2015-04-28 16:29:00

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ደገፍ ሕዝቢ ነፓል


ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 25 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ነፓል ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ክሳብ 4 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞን ልዕሊ ሽዱሽተ ሺሕ ዝግመት ድማ ከቢንድ ቀሊልን ማሕሰይቲ ከምዘጓነፎ እንክሕበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ በቲ እዚዩ ከቢድ ዝዀነ ሓደጋ ርእደ መሬት ዝጠቐዔ ሕዝቢ ካብ መላእ ዓለም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ይቐርብ ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም

ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣስተምህሮ ቅድሚ ምቕራቦምን ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ቅድሚ ምዕራጎም ነቲ ኣብ ነፓል ዝተኸስተ ርእደ መሬት ጠቒሶም ነቶም ናይ ሞትን ነቶም ናይ ማሕሰይቲ ሓደጋ ዘጓነፎምን ቤቶምን ንብረቶምን ዝዓነሞምን ዝተመዛበሉን ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝዘከራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ኣስዒበን፣ ብፍላይ በቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ኣዚያ ዝተጠቕዔትን እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ትምህርትን ባህልን ስነ ምርምርን ማሕበር ሃብቲ ዓለም እንክብል ቅርሲ ዘረኢ ሰብ ቢሉ ዝስመያ ታሪኻዊት ከተማ ደው ቢላ ዝነበረት ከተማ ቢልካ ንምእማኑ እተጸግም ብኩለ መዳይ ዝዓነወት ከተማ ካታማንዱ ክትርእይ እቲ ርእደ መሬት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ከምዝነበረ ትርዳእ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነት እዚዩ ጽንኩር ምዃኑ ኣብ ሲንግ ባም ናይ ሓይሊ ጸጥታ ወሃቢ ቃል ካማል ከምዝገለጹ ሓቢረን፣ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኣብ ረድኤት ተዋፊሮም ከምዝርከቡን፣ መራኸቢ መገድታት ከምዝዓነወን እዚ ድማ ናብተን ርሒቕ ቢለን ናብ ዝረከባ ከተማታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ንዝካይድ ዘሎ ጻዕሪ የደናጉዮ ከምዘሎ ኣኩይላኒ ሓቢረን።

ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ክንክን ጥዕና ኣባይቲ ሕክምና ብዝተጎድኡ ዜጋታት ከምዘዕለቕለቐ ካብ ክፍልጥ እንከሎ፣ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንዝተጎድኤ ሕዝቢ ሓገዝ ዝውዕል 3 ሚሊዮን ኤውሮ ከምዝወፈየን ኣብ ህንድን ነፓልን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፐናኪዮ ምስ ናይ ነፓል ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሲሚክ ስለ እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ነፓል ኣመሓዳር ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፒዩስ ፐሩማና እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ኣብ ደገፍ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ተዋፊሩ የገልግል ከምዘሎ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘከየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም ናይቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ቁጽሪ ካብቲ ዝተውህበ ጸብጻብ ክብ ክብል ከምዝኽእል ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.