2015-04-28 16:12:00

ቅድስቲ መንበርን ስዊድንን


ዕለት 27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ስድራ ቤተን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ነዘካይዳ ዘለዋ ናይ ስዊድን ንግስቲ ሲልቪያ በዓልቲ ስዊድን ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዝግበ ምስ ስድራ ቤተን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ድሕሪ ቐትሪ ናይ ስዊድን ንግስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ስነ ምርምር ተቛም ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስዊድን ልኡከ መንግስቲ ምስ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበራዊ ምርምር ተቛም ብምትሕብባር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ከምእተሳተፋ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ጸረ ንግድ ዘርኢ ሰብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ከምዝነበረን እቶም ዘርኢ ሰብ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ንዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት መጋበሪያ ኽኸውን ኣሚቶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዘማእከለን ነቶም ናይ ገበን ጉጅለታትን ጸረ ሰብኣዊ ተግባራቶም ንምቅዋምን ከምዚ ዓይነት ጸያፍ ተግባር ከይህሉ ንዝግበር ጻዕሪ ደጋፊ መርሃ መገዲ ንምምልካት ዝኣመተ ምንባሩ ኣመልኪቱ።

ንግስቲ ሲልቪያ በዓልቲ ስዊድን እቲ ዘካይድኦ ምብጻሕን ሱታፌ ኣብ ዓውደ ጉባኤን ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ንዝርከብ ብሓልዮትን ደገፍን ማሕበር ጉስታቭ ሻድሻይ ኣዶልፍ ዝቖመ ናይ ዕደላ ጠረጴዛ ብወግዒ መሪቐን ንምኽፋት ኣብ ዝተገብረ ናይ ምረቓ ስነ ስርዓት ብምስታፍ ከምዘጠቓለላ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ስዊድን ንግስቲ ቋንቋ ስፓኒሽ ዝፈልጣ ብምዃነን ድማ ብቋንቋ ስፓኒሽ ምክያዱን ንግስቲ ሲልቪያ በዓልቲ ስዊድን ኣብ ስዊድን ዘነቓቐሐኦን ንሓልዮ ሕጻናት ዝኣመተ መደባት ግብረ ሰናይን ሕንጸትን ንቕዱስ ኣቦና ከምዝገለጻን ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ስዊድን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለያ ሽግር ንዝስደዱ ተቐቢላ ብምእንጋዳን ንምእንጋዶም እተካይዶ ጻዕርን ከምዝነኣዱን፣ ንግስቲ ስዊድን ንቕዱስ ኣቦና ሰለስተ ነኣሽቱ ኣብ ስዊድን ዘገልግል ናይ ጸሎት መጻሕፍቲ ገጸ በረከት ከምዘቕረባን፣ እዚ ድማ ናይቲ ባዕለን ንደቀን ዝህብኦ ሃይማኖታዊ ሕንጸትን ዘነጽር ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ክርስቲያናዊ ተግባረን ንኢዶም ከምዘተባብዑን፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ምስ ጓል ሓደ ዓመት ዝዕድሜኣ ጓለን ዝመጻ ልዕልቲ ማደላይነን በዓል ቤተንን እውን ከምእተሳተፋን ቅዱስ ኣቦና ምስታ መንእሰይ ስድራ ቤት ሓሳብ ንሓሳብ እውን ከምእተለዋወጡ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.