2015-04-23 16:52:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሰብ ነቲ ኣብ መንጐ ፈጣርን ፍጥረትን ዘሎ መለኰታዊ ምኡዝ ውህደት ይዓቅብ


ዕለት 22 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ኣብታ ዕለት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዝዝከር ምዃኑ ገሊጾም፦ “ዓለም ብዓይኒ እቲ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ክርአ ከምዘለዎን እዚ ድማ መሬት ብኹሉ ሸነኽ ዕቃበን ክንክንን ከምዘድልዮን ክለምዕን ዝግብኦ ምዃኑ የተሓሳስብ” ኣንክብሉ ኣብዚ ሓሳብ’ዚ ዘማእከለ ዘረባ ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ኣብ መንጐ ሰብን ተፈጥሮን ዘሎ ርክብ ብሉጽ ንኽኸውን ካብ ዘብቅዑ ተግባራት ሓደ ቅኑዕን ጥዑይን ማዕረኣዊ ዕደላ መግቢ ዝብል ከምዝዀነን፣ መግብን መሬትን ዝልወጠን ዝሽየጥን ንብረት ወይ ድማ ነገረ ዕዳጋ ዘይኰነስ፣ ዝከፈል ይከፈል ብዅሉ መዳይ ክንክን ዘድልዮ ናይ ሓባር ጥቕሚ እዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና መዓልቲ መሬት ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መንጐ ሰብን ፈጣርን ዘሎ ርክብም መሰረት ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፦ “ሰብ ምስ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘለዎ ርክብ ብስስዔን ብውናኔን ምዝመዛን ዝምራሕ ክኸውን ዘይኰነስ ኣብ ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምኡ እውን ንናይ መጻኢ ወለዶ ነዘማዕድው ኣገልግሎት ክውዕል ብዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዝተፈጥረ ብምዃኑ ምክብባርን ክንክንን ሓለዋን ኣብ ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ዝጸንዔ ርክብ፣ እዚ ማለት ድማ ኣብ መንጐ ፍጥረትን ፈጣርን ዘሎ መለኰታዊ ምኡዝ ውህደት ዝዕቅብ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል እዩ ከምብዝሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ራቪያርት ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ኣመልኪቶም ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኑንዚዮ ጋላንቲኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ደረት ኣልቦ ጽዑቕ ምዝመዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ናይታ እንነብረላ መሬት ምርግጋእ ንሓደጋ ዘቃልዕን ንናይ ኤኮኖሚ መኽሰብ ድለባ ዝኣመተ ወጋንን ነጻልን ስሱዕ ድላይ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ሰሜን ዓለም እንርእዮ ልሙድ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ምህርቲ መግቢ ዝጉሕፍን እቲ ደቡብ ዓለም ድማ ብስእነት መግቢ ክሳቐን ብጥምየት ንሞት ይዳርግ ኣሎ። ምእንቲ’ዝ ሓድሽ ከይዲ ኤኮኖምን ባህልን ወሳኒ እዩ ኢሎም።

ቅድም ቀዳድም ይብሉ ብፁዕነቶም ኣብ ማዕረኣዊ ዕደላ ሃብቲ ተፈጥሮ ዝኣምን ከይዲ ኤኮኖምን ሕንጸት ኣብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ይኣኽለኒ ኣብ ዝብል ዘይስሱዕ ርእሰ ምቁጽጻር ዝድግፍ ከይዲ የድሊ፣ እዚ ድማ ናይ ካልእ ማለት ናይ ኣሕዋትን ኣሓትን መሰረታዊ ድላይ ከርውይ ዝኽእል ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዘለልይን ኣለልዩ ድማ ንምቕራብ መታን ክከኣል ድላይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝጥምት ዓይንን ልብን ክህሉ ዝድግፍ እዩ። ኣብ ሰሜን ዓለም ኣብ ዓበይቲ ናይ መግቢ መሸጣ ኣባይቲ ካብ ዝቐርብ መግብኣዊ ምህርቲ እቲ 40% ስለ ዘይተሸጠ ዝድርበይ እዩ፣ እዚ ከምዚ ክኸውን እንከሎ ኣብ ዓለም ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝመውት ክህሉ ዶ ምተገብኤ። ኰይኑ ግና ከምቲ ክኸውን ዘይግብኦ ስለ ዝኾነ ድማ ካብቲ ፍጥረት ሰብ ምንባርን ምህላውን ምምዛዕ ኰይኑ፣ እዚ ንገዛእ ርእሱ ሰብኣዊ ክብሩን ክዓብን ገዛእ ርእሱ ክገልጽን ኰታ ኩለ መሰረታዊ ክብሩን መሰልን ምግሃስ የስዕብ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕሕት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.