግጭት ምኣስ ከምእተጀመረ ደኣ እምበር መኣስ ከምዘብቕዕ ዘይፍሉጥ እዩ፣ ስለዚ ንእዋናዊ ጸገም ብሩንዲ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ጻውዒት ክምዘቕረቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሓይሊ ጸጥታን ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነቲ ተባሪዑ ዘሎ ሕዝባዊ ተቓውሞ ንምዕጋት ተዋፊሮም ከምዘለዉን በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሁከት ሽዱሽተ ዜጋታት ከምእተቐትሉን ዝሓበረ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ብፁዕ ኣቡነ ንጐያጐየ ሕዝባዊ መረጻ መግለጺ ዴሞክራስን ፖለቲካዊ ብስለትን ደኣ እምበር በመገሲ ዓመጽን ቅልውላውን ክኸውን ከምዘይግብኦ ዝዀነ ይዅን ዓመጽ ካብ ዝዀነ ይዅን ክፍሊ ማሕበረሰብ እውን ይንቀል ኩኑን እዩ ቢሎም እቲ ተበጊሱ ዘሎ ዓመጽ ብዓንተውኡ እንተድኣ ዘይጠፍሔ ካብ ከቢድ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቦም ጻውዒት ሰላም ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

 








All the contents on this site are copyrighted ©.