2015-04-28 16:15:00

ቅድስቲ መንበር


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ናይ ሃይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ሪካርዶ ሰኚን ቀጺሎም ኣብ ግብጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዓረብ ሊግ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ናይ ኣባሪ ስዩም ጳጳስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ሙሳሮንን ከምኡ እውን ኣብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቱስካኒያ ስዩም ጳጳስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆርጆ ሊንጓ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሳንታ ፈ ርእሰ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ጆርቦኤ ሺሃን ብዕድም ምኽንያት ካብ ናይ ሓዋርያዊ መስተናብር ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክሰናበቱ ንዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ከምዝሃብሉን ነቶም ናይ ሳልት ልከ ሲቲ ጳጳስ ኰይኖን ንዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ኣቡነ ጆን ቻርለስ ወስትሰር ናይ ሳንታ ፈ ሜጥሮፖሊታ ንኽዀኑ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.