2015-04-16 16:33:00

መደብ ምትሕብባር ኢጣሊያ ኣብ ቡርኪና ፋሶ


ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ናይቲ ፎክሲቭ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ዘይ መንግስታዊ ፈደራላዊ ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያን ማሕበር ወለንተይናታት ኣቦ መንበር ጃንፍራንኮ ካታይ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦ ኣብ ዝሓለፉ ኣርብዓ ዓመታት ኣብ ቡርኪና ፋሲ ዝጸንዔ ባህሊ ንናይ ምትሕብባር ተግባር ዝድግፍን ዘተባብዕን እዩ። ናይ ኢጣሊያን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለዩ ዘይ-መንግስታውያን ናይ ባህሊ ኣካላት ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዓቢይ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉን እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዘሎ ኩነታት ዝድግፎን ዘተባብዖን እዩ ኢሎም።

ብመንግስቲ ደረጃ እውን ብናይ ኢጣሊያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ኣቢሉ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተበገሰ ምትሕብባር ከምዘሎን ብሓፈሻኡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ልዕሊ 300 ዝግመቱ ኣባላት ናይ ኢጣሊያ ናይ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ማሕበር ወለንተይናታት ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ኣብ ቡርኪና ፋሶ ቀጥተይና ኣገልግሎት የበርክቱ ከምዘለዉን፣ ካብዚ ወጻኢ እውን ዝተፈላለዩ ኣባላት ማሕበር ልኡክነ ወንጌልን ናይ ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት የዕሩኽ ማሕበር ዓለማውያን ምእመናን እውን ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። ቀጺሎም እውን ናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ምትሕብባር ንምዕባለ ዝተሰምየ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣንቶኒዮ ካሾ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምሕትት፦ ኢጣሊያ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ልኡከ መንግስቲ የብላን እቲ ኣብ ኣቢድጃን ዝርከብ ሓላፍነት ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ዝውክሎ እዩ፣ ቅድሚ ቁሩብ ሰምንታት ኣቢሉ ኣብ ኦጋዱጉ ናይ ኢጣሊያ ናይ ልኡከ መንግስቲ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከምዝቖመ እውን ገሊጾም፣ ብሓፋሻኡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኢጣሊያ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ማሕበራትን ህልውቲ እያ ኢሎም።

ቡርኪና ፋሶ ብሃብቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ዝተዓደለት ሃገር አይኰነትን ናይ ባሕሪ በሪ እውን የብላን ምእንቲ’ዚ ኣማራጺ ድዩ ቅያር ደገፍ ምዕባለ ክርከብ ኣለዎ ብዝብል ዕላማ እተን ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝርከባ ዘይ መንግስታውያን ፈደራላዊ ማሕበር ወለንተይናታት ድዩ ናይ ምትሕብባር ናይ መንግስቲ ማሕበር ተዋፊረን ዘገልግላ ምዃነን ናይቲ ፈደራላዊ ማሕበር ወለንተይናታት ኣባል ኣብ ቡርኪና ፋሶ ካብ 2007 ዓ.ም. ተዋፊሮም ዘገልግሉ ዘለዉ ብወግኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.