2015-04-18 17:10:00

ቅድስቲ መንበር፦ ጥምየት ዕብላለ ውሑዳትንን መግዛእትነትን ብምጥፋእ ምውጋእ


ኣብ ዓለም ናይ ሕርሻ ፖለቲካ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘለዎ ዕለት 17 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ማርኰኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ፍትሕን ሰላም ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መሬትን መግብን ብዝብል ኣርእስቲ ዘሕተሞ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ከምእተቓልሔ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋዉስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ዋና ጸሓፊኦምን ናይ ፋኤንዛን ሞዲሊያና ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶዞን፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ማሕበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማሪዮ ሉበትኪን ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ሓለፍትን ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ሓቢረን ናይታ መጽሓፍ ቀንዲ ዕላማ ድማ ካብ ዓለም ጥምየት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ንምትብባዕን ስእነት መግብን ጥሜን ንምጥፋእ ክትግበር ዘለዎ ውሳኔ ንምጻር ምዃኑ ገሊጸን ብፁዕ ኣቡነ ቶዞ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ መግቢ ናይ ወዲ ሰብ መሰልን ክብርን እዩ፣ እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ጥምየትን ስእነት መግቢ ቀንዲ መንቀሊኡ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምቅይያር ዘይኰነስ ኣብ ዓለም ኣብ ግብሪ ዝውዕል ናይ መንግስታት ፖሊቲካ እዩ፣ እቲ መፍትሒኡ ድማ ካብ ፖለቲካ እዩ ዝነቅል ኢሎም፣ ናይ ሕርሻ ፖለቲካ ምትብባዕን ምድጋፍን የድሊ እንክብሉ ፕሮፈሰር ማሪዮ ሉበትኪን ኣብ 1996 ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ዛዕባ መግቢ፣ ኣብ 2000 ናይ ሽሓዊ ጉባኤ እቲ ካብ ዓለም ድኽነትን ጥምየትን ብፍርቂ ንምግዳል ዝብል መደብ ሚለኒዩም ዝተሓንጸጸሉን ኣብ 2012 ኣብ ሪዮ ደጃይነሮ ተቐባልነት ዘለዎ መደብን ከይድን ምዕባለ ዝዘተየን ዘኪሮም ኣብ 2015 ዓ.ም. ድማ መደብ ምዕባለ ሚለኒዩም ዝግምግም ምንባሩ ገሊጾም ጸረ ስእነት መግቢ ዝግበር ቃልሲ ዋላ’ኳ ኣብ ዓለም እኹል መግቢ ይሃሊ ገና ኣይተዓወተን እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ብወገኖም ድማ ጥምየት ዕብላለ ውሑዳትን መግዛእትነትን ብምጥፋእ ዝውገድ ምዃኑ ዘነጽር ሓሳብ ኣመርኵይዞም ዘረባ ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ገሊጸን።           








All the contents on this site are copyrighted ©.