2015-04-17 11:48:00

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት


እቲ ዝሐለፈ ሰኑይ ዝተጀመረ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝተዛዘመ ምንጪ ዜና ቫቲካን አመልኪቱ። እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አሳቲፉ ዚካየድ ጉባኤ ቢት ምኽሪ ካርዲናላት”ዚ ንተሐድሶ ተቅዋማት ምሕደራ ቅድስቲ መንበር ተሐሲቡ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ከም ዝቆመ ይዝከር።

ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ማኅተም ዳረክተር አባ ፈድሪኮ ሎማባርዲ ከም ዘመልከትዎ አብዚ ንሐደ ሳልስቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካርዲናላት ዳግመ ስርርዕ መራኸቢ ብዙኀን ምስረታ ክልተ ሐደስቲ ተቅውማት ቅድስቲ መንበር ዝተኮረ ዘተን ምይይጥን አካይዱ።

ልግስና ፍትሒ ሰላም ምእመናን ስድራ ቤት ሕይወት አጀንዳ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካርዲናላት ከም ዝነበረ ዳይረክተር ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ጠቂሶም ዳግመ ስርርዕ መራኸቢ ብዙኀን ቫቲካን ዘጽንዕ ሐደ ኮሚስዮን ክምሥረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝተሐቱ ጠቂሶም፡ ካልእ ሐለዋ ንዓቅመ ሔዋንን አዳምን ዘይበጽሑ ብዚምልከት ከም ዝተዘተየሉ አብ መወዳእታ ክአ እቲ ቅድሚ ሐደ 100 ዓመት አብ ልዕሊ አርመናውያን ዝተፈጸመ ኅልቂት አልዕሉ ከም ዝተዘራረበ አፍሊጦም።

ዝሐለፈ ሰንበት ነቲ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብንግስነት ኦትማን አብ ልዕሊ ህዝቢ አርመን ዝተፈጸመ ኅልቂት ንምዝካር አብ ካተድራል ቅዱስ ጰጥሮስ ናይ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን አርመን ወኪላት አብ ዝተረኽብሉ መስውዕተ ቅዳሴ ከም ዝተኻየደ ይዝከር።








All the contents on this site are copyrighted ©.