2015-04-25 19:24:00

መራሕቲ ዓለም መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ ኅልቂትን ሰማዕትነትን አርመናውያን ገሮም፣


ናይ ሎም ሚእቲ ዓመት ብ1915 ዓምፈ ብግዝአት ኦቶማን ዝፍለጥ ግዝአት ቱርኪ ልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቃን ዝኾኑ አርመናውያን ክርስትያን ብዝተፈላለየ ሜላ ከምዘኅለቀ እንክዝከር ነዚ ኅልቂት እዚ ብጽንተት ደቂ አዳም ማለት ጀኖሳይድ ዝገልጽዎ ውሑዳት ቅንዕና ዝዓጠቃ ሃገራት መራሕቲ ዝርከብዎም ናይ ሩስያ መራሒ ቭላድሚር ፑቲንን ናይ ፈረሳይ መራሒ ፍራንስዋ ኦላንድ ዝተሳተፍዎ አብ ኤረቫን ዝበሃል ቦታ አርመን ተዘኪሩ፣ ናይ ኩሎም አርመናውያን ካቶሊኮስ አቡነ ካረኪን ዳግማዊ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን አብ ካተድራል ና ኤችምያድዚን ዓሪጉ፣ ብፁዕነቶም አብቲ ዝ ዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንኩሎም ካብ 1915 ክሳብ 1917 ዓምፈ ዝኃለቁ አርመናውያን ቅዱሳን ቢሎም ሥር ዓተ ቅድስናኦም ከምዝፈጸሙውን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብቲ ሥርዓት ብናይ ሓድነት ክርስትያን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ፕረሲደት ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምውካል ተሳቲፎም፣

ከምዝዝከር ር.ሊ.ጳ አብ ዝሓለፈ ሶሙን ነዚ ፍጻሜ እዚ ጽንተት ደቂ ሰባት ማለት ጀኖሳይድ ቢሎም ብምጥቃሶም ካብ መራሔ ሃገር ናይ ቱርክ ብርቱዕ ወቀሳ ስዒቡ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተባህለ ኢዩም ደጊሞም፣ ቱርኪ ነዚ ሓልፍነት ክትቅበል ክሳብ ዘይከአለትን ይቅሬታ ዘይሓተተትን እቲ በሰላ ከሓዊ አጸጋሚ ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ፣ ብኅልፊ ነቲ ሥር ዓተ ዝኽሪ ዝመርሑ ናይ አርመንያ ፕረሲደንት ሰርዝ ሳርኪስያን አብ ዘስመዖ ቃል “እቶም ቅድሚ ተገሊጾም ዘለው ናይዚ አሰቃቂ ፍጻሜ ከም ጽንተት ዘመደ አዳም ነቲ ንሚእቲ ዝጸንሔ ናይ ክሕደት ድነ ቀንጢጡ አብ ምርድዳእን ምምሕሓርን ከብጽሓና እምነ” ቢሎም፣ አብቲ ሥነ ሥር ዓት ካብ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት ፍርንስዋ ኦላንድን ናይ ጀርመን ፕረሲደንት ⶎአኪም ጎክን አግሂዶም እዚ ፍጻሜ እዚ ጀኖሳይድ ኢዩ ማለት ጽንተት ዘመደ አዳም ኢዩ ብማለት አቍዋም ሃገራቶም ገሊጾም፣ ነዛ ቃልዚአ ወላ ናይታ ር እሰ ኃያላን እትበሃል ኅቡራት መንግሥታት አመሪካ መራሒ እውን ክብላ አይደፈረን፣ ፕርሲደንት ቱርኪ ታዪፕ ኤርዶጋን ብወገኑ እዚ መሠረት ዘይብሉ ኢዩ እንክብል ገና ነቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዝተገብረ ጽንተት ዘመደ አዳም ከምዝከሓዶ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ፣

ምስዚ ተታሓሒዙ አብ ዝመጸ ዜና ዓበይቲ ናይ አብያተ ክርስትያን ጉባኤታት ማለት ናይ ኤውሮጳ አብያተ ክርስትያን ጉባኤ፤ ወከልቲ ኦርቶዶክሳውያን አብያተ ክርስትያን፣ ኦርቶዶክሳውያን ብራቃውያን/ኦርየንታሊ ከማ ኡ እውን አንግሊካውያንን ፕርተስታን ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.