2015-04-28 16:33:00

ከንያ፦ ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ጸኣት ኣፍሪቃውያን ምውጋድ


ዘይሕጋዊ ጸኣት ኣፊቃውን ናብ ኤውሮጳ ንምውጋድ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ንገወ ኣብ ሞናኮ ናይ ሞናኰ ልኡከ ወንጌል ማሕበር ኣብ ዘዳልዎ ዓውደ ጉባኤ ሱታፌ ፍጻሜ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘስመርሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ንገወ ኣብ ጋሪሳ ሰሜናዊ ኬንያ ዝተፈጸመን 148 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ዘኪሮም፣ እቲ በቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተፈጸመ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣብ ኬንያ ብናይ ምስልምና ሃይማኖት መራሕቲ እውን ከምዝተዀነነ ገሊጾም፣ ድሕሪ እቲ በቲ ኣል ሻባብ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሶማላዊ ጉጅለ ኣሸበርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝፍጽሞ ናይ ሽበራ መጥቃዕትቲ ምኽንያት መንግስቲ ከንያ ኬንያን ሶማሊያን ኣብ ዘድቡ ከባቢ ዝርከብ ዳዳብ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰፈር መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሶማል ንኽዓጽዎ ምዃኑ ብወግዒ ከምዝፍለጠን ኣብቲ መዕቆቢ ሰፈር 350 ሺሕ ዝግመቱ ተመዛበልቲ ሶማል ከምዘለዉ ብፁዕ ካርዲናል ንገወ ሓቢሮም ኣብቲ ኬንያን ሶማልን ዘዳብዎ ዝቖመ መዕቆቢ ስደተይናታት ሰፈር ገለ ገለ ኣባላት ኣልሽባብ ጾሊቖም ምስቶም ንጹሓን ሶማላውያን ተሓዊሶም ከምዝርከቡ ዝጥርጠር ምዃኑ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ ዝተኸስተ ግብረ ሽበራ ዝምስክሮ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከይዕጸው ዝብል ተስፋ ብፁዕነቶም ኣቃሊሖም ንኸይዕጸው ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከንያ ምስ መንግስቲ ናይሮቢ ትመያየጠሉ ከምዘላ ሓቢሮም።     








All the contents on this site are copyrighted ©.