2015-04-25 16:35:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንብፁዓን ጳጳሳት ናሚቢያን ሎሰቶን፦ ኣቃልቦ ንድኻታትን ኣባይቲ ስድራን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ብቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽንያት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ናሚቢያን ሎሰቶን ብፁዓን ጳጳስት ተቐቢሎም ስድራ ቤትን ድኻታትን ውዕዉዕ ሱታፌ ዓለማዊ ምእመናንን ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ኣርእስታት ዘተኮረ ምዕዳን ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደብ፣ ዓቢይ ኣቃልቦ ንድኻታትን

ኣብቲ ዝሕንጸጽ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ነቶም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ማእከል ዝዀኑ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ከይርስዑ ሓደራ፣ ንድኻታት ዓቢይ ቆላሕታን፣ ሕይወት ኣብ ናይ ውልቃዊ ረብሓን ድላይን ክንብርከኽ እንከሎ ንኻልእ ቦታ ከምዘይህሉን ንድኻታት ማዕጾ ይዓጽው፣ ኣብ መንጐ እዞም ድኻታት ድማ እቶም ብሕማም ኤይድስ ዝተለኽፉን ዝተንፈጸሉን እውን ከምዘለዉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፣ ኣብ ውልቃውን ማሕበራውን ሕይወት ስስዔን ንኣይነትን ክስገር ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንቤተ ክርስቲያን እዋናዊ ዓቢይ ብድሆ እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ናሚቢያን ሎሰቶን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዓቢይ ብድሆ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ክትገጥሞን ክትስዕሮን ዝተጸውዔት ምዃና ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝንዛሕ ምዝቡል ርእይቶ ጥዑይ ሕይወት ስድራ ቤት ምንቕቓሕ

እቲ ሓደ ሕጹጽ ኣገዳሲ ድማ ስድራ ቤት ዝምልከት ጉዳይ እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ብዙሓታ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራ ብምኽንያት ስራሕን ሞያን ከምኡ እውን ብጠንቂ ፍትሕን ምፍልላይን ፋሕ ዝበሉ ምዃኖም ጠቒሶም ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኣብ ጸገም ዝርከብ ኣባይቲ ስድራ ቀረባ ኰይና ሓቀይና ትርጉም ምስጢረ ተኽሊል ብምቕራብ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ብምህናጽ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝንዛሕ ምዝቡል ርእይቶ ጥዑይ ሕይወት ስድራ ቤት ከተነቓቕሕ ከምዘተሓሳሰቡን፣ ኣብቲ ጸረ ሕይወት ዝሰፍሓሉ ኩነት ናይ ሕይወት ባህሊ ከተቕርብን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዕቃቤ መሰረት ምዕቡል ሕብረተሰብ ከምዝዀነን ጸረ ሕይወት ዝኾነ ባህሊ ምዕቡል ሕብረተሰብ ከቕውን ዝዳርግ እዩ፣ ይቕረ ናይ ምብህሃልን ምምሕሓርን ባህሊ ከተስፍሕን እቲ ዝበጽሓና ምሕረት እግዚኣብሔር ከተበስርን ክትነብርን ሓደራ። ካብቲ ጥዑይ ስድራ ቤት ጥዑዕ ጸዋዕታ ይምንጭው፣ ካብታ ብዘይ ቅድመ ኵነት ብነጻ ምፍቃር ብፍላይ ድማ ምፍቃር ንድኻታት እተስተምህርን ኣብዚ ጉዳይ እትሓንጽ ስድራ ቤት መሰረት ጥዑይ ጸዋዕታ እያ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ኣብ ንጽሕናን ድኽነት ካብ ንዋታዊ ሃብቲ ዝተፈልየ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ካህናት

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝረኣይ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ሕይወትካ ንክርስቶስ ምውፋይ ዝህቦ ብተመክሮ ዝንበር ሓጎስን ርውየትን ብግልጺ ብቓልን ሕይወትን ምምስካር ይግብኦም፣ ምኽንያት ዋሕዲ ጸዋዕታ እግዚኣብሔር ስለ ዘይጽውዕ ዘይኰነስ ዝተጽውዔ ዝነብሮ ላንጋላንጋ ሕይወት እዩ። ናይ ካህናት ንጽሕናን ካብ ሃብቲ ዓለም ዝተፈልየ ሕጉስ ሕይወት ኣብ ቃልን ሕይወትን ዝተመርኰዘ ምስክርነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ንቑሕ ሱታፌ ዓለማዊ ካቶሊክ ምእመናን

እቲ ግድነታዊ ዝዀነ ሱታፌ ዓለማዊ ምእመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምውዖ ምዕዳን ጠቒሶም፣ ናይ ዓለማዊ ምእመን ተራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክተባባዕን ክነቓቓሕን ከምዘለዎን ሕንጸት ዓለማዊ ምእመን ብስብከተ ወንጌል እዩ ዝረጋገጽ፣ ብወንጌል ተሓኒጹ ወንጌል ዘብስር ዓለማዊ ምአመን፣ ኣብ ኩሉ መዳይ ወንጌልን ምሕረት እግዚኣብሔርን ዝዘርእ፣ ብሓቀይና ክርስቲያናዊ ሕይወት ዝምራሕ ምሉእ ሰብኣውነት መሠረት ዝምስከርን ናብቲ ሓቀይና ሕጐስ ብዝመርሖ ጉዕዞ ዝቃላሕ እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.