2015-04-16 16:30:00

ኣባ ሎምባርዲ ብዛዕባ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት


ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ብትኽክል ሰኑይ ካብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ሕዳሴ ንምርጋጋጽ ብዝብል ውሳኔ ብቕዱስ ኣቦና ዝተመዘ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ክስሳ ዕለት 15 ሚያዝያ

2015 ዓ.ም. ከምእተኻየደን ኣብቲ ናይ ዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣኼባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ከምእተሳተፉ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ናይ ኵላዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ላዕለዋይ መዋቕር ቤት ምሕድራ ሕዳሴ ኣብ 2016 ዓ.ም. ክጥናቐቕ ተስፋ ዘንበረ ኣኼባ ምንባሩን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ቅዋም ተጠናቒቑ ንኽቐርብ ገና ጊዜ ዝሓትት እውን እንተዀነ እቲ ሓዋርያዊ ቅዋም ናይ ትግባሬ ሕዳሴ ድሮ ክህሉ ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብቲ ናይ ዕለት 15 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ዋዕላ ሓደሽቲ ክልተ ጨንፈር ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝቖመን እዚ ድማ ግብረ ሰናይ ፍትሕን ሰላምን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ኣብ ዝምልከት ምዃኑ ቅድም ክብል እውን ተሓቢሩ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፣ ቀጺሎም ሕዳሴ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን መዋቕርን እቲ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካርዲናላት ዘርቀቖ ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሃን መዋቕር ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ዝድግፍ ሓደ ድርገት እውን ክቐውም ቅዱስ ኣቦና ከምዘተሕሳሰቡ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ ከምኡ እውን ሓለዋ ንዜጋታት ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ምይይጥ ከምእተገብረን፣ እዚ ድማ ኣብዚ መዳይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ዘነጽርን ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት እዚ ዓይነት ዓመጽ ገበን ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ሰብ ብዝብል ክሲ ዝግለጽ ኰይኑ ድሮ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩን፣ ኣብ ግብሪ እውን ይውዕል ኣሎ፣ ሓላዋ ትሕቲ ዕድመ ክበሃል እንከሎ ብጠቓላላ ንኹሉ ዝምልከትን ናይ ኵሉ ሓላፍነት ምዃኑ ዝሕብር ውሳኔ እዩ ኢሎም።

ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም ካብ ሓደ ጋዜጠይና ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን መስዋዕትነት ኣርመናውያንን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ገበን ምንጻት ዘርኢ ሰብ እንክብሉ ኣብ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት መስዋዕትነት ኣረምናውያን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ዝበልዎን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቱርክን ዘይምርድዳእ ዝፈጠረ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንዝቐረቡሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብቲ ምእንቲ ሰላም ናይ ሓብር ዘተ ዝብል ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ሓሳብ ዝቖመ ግልጺ ሓሳብ እዩ፣ እቲ ኣብ ግዚኡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስን ካረኪንን ዝበልዎ ሓሳብ ዝጠቕስ እውን እዩ። ስለዚህ ምንጻት ዘርኢ ሰብ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ዝተጠቀምሉ ቃል ሓድሽ ኣይኰነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ቀጺሉ እውን ድሕሪኡ ኣብ ዓለም ዝተራእየ ከምኡ ዝኣመሰለ ገበን ምንጻት ዘርኢ ሰብ ተፈጺሙ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝተፈጸመ ገበን ምንጻት ዘርኢን ድሓር እውን ዝተራዩ ተመሳሳሊ ገበናት ዳግም ከይህሉ ዝብል ሓድሽ ሰብን ሓድሽ ዓለም ምቛም ኣገዳሲ ምዃኑ ሰላምን ዘተን ዘተባብዕን ዕርቅን ምሕረትን ይቕረ ምብህሃልን ዝብል እዩ። እቲ ዘገድስን ዝዓበየን ድማ ናይቲ ዝበልዎ ሓሳብ መልእኽቲ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝቕጽል ኣኼባኡ ካብ ዕለት 8 ሰነ ክሳብ ዕለት 10 ሰነን ካብ ዕለት 14 ክሳብ ዕለት 16 መስከረምን ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. ንኸካይድ ከምእተወሰነ ሓቦሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.