2015-04-21 17:02:00

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝፍጸም ጅማላዊ ቅትለት


ናይ ስደትይናታትን ተጓዓዝትን ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ዕለት 19 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት ጸሎት ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ማእለያ ዘይብሎም ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዘጋጥሞምን ብፍላይ ድማ እቲ ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ካብ 700 ክሳብ 950 ሞይቶም ተባሂሉ

ዝንገረሉ ዘሎ ዜና ሓደጋ ሞት ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ጠቒሶም ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ከይክሰት ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተባዕ ውሳኔ ከረጋግጽን ሓለዋን ክንክን ስደተይናታትን ከተባብዕ ኣተሓሳሲቦም እቶም ተስፋ ኣሚቶም ካብ ጥመየትን ውግእን ዓመጽን ምዝመዛን ገዛእ ርእሶም ከናግፉ ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም ዝበልዎ ሓሳብ ኣሞርኵይዞም ምስ ራድዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዘጓንፍ ሓደጋ ሞት ጅምላዊ ቅትለት እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ምንጻት ዘርኢ ሰብ ተግባር ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጸማም እዝኒ ዕዉር ዓይኒ ክህበሉ ኣይግባእን፣ ሕጹጽ ውሳኔ ገይሩ ኣብ ደገፎም ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ድኽነትን ውግእን ጥሜትን መከራን ስቓይን ንኽሃድሙ ሓቂኖም ተስፋ ሰኒቖም ኣብ ዝፍጽምዎ ጉዕዞ ሓደጋ ሞት ከጋጥሞም ከምዝኽእል ኣይስሕትዎን እያቶም፣ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ግና ገዛእ ርእሶም ንሓደጋ የቃልዑ፣ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዕዞ ሕጻውንትን ነፍሰ ጹር መንእሰያት እዋልድን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ሓደጋ ሞት ከጓንፎም ብሓቂ እቲ ነዚ ዓይነት ሓደገይና ጉዕዞ ዝድርዀም ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ዝገጥምዎ ዘይፍሉጥ ኩነት ምዃኑ ትርዳእ ኢሎም።

ሞት ናይቶም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዓቢይን ብዝተሓተን ደረጃ እውን ይዅን ተሓተቲ ኵላትና ኢና፣ ነዚ ከምዚ ዓይነት ሕልቂት ከም ተዓዛቢ ኰይናካ ምርኣዩ ነቶም ዝሞቱ ካልኣይ ሞት ምፍራድ እዩ። እቲ ብሃብቲ ምድላብ ጽብል ከይዲ ሰሜናዊ ዓለም ንናይ ኣፍሪቃ ድኽነት ጠንቂ ምዃኑ ክንስሕቶ ኣይግባእን፣ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ነዚ ዓይነት ጠንቂ ናይቲ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዝተፈላለየ ጸገም ንምውጋድ ክተግህ ኣለዎ። ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ሰብ ክርስቲያን ዝፍጸም መቕተልን ጅምላዊ ቅትለትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረ ሰብ ብሱቕታ ዝርእዮ ዘሎ እዩ ዝመስል፣ ከምእንዝክሮ ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠይናታት ዝተፈጸመ መቕተልቲ መላእ ዓለም ኣሸባርነት ብምቅዋም ዝገለጾ ሓዘንን ተራእዮ ዘይፈልጥ ኩሎም ናይ ኤውሮጳ መራሔ መንግስታት ኣብ ፓሪስ ዝተረኽብሉ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ እዩ፣ ኣብ ኬንያ 150 ንዝተቐትሉ ክርስቲያን ሓሳብ ዝገበረ ኣሸባርነትን ሃይማኖታዊ ኣኽራርነትን ዝቓወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣይተራእየን ኬናውያን ንበይኖም እዮም ዘካየዱ፣ ሓደ ናይ ወጻኢ መራሔ መንግስቲ ኣይትረኽበን፣ ምእንቲ’ዚ ኤውሮጳ ነቲ ዝረአይ ጸገም ኩሉ ኣብ ናይ ዶባታ ሉኣላውነት ምኽባር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመስረተ መልሲ ካብ ምሃብ ክትቑጠብ ኣለዋ። ጸኣት ስደተይናታት ከም ውራ ጸላኢ ተሓሲቡ ዶባትካ ምዕጻው ብዝብል መልሲ ዝፍታሕ ኣይኰነን፣ እቲ ጸኣት ስደተይናትት ወረራ ዘይኰነስ ዘሕዝን ሰብኣዊ ኩነት እዩ። እቲ ሕይወቱ ብሰላም ንኽመርሕ ኣሚቱ ዝስደድ ዜጋ ዘጋጥሞ ሞት እዩ። ሰናይ ምእንቲ ክንበር ዝመውት ሕዝቢ እዩ። ሰናይ ምንባር ተመንዩ ንሞት ሓደጋ ከይቃላዕ ክንሕልዎን ነቲ ንስደት ዝዳርጎ ጸገማት ኣብ ምፍታሑ ምቛም የድሊ።

እቶም ስደተይናታት ዘጓንፎም ጸገም ከም ዘይምልከተካ ኰይና ምንባር ክርስትና ኣይኰነን፣ ነዚኣቶም ዘይሓስብ ምእንታኦም ዘይጣበቕ ገዛእ ርእሱ ክርስቲያን እየ ክብል ኣይክእልን፣ ገሊኣቶም ናይቶም ስደተይናታት ሞት ብእንቋዓነይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክገልጾ ንርእይ፣ እዚ ድማ ወንጌል ክሳብ ክንደይ ካብ ቤትናን ካብ ባህልንና ይርሕቕ ከምዘሎ እዩ ዘነጽር፣ ብዙሓት ድማ ነቶም ስደተይናታት ክጣብቑን ኣብ ምድሓኖም ክረባረቡ ንርእይ፣ እግዚኣብሔር ድማ ይሓግዞም፣ ንሕዙንን ድኹምን ስድተይናን ዝተናዕቀን ምድጋፍ ናይ ክርስትና ሕሊና እዩ። ንሳቶም ድምጺ እግዚኣብሔር እያቶም ኢሎም።

መንግስታት ዓለም ናይቲ ጸገም መንቀሊኡን መፍትሒኡን ይፈልጥዎ እዮም እቲ ዝረአይ ዘሎ ሽግር መንቀሊኡ ጉሁድ እዩ፣ ከምዚ ካብ ኰነ ድማ መፍትሒኡ ብሕጹጽ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘሸግር ኣይመስለንን፣ ቁርጹ ፍቓድ ጥራሕ እዩ ዘድሊ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.